2016-09-17 17:25:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕዝቢ ኣመት ዝምባለ ዓለም ዝኽተሉ ካህናትን ጳጳሳትን ምርኣይ ኣስልኪዎ እዩ


ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ውሽጢ ማዕርገ ጵጵስና ንዝለበሱ ኣብ መላእ ዓለም ሃገራት ዝርከቡ ሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ካብ 1994 ዓ.ም. ጀሚሩ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ምስ ናይ ምስራቕ ስርዓት ሰዓብቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ብምትሕብባር ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክካየድ ኣብ ዝተጀመረ ንሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዝወሃብ ዓውደ ሕንጸት ምኽንያት ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም. ብሓልዮ ኣብቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበረ ካብ ዕለት 12 መስከረም ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ሕንጸት ንዝተሳተፉ ካብ 19 ሃገራት ኣፍሪቃ 42 ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ 9 ሃገራት እስያ 36 ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ 9 ሃገራት ኣመሪካ 12 ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ ክልተ ሃገራት ኦቻይና ዝተዋጽኡ 4 ሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝገለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ዝተሰነዩ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ማዕርገ ጵጵስና ንዝተቐበሉ፥ ሕዝቢ ኣንፈት ዝምባለ ዓለም ዝኽተሉ ካህናትን ጳጳሳትን ምርኣይ ኣሰልኪዎ እዩ፡ ምሕረት ድኣ ኣስፍሑ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም፥ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምስፋሕ ቤተ ክርስቲያን ብጐይታ ክትናወጽን ንሕዝቢ ቀረባ ክትከውን ምፍቃድ የድሊ። ምሕረት እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ይዅን። እዚ እዩ ድማ ናይ ሓደ ኣቡን ተልእኾ። ብፍላይ ናይ ሓደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት። እዚ ተልእኾ’ዚ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣብቲ ኣብ ሓሙሽተ ምዕራፍ ዘለዎ ስልጣናዊ መልእኽቶ ድማ ኣዕሚዩቆም፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝመርሕዎ ሰበኻ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኹሉን ኵሉ ክራኸቦን ረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነስ ጭቡጥ ምዃኑ ዝምስክር ተልእዀ ከምዘለዎምን ኣቢያተ ክርስቲያን ህላዌ ቅድስናን ሓቅን ፍቕርን ዘጉልሕ ክኸውን ይግባእ። ነዚ ምዃናዊ ኣብ ድኽነት ዝርከብ ዓለም ናብ ገዛእ ርእሶም ክማራኹ ብዘይ ምድላይ ምሕረት ከወፍዩ ድማ ከምዘተሓሳሰቡ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ዓለም ብሓሰውቲ ዘዕንዝዙ ሰረይቲ ደኺሙ እዩ። ሕዝቢ ኣመት ዝምባለ ዓለም ወይ ድማ ዘመን ኣምጸኦ ኣገባብ ዝስዕቡ ካህናትን ወይ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ሕዝበ እግዚኣብሔር ናይ ምልላይ ገምሪ ኣለዎ። ስለዚህ ኢጐነትን ክትሩ ርእሰ ኣምልዀን ዘዋቕዕን ንናይ ገዛእ ርእሶም ሕቶ ጥራሕ ዝጣበቑ መራሕቲ ብዅን ናይ መስቀል ውግእ ዘወዕውዑ ካህናትን ጳጳሳትን ናይ ምልላይ ገምሪ ኣለዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ሕዝቢ ከምዝቖሰለን ኣብ ድነ ሞት ከምዘሎን ርድኢቱ ሃልይዎ ዋላ’ኳ ናይ መንፈስ ድኻምን ኣብራኽካ ንምዕጻፍ ዝዕንቅጽ ናይ መንፍስ ቅርጥምና ኣውን ይሃሉ ምሕረት ክምሕጸን ኣእዳዉ ይዝርግሕ እዩ። ምሕረት ከምዘድልዮ ከስተዕል ምድጋፍ የድሊ። ምእንቲ’ዚ ካብቲ ዘይስሩዕን ኢሰዋሳዊ እዋናዊ ልቢ እቲ ንእግዚኣብሔር ንምስማዕ ዘብቅዕ ኩነት ክፈጥር ዝኽእል ውስጠ ጽሞና ክህልው ብምድጋፍ ንእግዚኣብሔር ናይ ምስማዕ ድላይ ዘበራብሩ ሰባት የድልዩ። እግዚኣብሔር ጠሪሹ ኢዱ ዘይህብ እዩ። ኣንሕና ኢና ኢድና ንምሃብ ንችኩልን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዘወግድ ኢድና ንምሃብ ንምፍፍቃድን ብዅን ጣዕሳን ዘቃልሑ መደረታት ነቕርብ። ናይ ሓደ ኣቡን ብዅን ጣዕሳን ምዕርምራምን ብሓቂ ባህ ዘየብል ሕማቕ ተግባር እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ድማ ብእግዚኣብሔር ክንናወጽ ምፍቃድ የድሊ ዝብል እዩ። ብርግጽ ሓደ ሰብ ጥፉእ ንኸይከውን ዘድልዮ ጭቡጥ ነገር ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ዘገድስ ንምን ነገር ከይበቐቕካን ብምሉእ ሓይልኻ ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምባልን ናብዚ ሕዝቢ እዚ ምባል ወትሩ ብዅሉ መገዲ ምጽዓር እዩ። ኣብዚ ናይ በገስነት ትርጉም ዘጥፍእ ዘሎ ዓለም ቤተ ክርስትያን ኣብ ጉዕዞ ፍቕር ክትብገስ የድሊ እዚ እዩ እቲ መገዲ ክኸውን ዘለዎ።

