2016-10-02 12:26:00

መበል 16 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ናብ ጆርጂያን አዘርበጃንን


እቲ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጆርጂያን ኣዘርበጃንን ዘካይድዎ መበል 16 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 30 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ከምዝነቐሉን ነተን ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት ኢጣሊያ ክሮኣዚያን ቦዝኒያ ኤርዘጎቪናን ሞንተነግሮን ሰርቢያን ቡልጋሪያን ቱርክን ርእሰ ብሔራን ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክምልከት፡ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ኣቢሎም እውን ኣብታ ዝጓዓዙላ ኣይሮፕላን ምስ ኣተዉ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ተመሪሖም ንዘሰንይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ሰላታኦም ቅድሚ ምቕራቦም ቡርከ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐና ስለ እተረኸብኩም ነመስግነኩም ብፍላይ ድማ ስለ መጻእትኹምን ትዕግስትዅምን ነመስግነኩም … ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ከመይ ትሓድሩ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ንኸተሰዩኒ ምርኻብኩም ድማ የቐንየለይ ምስ በሉ ግረግ ቡርከ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ መገሻ ከሰይኑ ድማ ንፋልማይ ጊዜ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም ንዅልኻትኩም ስለ ደገፍኩምን ኣገልግሎትኩምን አመስግን እዚ መበል 16 ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ውሽጢ ዝዛዘም ብምