2016-09-22 16:35:00

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ኣብ ቨራክሩዝ ግዝኣት ብሸነኽ ምስራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖዛ ሪካ ተጨውዮም ዝነበሩ ክልተ ካህናት ኣባ ኣለኾ ናቦሪን ኣባ ኾሴ እልፍረዶ ኺመነዝ ከምእተቐትሉ ዕለት 21 መስረም 2016 ዓ.ም. ምስ ተሰምዔ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ናብ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኵሉ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕን ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ክብሪ ሰብን ዝፍነው መጥቃዕቲ ኰኒኖም ውፉያንን መናንያንን መክሲካውያን ካህናትን ደናግልን ሽሕኳ መሰናኽላትን ስደትን ተገፍዖታትም የጋጥም ሓደራ ናይ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ኣብነት ናቶም ገይሮም ኣብ ተልዀኦም ክጸንዑ ሓደራ ቢሎም ንመክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳትን ካናትን ደናግልን ንስድራ ቤት ዝተቐትሉ ካህናት እግዚኣብሔር ጽንዓት ክህብን ነቶም ዝተቐትሉ ካህናት ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ተማሕጺኖም ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መክሲኮ ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.