2016-09-25 13:40:00

ሰንበት ዘፍሬ መስከረም 2009 ዓ.ም. (9/20/2016)


 

ንባባት፡ ዕብ 12:5-13፥ ያዕ. 5፡1-10፥ ግ.ሓ.19፡21-ፍ፥ ሉቃ 13:22-30.   ምስባክ፡ ምድርኒ ወሃበት ፍሬሃ፥ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፥ ወይባርከነ እግኢአብሔር።  “ምድሪ ፍሬአ ትህብ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ይባርኸና፥ እግዚአብሔር ክባርኸና እዩ”። መዝ. 85፡12።

ዘሎናዮ እዋን እዋን ፍረ እዩ። ሓረስታይ ዘራእቱ ፈርዩ አብ ምሉእ ምትእምማን ናይ ዓመት ቀለቡ ዘረጋግጸሉ እዋን እዩ። እዚ አብ መንፈሳዊ ቀለብና ክንቅርብ የተሓሳስበና። ነዚ ዓመት ከመይ ገረ እጅምሮ አሎኹ ኢልና ሕይወትና ብመንፈሳዊ ስንቂ አስኒቕናዶ ንጅምሮ አሎና ክንብል ግቡእ እዩ። ከም ሰባት መጠን ስንቂ ከይውሕደና ክንርኢ የድልየና እዩ። ጉዕዞና ዕዉት ክኸውን ብመንፈሳዊ ሕይወትና ዝሰነቕና ክንከውን የድልየና። 

ናይ ሎሚ ወንጌል ንምቾት ንጣዕሚ አወጊድና አብ መገዲ አምላኽ ክንህሉ የዘኻኽረና። “በታ ጸባብ አፍደገ ንምእታው ተጋደሉ” ይብለና። ጉዕዞ ሰማይ ከዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ጉዳይ ድሕነትና ኩሉ ጊዜ ሓለዋ የድልዮ።

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሰለስተ ሰባት ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ ብዛዕባ ሃይማኖቶም ክትዕ አልዒሎም። ሰለስቲኦም ሓረስቶስ ጥጡጥ እዮም ነሮም። አብ ክትዖም ናትና እዩ እቲ ሓቂ ናትና እባ እናበሎ አብ ርሱን ክትዕ አትዮም። አብ ጥቕኦም ሓደ ሽማገለ ንኽትዖም ሱቕ ኢሉ ይሰምዕ ነሩ። አብቲ ሽማገለ ቅርብ ኢሎም መንዩ ካባና ሓቂ ዘሎ ኢሎም ሓቲቶሞ ብኻልእ አዘራርባ አየናይ እምነት እዩ እቲ ሓቂ ሒዙ ዘሎ እናበሉ ሓቲቶሞ።

እቲ ሽማገለ ህድእ ኢሉ እናአስተንፈስ ከምዚ እናበለ ክምልስ ጀሚሩ። ብምሳሌ ገሩ ምስቲ ስርሖም ዝመሳሰል ምስላ አምጺእሎም። ካብዚ ክሳብ እቲ ናይ ጡጥ መኻዚኖ ሰለስተ መገዲ አለዋ። ሓንቲ በዚ ጎቦ ደይብካ ብቐጥታ አብቲ መኻዚኖ ክትከይድ ትኽእል ሓጻር እያ እንተ ኾነ ዓቐብ ስለ ዝኾነ ብርቱዕ ድኻም ዘድልዮ እዩ። ብምስራቕ ወገን ናይ እዚ ጎቦ ገርካ ክትከይድ ትኽእል እቲ መገዲ ብዙሕ ነውሕ አይኮነን እንተኾነ ከርፋሕን ዘይጽቡቕን ክትከዶ ዘይጥዑም እዩ። ሳልሳይ ብወገን ምዕራብ ናይ እቲ ጎቦ ክትከይድ ትኽእል ነውሕ መገዲ ግን ዝቐለለ መገዲ ክትከይድ ትኽእል።

እንተኾነ ኢሉ አብ ዓዓይኖም እና ጠመተ አብቲ መኻዚኖ ምስ በጻሕካ እቲ ዋርድያ ከመይ ገርካ ከም ዝመጻእካ ወይ በየና መገዲ ከም ዝመጻእካ አይኮነን ዝሓተካ። “ዓርከይ ክሳብ ክንደናይ ጽቡቕ እዩ እዚ ጡጥካ” ኢሉ እዩ ዝሓተካ እናበለ አብ ሕይወት አገዳሲ ሕይወትና እንታይ ዓይነት ሕይወት ከም እንምርሕ እምበር አነ ከምዚ እዩ እምነተይ እናበልካ ምጅሃር አብ ሓቂ ከም እንነብር አይገብረናን እዩ እናበለ ሃናጺ መልሲ ሂብዎም።

አብ ኢሳይስ 66፡18-21 ዘሎ እንተ አንበብና ድሕነት አምላኽ ንኹሎም መንግስታት ዓለም ከም ዝኾነ ንሕና ሰበኽቱ ከም ዝኾና ንኹሎም ደቂ ሰብ አብ መንግስቲ አምላኽ እንዕድም ከም ዝኾና ይነግረና። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ዘንበብናያ ወላ እውን አብ ጊዜ መቕጻዕቲ አምላኽ ንምሕረትና ኢሉ ከም ዝሰደለና ክንርዳእ ይምዕደና። ከምቲ ፈቃር አቦ ንውላዱ ከምህሮ ኢሉ ዝቐጽዖ ከምኡ አምላኽ ካብ ክፉእ ክመልሰና ኢሉ ክቐጽዓና ይክአል። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ጉዳይ ድሕነት ቀሊል ከም ዘይኮነ ብዘይ ቅኑዕ ነገራት ከይንታለል የጠንቅቐና። ድሕነት ንኹሉ እዩ እንተኾነ ብርቱዕ ሥራሕ ምስ ጸጋ አምላኽ ዕለት ዕለት ካስብ መዓልቲ ሞትና ምትሕብባር ይሓትት። አብኡ እንከሎ ብቐሊል ሸለል ክንብሎ አይግባእን። ጉዳይ ድሕነትና ተልእኮን ዓቢ መዝነትን እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ትርጉም ጉዕዞ ንኢየሩሳሌምን ዘስዕቦ ሓባራዊ ድሕነትን ይገልጸልና።

“ጎይታ እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም” ኢየሱስ ምስ አርድእቱ ንኢየሩሳሌም ገጹ እናኸደ እንከሎ ሓደ ሰብ ዝሓተቶ እዩ። አገዳስን ዓቢ ሕቶን እዩ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዙሓት አይሁድ ንሶም ጥራሕ ህዝበ እግዚአብሔር ንሶም ጥራሕ ሕሩያት ህዝበ አምላኽ ምዃኖም ይሓስቡ ነሮም። ብርድኢቶም አረማውያንን ዘይአመንትን ኩሎም ንሕጊ ሙሴ ዘየኽብሩ ኩሎም ዘይድሕኑን ብአምላኽ ዝተነጽጉ ገሮም ይሓስብዎም ነሮም። ድሕነት ንአአቶም ጥራሕ ነቶም ሕጊ ሙሴ ዘኽብሩ ዝተሓዝኤ ገሮም ይሓስብዎ ነሮም። 

ኢየሱስ ነቲ ሕቶ ቀጥታዊ መልሲ ክህቦ አይደለን። ብአንጻሩ ቅልል ዝበለ ሕቶ እናሓተተ ንስዓብቱ ብዛዕባ ድኅነት ክነግሮም ጀሚሩ። አብ ትምህርቱ ነቲ ቀንዲ ነገራት ክነግሮም ጀሚሩ። ከንደይ ከም ዝድኅኑ አገዳሲ አይኮነን። አገዳሲ ነገር አነን ንስኹምን ክንሓስበሉ ዘሎና “ከመይ እንተ ገበርና ኢና እንድሕን” ነዚ እዩ ኢየሱስ መልሲ ዝህበሉ።

“በታ ጸባብ አፍደገ ንምእታው ተጋደሉ”፥ መጀመርያ አብ መንግስቲ አምላኽ ክንአቱ በታ ጸባብ አፍደገ ክንቃለስ አሎና። እታ ጸባብ አፍደገ ጉዕዝአ ብቀሊል ምስ ብዙሓት እትጉዓዛ አይኮነትን። ጸባብ ዘብላ ብዙሓተ ሰባት ከምዘይጉዓዝዋ ከስምዕ ኢሉ እዩ። ድኅነት ብግልኻ ንበይንኻ ዝርኢ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ድኅነት ቀሊል አይኮነን፥ እትኸፍሎ ዋጋ አልኦ፥ ብቃልስን ብስቓይን እዩ ዝርከብ።

