2016-09-29 16:06:00

ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ


ሕዝባዊ ንብረትን ማሕበራዊ ፍትሕን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ንዕለት 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ርእሰ ከተማ ሊስቦና ኣብ ዝርከብ ካሉስተ ጉልበንኪያን ማሕበር ህንጻ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝጠለበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝድህሰሱ ኣርእስታት

ከምቲ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጽን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ይብላ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ፥ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ማሕበራውነትን ካልኣይ ሃብቲ ገንዘብን ማሐበራዊ ፍትሕን ሳልሳይ ስነ ምግባርን ስርዓት ክፍሊት ግብርን ራብዓይ ቅኑዕ ብርክታን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጸን። ነዞም ኣርእስታት ኣደጊፎም ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተምህሮን ትንተናን ዝህቡ ኣባል ማሕብር ኢየሱሳውያን ኢልደፎንሶ ኮማቾን፡ ካልኦት ውሩያት ናይ ስነ ምግባርን ኤኮኖምን፡ ኤኮኖምን ስነ ማሕበራውን ናይ ኤኮኖሚ ፍልስፍናን፡ ናይ ኤኮኖሚ ሕግን ሊቃውንቲ ከምዝኾኑ ዘንጋሪኒ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሰን ብምሕባር ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ሊስቦና ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ማኑኤል ክለመንትን ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሕግን ፍትሕን ድርገት ኣቦ መንበር ፐድሮ ቫስ ፓቶን ብዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ጀሚሩ ናይ መዛዘሚ መደብ ድማ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማሕበራውን ሰብኣዊ ምንቅስቓሳትን ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ኦርቲጋ ዝመርሕዎ ከምዝዀኑ ገሊጸን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.