2016-09-27 15:39:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዛዕባ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅዱስ ኣቦና ናብ ካውካሱስ


ግረግ ብሩከ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጆርጂያን ኣዘርባጃንን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም ዕለት 26 መስረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንናይ ወጻኢ ኣብ ቅድስቲ  መንበር ልኡኻት ጋዜጠይናታ መግለጺ ሂቦም።

ብሩከ ነቲ ሐዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም መገሻ እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብተን ሃገራት ኣብ ዘካይድዎ ርክባት ኩሉ ዘስምዕዎ ዘረባን ምዕዳንን ብቛንቛ ጣሊያን ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ካብቲ መገሻ መልሲ እውን ዕለት 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ከይድታት ዘማእከለ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

እዚ መበል 16 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ሰላም ዘነቓቕሕን ንደገፍ ሰሰላምን እዩ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ጆርጂያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ እቲ ኣብ ኣዘርበጃን ዘካይድዎ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ትኵረት ዝገብር ከምዝኸውን ብሩከ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣተሓሒዞም እቲ ጉዕዞ ብጠቕላላ ናይ ሰላም ጉዕዞ ብዝብል መርሕ ቃል ዝጠቓለል እዩ። ስለዚህ ኣብ መንጐ ናይ ካውካሱስ ሃገራት ዕርቅን ምሕዝነትን ዘተባብዕ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጆርጂያ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ኣብ ዝግበረሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ናይታ ሃገር ፓትሪያርክ ክሳተፉ ከምዝዀኑን እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ብጋሴኡ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ማሕበረሰብ ኦርቶዶክስን ርክባት ዝምስክር እዩ። ኣብ ኣዘርበጃን ቅድም ክብል ከምዝሓበርክዎ ይብሉ ብሩከ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታ ኣብ ናይ ሓባር ርክባት ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ባኩ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ካውካሱስ ሃይማኖት ምስልምና ሸኽ ክራኸቡ እዮም። ኣብዚ ኣብ ካውካሱስ ዘካይድዎ ሓዋርይዊ መገሻ ዓሰርተ መደረታት ከስምዑ ክዀኑ እንከለዉ ኣብ መልእኽቶም ድማ ነቲ ብውግእ ዝደምይ ዘሎ ሕዝቢ ሶሪያን ዒራቕን ቅርበቶም ጸሎቶም ደጊሞም ከረጋግጹ እዮም። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብታ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስምዖን ባር ሳባኤ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝፍጽምዎ ከምዝኸውን ገሊጾም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.