2016-09-22 18:45:00

ንብጻይካ ዘይምፍራድ! ዓለም ምሕረት ኣምላኽ የድልዮ ኣሎ! ር.ሊ.ጳ


`ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ ።’ (ሉቃ 6.36-38)

  

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቅሰ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ ናይዚ ፍሉይ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል መሪሕ ቃል ‘መሓርቲ ከም ኣቦ’ ዝብል ጥቅሲ ይርከቦ፣ ምሉእ ሓሳብ ናይታ መግለጺት ‘ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾኖ ንስኹም እውን ከምኡ መሓርቲ ኩኑ’ እዩ ዝብል፣ ናይ ሓደ ግዝያዊ መፈክር ዘይኮነስ ናይ ምሉእ ሕይወት መሪሕ ቃል እዩ፣ ንትሕዝቶኡ ብዝበለጸ ንምርዳእ ምስታ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘላ ነነጻጽራ፣ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ጐ.ኢ.ክ ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝ|ኾነ ንስኻትኩም እውን ፍጹማን ኩኑ’ (5.48) ይብል፣ ኣብዚ ናይ ፍጽምና ትምህርቲ ጐይታ ዝምህሮ ፍጽምና ኣብ ፍቅሪ ከምትርከብ እዩ፣ እዚ ከኣ ንምሉእ ሕጊ ኦሪት ፍጽምና ይህቦ፣ ነዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ሉቃስ ፍጽምና ኣብ ምሕረት ከምዝርከብ ዝገልጽ፣ ዘይምሕር ሰብ ፍጹምዶ ክንብሎ ንኽእል፤ ኣይፋል! ዘይምሕር ሰብ ሕያዋይዶ ክንብሎ ንኽእል! ኣይፋል! ሕያውነትን ፍጽምናንከስ ኣብ ምሕረት ይቅረ ኣብ ምባል እየን ዝምስረታ፣ ርግጽ እዩ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ፣ ደቂ ሰባት ኣብዚ ፍጽምና እዚ ክበጽሑ ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ፣ ኮይኑ ግን ከም መሓርን ርሕሩሕን ኣቦ ክንርድኦ እንተደኣ ፈቲና ከምኡ ብፍቅሪ ምሉኣት ብርሕራሔን ምሕረትን ፍጹማን ክንከውን ሃረርታ ከምእነሕድር ይገብረና፣

ኮይኑ ግን እዘን ቃላት ኢየሱስ ኣብ ግብሪ ክ ውዕላዶ ይኽእላ! ወዲሰብሲ ብሓቂ ከምቲ እግዚኣብሔር ዘፍቅሮን ዝምሕሮን ከፍቅርን ክምሕርንዶ ይኽእል! ዝብል ሕቶ ክቅልቀል ናይ ግድን እዩ፣ ታሪኽ ድሕነት ደቂሰባት እንተተመልከትና እግዚኣብሔር ከየባተኸን ከይሰልከየን ንደቂ ሰባት ዝገልጾ ከም ኣቦ ወይውን ኣደ ውሉዱ ወትሩ ዘፍቅርን ዝሕብሕብን ዝሓልን ምዃኑ ይገልጽ፣ ናይቲ እንኮ ወዱ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብሙማት ነዚ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቅሪ ኣብ ጥርዙ ብምብጻሕ ኣብ ፍጽምና የብጽሖ፣ ነዚ ፍጹም ዝኾነ ፍቅሪ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝኽእል እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፣ ርግጽ እዩ እዚ ፍቅሪዚ መለከዒ የብሉን ናትና ግን ኩሉ ግዜ ጎደሎ ምዃኑ ንዕዘብ። እሞኸደኣ ኢየሱስ መሓርቲ ከም ኣቦ ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን! ኣብዚ ኢየሱስ ብዛዕባ ብዝሕን ዕብየትን ናይ ተግባርና ኣይኮነን ዝሓተና ዘሎ! ካባና ምልክት ይደሊ! መተሓላለፍቲ ምሕረት መስኖ ምሕረት ብምዃን ነዚ ወደር ኣልቦ ፍቅርን ምሕረትን ክንምስክር በዚ ኸኣ ተኸተልቱ ሓዋርያቱ ክንከውን እዩ ዝደሊ፣

