2016-09-29 17:37:00

ሓውጾተ ኖልዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጆርጅያን ኣዘርበጃንን!


ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ብዕለት 30 ሰነ 2016 ዓም ኣብ ዘስምዕዎ ‘ብጸጋ እግዚኣብሔር ካብ 24 ክሳብ 26 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብታ ቀዳመይቲ ሃገር ክርስትና ብምዃን ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ንክርስትና ሃንጐፋይ ቢላ ዝተቀበለት ኣብ ኣርመንያ  ሓውጾተ ኖልዎ ገረ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር  ናብ ጆርጅያን  ኣዘርበጃንን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብር እየ፣ ካብዘን ሃገራት ንዝቀረበለይ ዕድመ ብሓጐስ ተቀቢለዮ፣ ነዚ ምግባረይ ከኣ ብሓደ ወገን ነቲ ጥንታዊ ናይ ክርስትና መሰረት ኣብዘን ሃገራት እዚኤን ኣኽብሮተይ ንምግላጽን ምስተን ካልኦት ሃይማኖታት ዘተ ንምክያድን እንክኸውን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ሰላምን ናይ ተስፋን መልእኽቲ ንምብጻሕ ኢዩ’ ቢሎም ነሮም።

እነሆ እምበኣር እቲ ኣምላኽ ዝፈቀዶ ግዜ በጺሑ ትማሊ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መርሓ ግብር ናይ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ጆርጅያን ኣዘርበጃንን ካብ ዕለት 30 መስከረም ክሳብ ዕለት ክልተ ጥቅምቲ 2016 ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሩ።

ከምቲ መርሓ ግብር ዘመልክቶ ቅዱስነቶም ዓርቢ ዕለት 30 መስከረም ንግሆ በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 09:00 ካብ ሮማ ነቂሎም ናብ ዋና ከተማ ጆርጅያ ትቢሊሲ በቆጻጽራ ሰዓት ትቢሊሲ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ክእትው ብድሕሪኡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓትን ምብጻሕ ሕንጻ ፕረሲደንትን ንዲፕሎማሰኛታትን ሰበስልጣን ናይቲ ሃገርን ቃል ይህቡ፣ ኣማስያኡ ከኣ ምስ ናይ መላእ ጆርጅያ ካቶሊኮስን ፓትርያርክን ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኢልያ ካልኣይ ክራኸቡ ብድሕሪኡ ከኣ ምስ ማሕበረሰብ ኣሲሮ ካልደያ ኣብ ናይ ከለቆዶናውያን ካቶሊካውያን ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ስምዖን ባር ሳበ ብምርኻብ ቀዳማይ ዕለቶም ክዛዘም እዩ፣

ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት ሓደ ጥቅምቲ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሜዳ መስኺ ስርዓተ ቅዳሴ ከቅርቡ ኣማስያኡ ከኣ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ዘርኣ ምንኩስናን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘበርክቱን ኣብ ቤተ ክርስትያን ፍልሰታ ለማርያም ክራኸቡ እዮም፣ ካብዚ ብምቅጻል ብናይቲ ዓዲ ካሪታስ ዝሕገዙ ብዙሓት ድኻታትን ናባዪ ዘይብለምን ዝርከቡሉ ብካሚላውያን ዝሕገዝ ማእከል ረድኤት ክበጽሑ እዮም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምትሽኸታ እትርከብፓትርያርካዊ ካተድራል ስቨቲሽኾቨሊ ብምኻድን ምስ ፓትርያርክ ሰላምታ ብምልውዋጥን ናይ ጆርጅያ ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም፣

ንጽባሒቱ ሰንበት ክልተ ጥቅምቲ ንግሆ ብናይ ሃገሩ ሰዓት ሾመንተ ሓሙሽተ ጐደል ወጋሕታ ካብ ትቢሊሲ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ተገብረ ናብ ዋና ከተማ ኣዘርበጃን ከተማ ባኩ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ክበጽሑ ኣባኡውን ልክዕ ከም ናይ ጆርጅያ  ቅዳሴን ስብከትን ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚኣብሔርን ምስ ኣስምዑ፣ ምስ ቤተ መንግስትን  ዝተፈላለየ መራሕቲ ሃይማኖታትን ምስ በጽሑን ብናይ ከተማ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 10 ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ቻምፒኖ ክዓልቡ ትጽቢት ይግበር፣








All the contents on this site are copyrighted ©.