እስከ እቲ ዘሎ ሕጹጽ ኩነታዊ ኣገዳስነት ሕንጸትን ክቡራት ዋጋታት ናይ ምስፋሕን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምትሕልላፍን ዘለዎ ሕጹጽነትን ነቲ ዝረአይ ዘሎ መሃይምነት ሓልዮትን ፍቕርን ከይዲ ጸዋዕታን ልልያን ኣብ ስድራ ቤትን ድልያ ሰላምን እሞ ሕስብ ኣብሉ፡ እዚ ኩሉ ድማ እቲ ሕያዋይ ጓሳን ካብቲ ዕሱብ ጓሳ ፈልዩ ዘርእዮ ጽንዓትን ትዕግስትን ቖራጽነት ዝሓትት መሪሓዊ ኣሰንዮን የድልይ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያናት ናይ መሰጋገሪ ሓልዮ ቅርጽታትን ናይ ዘርኣ ክህነት ኣባይቲ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም ኣቡናት ብቝጽሪ ማለት ብብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከይተማረኹ ንናይ ጸዋዕታ ብቑዕነትን ዓይነተይናነትን ዓቢይ ስፍራ ብምሃብ ናይ ዝጽዋዕ ሓዋርያዊ ዓይነተይናነትን ብቕዓትን ኣብ ልልያ ሓቀይናነት ጸዋዕታ ከተኩሩ ይግባእ። ብዝሒ ዘይኰነስ ዓይነተይናዊ ሓቀይናነት ጸዋዕታ እዩ ዘገድስ። ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ጽኑዕን ሓላይን ኣባታውነት መንፈስ ኣይትንፈግዎም።

ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘየድሊ ቀበጥበጥን ናይ ገዛእ ርእሰ ተነቃፍነት ዕብሉል ከይከውን  ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ድላይ ብነጻነት ክሓርዮን ክነብሮን ነቲ እግዚኣብሔር ኣብኡ ዘንብሮ ጸዋዕታን ንኣኡ ዝሓቶ ዘበለ ኵሉ ብነጻነት ሓንጎፋይ ቢሉ ክቕበል ኣብ ዝሓንጾ ማዕበያ ብምድጋፍ የድሊ … ንክህነት ዝሕጸዩ ብብርቱዕ ኣስተውዕሎን ሓላፍነት ተቐበሉ .. ብኽብረትኵም ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ምስተውዓልን ሓላፍነትን እትነብሩ ክትዀኑ እምሕጸንኩም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያንን ካህንን ዘሎ ዘይብተኽ ርክብ ጠሩሹ ሸለል ከይበሃል። ካብ ሓደ ሰበኻ ናብ ሓደ ሰበኻን ኰለል በሃልቲ ኰለሉ ካህን በጃኻትኩም ኣይትቀበሉ፡ ዘይምጽናዕን ምዕጅውጃውን ኰለሉ ምዃንን ናይ እዋንና ዓለም ዓቢይ ሕማም እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ስድራ ቤት ኣብ ሕብረተሰብ ዘስፍሕዎ ዓብይ ሰናይነት ብምትብባዕ ንኣባይቲ ስድራ ብፍላይ ድማ ነታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ኣብ ልላይን ምጽናዕን ግብረ ኣተኵሮን ሓብሕቡን ኣሰንዩን … ኣብ ቅድሚ ቁስሎምን ተነቃፍነቶምን ሕቖዅም ሂብኩም ኣይትሕለፉ ደው በሉን ትሕት በሉን እቲ ኖላዊ ልብኹምን ራኢዅምን በቲ ቑስልን ጸገምን ስድራ ቤት ክውጋእን ክትነክፍን ብዘይ ፍርሒ ብጥንቃቔ ቀረባ ኵኑ።  ነቲ ክብ ዘብልን ዘብርኽን ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዘጉልሕ ናይ ሓቀይና ፍቕሪ ፍስሓን ጸጋን ኣብ ቅድሚ የዕይንቶም ኣንብሩ ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.