ቤተ ክርስትያን ከኣ ነዚ ምልክት እዚ ብምዃን ምስጢር ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ዓለም እምበር ካልእ ክትከውን ኣይትኽእልን፣ ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ዝኾነ ግዜን ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ምልክት ምሕረት ኣምላኽ ብምዃን ምስጢረ ድሕነት ንምብጻሕ ምልክት ትኸውን፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እውን ናይዚ ምሕረት እዚ ምስክር ንምዃን ዝተጸዔ እዩ እዚ ከኣ ኣብ ጒዕዞ ቅድስናን ፍጽምናን ክዉን ይኸውን፣ ብዙሓት ቅዱሳን ብመለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ልቦም ክምላእ ስለዝፈቀዱ መሓርቲ ንምዃን በቂዖም፣ ናይቲ ኣብ ስቃይ ዝርከብ ዘመደ ኣዳም ሽግር ብምፍታሕ ንፍቅሪ ኣምላኽ ስጋ ኣልቢሶሞ፣ ከምዚኦም ብዝኣመሰሉ መንፈሳውያንን ስጋውያንን ናይ ምሕረት ስርሓት ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ገጽታ ኢየሱስ ኣብዚ ስቃይ ዝመልኦ ዓለም ከምዝንጸባረቅ ይገብሩ፣

ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና እስከ እቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ምሕረትን ብልግሲ ምሃብን ንሓዋርያት እንታይ ትርጉም ነርዎ ይኸውን! ቢልና እስከ ንሕተት! ምሕረት ልዕሊ ኩሉ ይቅረ ብምባል ኢዩ ዝግለጽ ‘ኣይርፍረዱ ኣይክፈረደልኩምን እዩ! ኣይትኰንኑ ኣይክትኲነኑን ከኣ ኢኹም! መሓሩ ክትመሓሩ ከኣ ኢኹም’ (ሉቃ 6.37) ይብል፣ ኢየሱስ ነቲ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ፍትሕን ርትዕን ዳንነትን ጒዕዞ ኣይኮነን ዘፍርስ ዘሎ እንታይ ደኣ ሕውነት እንተደኣ ከሸንፍ ደልዮም ተኸተልቱ ንፍርድን ኩነኔን ክሰግሩ ከምዘለዎም ንምዝኽኻር እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ናይ ማሕበረ ክርስትያን ዓንዲ ማእከል ኮይኑ ነታ ማሕበር ደው ዘብላ ምሕረትን ይቅርታን እዩ፣ እዚ ዝኾነሉ ከኣ በዚ ኣገባብዚ እቲ ብነጻ ዝዕደለና ምህረት እግዚኣብሔርን ኣቀዲሙ ዘፍቅረና ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣቦን ይግለጽ፣ ክርስትያን ክምሕር ኣለዎ ንብል ስለምንታይ ቢልና እንተሓተትና ከኣ ንሱ ኣቀዲሙ ስለዝተማሕረ እዩ እቲ መልሲ፣ ኩልና ኣብዚ ተጋቢእና ዘሎና ምሕረት ኣምላኽ ተቀቢልና ኢና፣ ወላ ሓደ እኳ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘየድለየሉ ግዜ ብፍጹም የልቦን፣ ስለዚኸስ ምሕረት ስለዝተቀበልና ክንምሕር ኣሎና፣ ነዚ ዕለት ዕለት ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር እንክንጽሊ ወትሩ ንደጋግሞ `ንበደላትና ይቅረ በለልና ንሕናውን ንዝበደሉና ይቅረ ክንብል ኢና` ንብል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ እግዚኣብሔር ንኣይ ካብ መሓረኒ ካብ ክምሕር ዘይክእለሉ ምኽንያት የለን፣ ንሓጢኣተኛ ሓውና ምፍራድን ምኩናንንከስ ጌጋ እዩ፣ ንሓጢኣት ምፍቃድ ዘይኮነስ ብሰንኩን ንሓውና ክንኲንንን ክንፈርድን ከሎና ነቲ ሕውነታዊ ምትእስሳር ንበትኮ ነቲ ካብ ደቁ ሓደኳ ክጠፍእ ዘይደሊ ምሕረት እግዚኣብሔር ከኣ ነቊስል፣ ንዝጋገ ሓውና ክንኲንን ስልጣን የብልናን! ልዕሊኡ ኣይኮናን፣ እኳ ደኣ ናይ ኣቦ ውልድነት ክብሪ ንኸንልብሶ ክንቃለስን ናብቲ ንሱ ዝገብሮ ናይ ንስሓን ለውጥን ጒዕዞ ከነሰንዮን ትሑዛት ኢና፣

