2016-09-27 15:44:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ርእስ ብሔ ጆሰፍ ካቢላ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ዕለት 26 መስከረም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ካቢላ ድሕሪ ምስንባት ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ርቻርድ ጋላገር ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ልባውነት ዝዓሰሎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃገረ ኰንጐን ዘሎ ርክባት ዘማእከለ ኰይኑ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ተቛማታን ማሕበራታን ኣቢላ ኣብታ ሃገር እተሳልጦ መደብ ሕንጸትን እተበርክቶ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝድግፍ መደብ ልምዓት እውን ዓቢይ አበርክቶ ዘለዋ ምዃኑ ከምእተሰመረሉን ኣብዚ መዳይ’ዚ ድማ እቲ ዕለት 20 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ መንጐ መንግስቲ ኰንጐን ቅድስቲ መንበርን ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ስምምዓት ብወገን ቤተ ክርስቲያን ኰነ ብወገን ሃገረ ኰንጐ ዘሕጉስ ምዃኑ ከምእተገልጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ  መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ጐንጐ ተቐማጦ ምስራቓዊ ከባቢ በቲ ቀጻሊ ዝረአይ ዓመጽ ዘጋጥሞ መከራን ዘማእከለ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ተገይሩ እዚ ጉዳይ’ዚ መዕለቢ ክርከበሉን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ክኸውን ብብሔራዊ ደረጃን ከምኡ እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዓቢይ ጻዕሪ ክግበር ከምዝግብኦን ሕጹጽ ምትሕብባር ዝጠልብ ኩነት እውን ምዃኑ ብዘነጽር ዝርርብ ከምእተዛዛመ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.