2016-09-27 15:51:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን


ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ደራስን ኤሊዮ ጉወሪየሮ፤ በነዲክቶስ መበል 16 ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኻኸል ሓይሊ የብለይን ቢሎም ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክለቑ ምውሳኖም ምስ ተሰምዔን እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓለም ዘሕደሮ ተዛማዲ ሻቕሎትን  ከምኡ እውን እዚ ብገዛእ ፈቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ንኽለቁ ዝደረዀም እንታይ እዩ ዝብል ሕቶን ብዛዕባ በነዲክቶስ መበል 16 መጽሓፍ ክጽሕፉ ከምዘነቓቕሖምን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ በነዲክቶስ መበል 16፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ፍጥረት ሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መቕድም ዝተነብሮን ብሞንዳዶሪ ቤት ማሕተን ተሓቲማ ንንባብ ዝበቐዔት መጽሓፎም ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃአ መሕትት፥

ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን፥ ብጻይነትን ሱታፌን

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ኣረኪቦም ኣብ ጸላይን ኣስተንታንን ሕይወት ተጸሚዶም ብርጉእ ሕይወትን ብፍላይ ድማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓይቢ ምሕዝነትን ሱታፌን ብዝዓሰሎ መንፈስ ኣብ ቀጽሪ ሃገረ ቫቲካን ክነብሩ ብሓቂ መሰረታዊ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይታ መጽሓፍ መቕድም ዝብልዎ፥ ኣብ መንጐ ክልቲኦቶም ዘሎ ርክብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጽቡቕ ደላዪ ብምዃኑ ሕውነት ዝምስክር እዩ። እቲ ፍሉይነቱ ድማ ንሱ እዩ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለምን ምስክርነት እዩ ኢሎም።

ልሂቅ ር.ሊጵጵስና. ኣብቲ ክውን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን እደ ኣታውነት የብሉን። እንተዀነ እውን ተነጺሎም፡ ተደናጊሮምን ሓፊሮምን ዘይነብሩ እዮም። ብንጻሩ ተኣዛዝነቶም ንቅዱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሂቦም ቀረባኦም ኰይኖምን ስሌኦም ምእንቲ ስለ እቲ ዘለዎም ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕውነትን እውን ዝጽልዩ እዮም፡ ንኣማኒ ጥራሕ ዘይኰነ ንኢኣማኒ እውን ዘገርም ምስክርነትን ኣብነትን እዩ ኢሎም።

ናይ ራትዚንገር ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ካብቶም ዓበይቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶ መበል 16 ንቤተ ክርስቲያን ዝመሓላለፍዎ ውርሻታት እቲ ዓቢይ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቢተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት እዩ። ገና ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ እንከለዉ ኣብቲ እዋን’ቲ ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ዘሰናድው ድርገት ንኽመርሑ ተሓርዩምን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ናይ እምነት ጽማሬ ዘበርክት ሰነድ ኣብ ፍጻሜ ኣብጺሖም እዮም። እቲ ሰነድ ድማ ገለ ገለ ክፍልታቱ ራትዚንገር ዘሰናደውዎን ነቲ ዕዮ ናብ ምስናድ ዝመርሑን ዝተኻየዱ ርክባትን ምይይጥን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት እውን ዝመርሑ እዮም። ከም ር.ሊ.ጳ. ድማ ራትዚንገር ኣብ ገለ ገለ ክፍልታት ቤተ ክርስቲያን እውን ዝረአይ ኣብዚ ሃይማኖታዊ ቅልውላውን ምድንጋርን ዝረኣየሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም ብርቱዕን ዓሚዩቕን ናይ እምነት ጽኑዕ ምስክርነት ኣውሪሶምና እዮም። እዚ ምስክርነቶም’ዚ ከም ኣብነት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ነባርን ዝኩርን እዩ ምስ በሉ፥

ግላዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ

በነዲክቶስ መበል 16 ኢየሱስ ናዝራዊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሰለስተ ተኻታታሊ መጽሓፎም ካብቶም ር.ሊ.ጵጵስናኦም ብፍሉዩ ካብ ዝገልጾምን ንቤተ ክርስቲያን ዘውረስዎ ዓቢይ ካብ ግላዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ዝመንጨወ ምስክርነት ዘጉልሕ። ካብቲ ዘለዎም ዓሚዩቕን ዓቢይን ሊቅነት ቲዮሎጊያን ካብ ጸላይነቶም ዝመንጨወ ሰብ እምነት ምዃኖምን ካብ ዘለዎም ዓሚቕ መፈሳውነትን ኢየሱስ ካብ ንሕቶና መላስነቱ ዘይኰነስ ካብቲ ንምስማዕና ቅልጡፍ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጽ ተመክሮ ዝነቐለ እዩ።

እቲ ተኸታታሊ መጽሓፎን ካብቲ ጭቡጥ ወልደ እግዚኣብሔር ተክለ ስብነት ዘርሕቕ ተራ ታሪኻውን ስነ ምርምራውን ስነ ትንተናን ዝተመርኰዘ ዘይኰነስ ብእምነትን ብፍቕርን እንውከሶ ኢየሱስ ከም ሰብን መለኰትን ዝትንትን እዩ። ስለዚህ ናይዞም መጽሓፍቶም ኣገዳሲ ሳዕቤናቱ ገና እናዓበየ ዝኸይድ ዓቢይ ውርሻ እዩ። ስለምታይ ዕጹው መጽሓፋት ዘይኰኑስ ርህዋት ብምዃኑን እዩ ስለዚህ ድማ ተመራመትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ዝትንትንዎን ማራኽን ውህበትን ውበትን ዝዀነ ኢየሱስ ንምእመናን ዘቕርብሉን  ቀጻልነት ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ደረስትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ቅዱሳትን ዘውረስዎ ጽሑፋቶም እዩ።

ብድሆ ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት

ኣብ ፖለቲካውን ባህላውን መዳይ ይብሉ ጉወረይሮ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እንክድምድሙ፥ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፓሪስ ተቛም በርናርዲኒ ኣብ ዘስምዕዎ ብፍሉይ ዝጥቀስ ዘረባ ካብቶም ኣብ ር.ሊ.ጵጵስና እንከለዉ ካብ ዘስምዕዎም ዘረባታት ኣዚዩ ብሉጽ ቢሎም ብምግላጽ ንሳልሳይ ሽሓዊ ዘመን ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት ራእይ ዘውርስ እዩ። 

ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ኣብቲ ሃይማኖት ዘይንጽል በንጻሩ በቲ ሃይማኖት ዘለዎ ፍጡር ሰብ ልዕል ናይ ምባል ብቕዓቱ ዝተማልአ ቅዱስ ዓለማውነት ዝጸንዔን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰላም ዝጸንዔ ሰብኣውነት ይትንትኑ።

በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ሕይወት ምንኵስና እዩ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ። ኰይኑ ግና እዚ ናብ ማእከላይ ዘመን ምልሶት’ዚ ናብ ሕሉፍ እዋን ንምንባር ምምላስ ወይ ድም ንመለስ ዝብል ዘይኰነስ ነቲ ብዓመጽን ንእግዚኣብሔር ሕቖኻ ብናይ ምሃብ ባህሊ ዝዕብለል ዘሎ እዋናዊ ዓለም ሓናጺ ሓሳብ ብምቕራብ እዩ። ስለዚህ ኣብ ምልሶት ናብ ቅድሚት እዩ። ንሱ ድማ እቲ ሎሚ ኤውሮጳ ከቕርቦን ክርድኦን ዘይተኽኣሎ ሓሳብ ዘስተውዓለን ዘብርህን ነቲ ሓሳብ ዘቕርብን ዝትንትን እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.