ኢየሱስ ንቤተክርስትያኑ ንዓና ዘመልክተልና ካልእ ዓንዲ እውን ኣሎ፣ እዚ ከኣ ምሃብ እዩ፣ ‘ሃቡ ክ ወሃበኩም እዩ . በቲ ዝሰፈርኩምሉ መስፈር ክስፈረልኩም እዩ’ እናበለ ምሃብ እውን ማዕረ ምምሓር ኣድላዪ ከምዝኾነ ይገልጸልና፣ እግዚኣብሔር ዝህበና ኩሉ ዝግበኣና ኮይኑ ዘይኮነስ ብፍቅሩን ልግሱን ሓልዮቱን ክንዮ ዝግበኣና ይህበና በዚ ከኣ ንሕናውን ለጋሳት ክንከው ኣለና፣ ኢየሱስ ነቶም ዘይህቡ እንታይ ከምዝስዕቦም ይነግረና ኮይኑ ግን በቲ ዝሰፈርክሙሉ መስፈር ክብል ከሎ መጠን ዘፍቀርናዮን ዝለግስናዮን ከምንፍቀርን ከምንቅበልን ይገልጸልና፣

እዚ ኮይኑ እቲ እታ እንኮ ክንስዕባ ዘሎና መንገዲ መሓሪት ፍቅሪ እዩ፣ ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ክንደይ ምሕረት ካባና ከምዝሕተት ነስተውዕል ካብ ሕሜታን ፍርድን ቅንእን ሕስድናን ንርሓቅ። ሕይወትና ብፍቅሪ ክንነብር ይቅረ ክንብልን ክንምሕርን ኣሎና፣ እዚ ፍቅሪዚ ከኣ ንተኸተልቲ ኢየሱስ ነታ ካባኡ ዝተቀበልዋ መንነቶም  ከይብልሉን ከየጥፍኡን ይሕግዞም ከመይ ከም ደቂ እግዚኣብሔር ሓዋርያት ክርስቶስን ዝፍለጡሉ እንኮ መንነት ፍቅሪ ስለዝኾነ፣ በዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ይግንፍል (1ቆሮ 13)፣ ኣብ መወዳእታ ከይትርስዕዎ ሓደራ ዝብለኩም ምሕረት ልግሲ እንክኾን እዘን ክልተ ነገር ልቢ ከምእነዕብን ብፍቅሪ ከምዓብን ገሮም ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን ቁጥዓን የርሕቀልና፣ እስከ ክሓተኩም ተሪር እምኒ ዓረ ዝኾነ ልብዶ ወይስ ፍቅሪ ዝመልኦ ምሕረትን ይቅረታን ርሕራሔን ዝመለልዪኡ ልቢ! እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.