2016-09-24 16:34:00

ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኪየቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 21 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብናይቲ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት ተናበርቲ ሊቀ መናብርት ናይ ክርስቲያ ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓሪያርክ ልኡኽ ናይ ቶልመሶስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆብ ከትኻን ዝተመርሔ ምንባሩ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋቲ፥ እቲ ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ “ሲኖዶሳውነትን ቀዳማውነት ኣብ ቀዳሞት ሽሕዊ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ውህደት ኣገልግሎ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ስቝረት”  ዘርእስቱ ናይ ሓባር ሰነድ ከምዘጽደቐ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ኣመልኪቶም ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረያ ፓልሚየሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ካብቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ራቨና እቲ ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ድርገት ኣካይድዎ ኣብ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ዘበገሶ ከምዝነበረን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብደረጃ ከባብን ኣውራጃን ኵላውነትን ቀዳማውነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ናይ ሓባር ግንዛቤ ኣሎ። ካብዚ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ስምምዕ ስዒቡ እቲ ዝካየድ ብዙሕ ትዕግስትን ትሕትናን ቲዮሎጊያዊ ሊቕነት ዝሓትት መስቀለይና ዝዀነ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ዘካትዕ ብዛዕባ ቀዳማዊነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ይነቅል። ስለዚህ እቲ ናይ ክየቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ መስቀለይና ሕቶ ቀዳማውነትን ሲኖዶሳውነትን ኣብ ቀዳማይ ሺሓዊ ብዝብል ኣርእስቲ መረዳእታ ሂቡሉ እዩ። እዚ ቀዳማይ ሺሓዊ  ዝብል ነጥቢ ነቲ ዘካትዕ ሕቶ ፍታሕ ንኽርከበሉ ዝድግፍ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ቀዳማዊነት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻሕ ገና ብዙሕ ጉዞዕ ከድሊ እዩ። ግና እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ማለት  ኣብ ቀዳማይ ሺሓዊ ሲኖሳውነትን ቀዳማውነትን ዝብል ነጥቢ ነቲ መስቀለይና ሕቶን ገና ነቶም ኣብ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መዳይ ንዘለዉ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር መልሲ ዝሓቱ ብውሽጡ ዘጠቓልሎም ንኡሳን ሕቶታት መልሲ ክረኽቡ ዝድግፍ እዩ።

ኣብ መስርዕ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውነት ብዘይ ምንም ዓይነት ጥርጥር ኣብቲ ናይ ኪየቲ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ ቀዳማይ ሺሓዊ ዝብል ሓሳብ ተፈላጥነት ኣለዉ እዚ ንጹር እውን ከምዝኾነ የቕርቦ። እዚ ቀዳማውነት’ዚ ኣብ ኣቀማምጣ ሲኖዶሳውነት ኩሉ ጊዜ ተግባራውነት ዘለዎ እዩ። ስለዚ እዚ ሓሳብን ተግባርን ቀዳማውነ’ዚ ብግልጺ ክቕመጥን ንጹር ክኸውንን ኣገዳስን ግድን እውን እዩ። ማለት እዚ ቀዳማውነት’ዚ ተግባራውነቱ ብኸመይ ክግለጽ ኣለዎ። ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ክትንተን ኣለዎ። ስለ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያናት ሱታፌ ኣብ እዋናዊ ኵነት ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ክንበር ኣለዎ? እቲ ናይ ሓባር ዘተ ነዚ ክምልስ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ። ኣቲ ናይ 2016 ዓ.ም. ናይ ኪየቲ ናይ ሓባር ሰነድ ድማ ናብዚ ዓይነት ቀዳማውነት ዘሰንይ ክኸውን እንከሎ ንዅሉ ሕቶታት ግና መልሲ እውን እንተዘይኮነ  ንብሩህ መጻኢ ኣንፈት እዩ ኢሎም።

ናብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ንምብጻሕ እቲ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዘካይዶ መጽናዕቲ ብሓቂ ከቢድ እዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ሰነዳትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጽናዕታት እናዕሞቐ ናብ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያውን ቤተ ክርስቲያናውን ግንዛቤ ዘሰንይ እዩ። እቲ ናብ ውህደት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ከይዲ ቀሊል ኣይኰነን ስለዚህ ኣቶም ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ስምምዓት ብሓቂ ዓቢይ ተበጽሖታት እያቶም እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.