እዛ ጸባብ ማዕጾ ንኹሉ ኽፍቲ እያ እንተ ኾነ እቶም ክአትዉ ዝደልይዋ ጥራሕ እዮም ተቐባልነት ዘልኦም። መንግስቲ አምላኽ ክትመርጾ አሎካ። ናይ ድኅነት ህያብ ብምፍልላይ ዝርከብ መሰል አይኮነን። ድሕነት ንኹሉ እዩ፥ አምላኽ ከአ ኩሉ ክድሕን ድላዩ እዩ፥ እንተ ኾነ ሰማያዊ ናይ ድሕነት ፍቕሪ ግላዊ መልሲ ይሓትት።

“ካበይ ምዃንኩም አይፈልጠኩምን እየ”፥ ካልአይ ኢየሱስ ነርድእቱ ብምሳሌ ገሩ ብዛዕባ ዝተዓጽወ ማዕጾ ተዛሪብዎም፥ ንሱ ኸአ ነቶም ንኢየሱስ ምቕባል ዝደናጎዩ እዩ ዘስምዕ። ባዕሉ ከም ዝበሎ ንአኡ ምኽታል፥ምስኡ ምሳሕ ምብላዕ፥ ክዛረብ እንከሎ ምስማዕ፥ እኹል አይኮነን። ካብኡ ንላዕሊ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ። ሓደ ጊዜ ንዕድመ ኢየሱስ ድሕሪ ተቐቢልና አብ ትምህርቱ ጸኒዕና ክነብር ዕለት ዕለት ክነብሮ አሎና። እቶም ብእምነት ጸኒዖም ዘይነብሩ አብ አፍደገ ክተርፉ እዮም። አብዚ ኢየሱስ ዘጠንቅቐና ዘሎ ጉዳይ ድሕነትና ብሸለልትነት ክንሕዞ ከም ዘይግባእ፥ ሓንሳብ ሒዝካዮ ዝረጋገጸ አይኮነን፥ ዕለት ዕለት ምንባሩ የድሊ። ከምቲ አይሁድ ደቂ አብርሃም ደቂ ዓበይቲ ነብያት እንዲና እናበሉ ዝአምኑ ዝነበሩ ግን ግብሮም ግብሪ አብርሃም ዘይኮነ ንሕናው እውን ብስም ተኸተልቲ ክርስቶስ ብስም ኮና ድሕነትና አይረጋገጸልናን እዩ። ክንድሕን ሕያው እምነት የድልየና።
“ቀዳሞት ዳኅሮት ዳኅሮት ከአ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም”፥ አብ መጨረሽታ እቶም ንርእሶም ዓበይትን ሓያላትን፥ ንኹሉ ከምድላዮም ዝገብሩን ዘንቀሳቕሱን አብ መንግስቲ አምላኽ ክፍሊ አይክህልዎምን እዩ ይብለና። ብአንጻሩ እቶም ትሑታትንን ብማንም ዘይፍለጡ ክብረት ዘይብሎም አብ መንግስቲ አምላኽ ክአትዉ እዮም። ናይ እቶም ዝደሓኑ ዝርዝር ከገርመና እዩ። ስለምንታይ ኢልና እንተ ሓተትና ምኽንያቱ መገዲ አምላኽ ካብ መገድና ፍሉይ ስለ ዝኾነ።

ሓደ ዝንገር ታሪኽ አሎ፥ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ መንግስተ ሰማይ ምስ ከደት እቶም ዘመሓድሩ ንእስ ዝበለ ክትነብሮ ደስ ዘየብል ገዛ ሂቦማ ንሳ ኸአ እዚ ድአ እንታይ ክገብሮ አይደልዮን እየ ካልእ ሃቡኒ ኢላቶም። ንሳቶም ከአ ቅድሚ አብዚ ምምጻእኪ ዝልአኽክልና ነዚ ጥራሕ እዩ ከስርሕ ዝኽእል ኢሎማ፥ አማዕድው አቢላ እንተ ርአየት ጽቡቕ ገዛ ርአየት እሞ እቲ ጽቡቕ ገዛ ድአ ናይ መን እዩ እናበለት ሓቲታቶም፥ ናይ ሰራሕተኛ ጀርዲንኪ እዩ ኢሎማ፥ ከመይ ኢሉ ናተይ ሰራሕተኛ ዝነበረ ድኻ ካብ ናተይ ዝበልጽ መቐመጢ ክሰርሕ ይኽእል ኢላ ሓቲታ። አብዚ ዝስራሕ ገዛውቲ በቲ ካብ ምድሪ ዝልአኽካዮ ነገራት እዩ ዝስርሑ፥ ንሕና አይኮናን እንመርጸሎም እዚ ንስኺ አብ ዓለም እንከሎኺ ጽቡቕ ገዛ ዘስርሕ አይለአኽን ኢሎማ ይብሃል።

እሞ እቶም ዝድኅኑ ውሑዳት ድዮም። አብዚ ዓለም እንገብሮ እዩ አብ ሰማይ ስንቂ ዝኾነና፥ አብዚ ዘንጊዕና ናይ ሥጋ ነገር ጥራሕ ክንሓስብን ክንገብርን እንከሎና ንመጻኢ ሕይወትና ከይሓሰብና እንተ ነበርና አብ ሰማይ ጽቡቕ ቤት ክህልወና አይ ክእልን እዩ። ጊዜ ከሎካ ጊዜ አይትጸበ እዩ ነገሩ። ሎሚ ንሰማይ ዘእቱ ነገር አብ ምግባር ንጸመድ ሽዑ አምላኽ አታ እሙን ወደይ/ጓለይ ክጽበየካዶ መጺእካለይ ክብለና እዩ።

እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅሮም ይቐጽዖም።

አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ንሎሚ ዝተነበት ንዘመናት ዝኸደ ሕቶ ተቕርብ። ስለምንታይ እዩ ንጥዑያት ብሩኻት ሰባት ሕማቕ ነገር ዝገጥሞም። አብ ሰባት ዝወርድ ባህርያውን ኩሉ እንርእዮ ስቓያትን መግለጺ ክንህበሉ አይንኽእልን ኢና። ንአብነት ምዕልቕላቕ፥ ሓዊ፥ ምንድቕዳቕ ምድሪ። ገለ ሰባት ጸገማት ንጠባያትና የበርትዑ ብዝያዳ ሰብ ይገብሩና ዝብሉ አለዉ። ከይተሳቐኻ መኽሰብ የለን ዝብሃል አዘራርባ አሎ “No pain, no gain” ዝበለጸ ርኢቶን ግምትን ንሃብ ስቓይ ምስጢር እዩ። አብ ክርስትያናዊ ባህሊ ካብ ስቓይ ዘይምህዳም ብእምነት አምላኽ ክትቅበሎ እንከሎኻ ምስቲ ናይ ኢየሱስ ስቓያት ክተወሃህዶ እንከሎኻ ንኻልኦት ድሕነት ዘድሕን ክኸውን ይክአል ዝብል አሎ። ስለምንታይ ከምዚ ዝኸውን? ምኽንያቱ ኸአ አብ እምነትና ስቓያት ኢየሱስ ንኹልና ደቂ ሰብ ድሕነትን ምሕረትን ዝምጽአ እዩ።

አብ ሕይወትና ንርእስና ቀጺዕና ክነብር እንተ ኸኣልና እሞ ብእምነት እንተ ነበርና ብእምነት ንኢየሱስ ንኽተል አሎና ማለት እዩ። አብ ገለ እዋናት ንክርስትያናዊ ሕይወትና ክነብሮ ክንቃለስ አሎና። አምላኽ ንኹሉ ዝጓነፈና ጸገማት ክንዕወት ኢሉ የሰናድወና። ከም ሓላፍነት ዘለዎም ወለዲ አብ ገለ እዋን አምላኽ እውን ይቐጽዓና እዩ። እዚ መቕጻዕቲ ገለ ስቓይ ሓዘን ከውርደልና ይክአል እንተኸኖ በቲ ዝተጓነፈና ጸገም መገዲ አምላኽ አብ ፍቕሪ አብ ርትዒ አብ ሰላም ክንምሃር ንኽእል።

አብዚ ዘሎናዮ እዋን ምስ አምላኽ ጥቡቕ ርክብ ክህልወና እሞ ጉዳይ ድሕነትና ዋሕስ ክንረኽበሉ ይግብአና። እምነትና ክነብሮ እንከሎና ጥራሕ ኢና ክንዕወት እንኽእል። ብግዝያዊ ምቾት ዓለም ተታሊልና ንመገዲ አምላኽ ዘንጊዕና ከይንነብር ምስውዓል የድልየና።

ኦ ሕያዋይ አምላኽ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ብፍላይ አብዛ ዓመት እዚአ እምነተይ ክሕድስን ከጽንዕን እሞ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ክመርሕ ጸጋኻ ሃበኒ ኢልና ንለምኖ። ፈቃር አምላኽና በታ ጸባብ ዓንቀጽ ክንምለሶ እናተጸበየና እዩ እሞ ብዘይ ምውልዋል አብ ቤቱ ንእቶ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   








All the contents on this site are copyrighted ©.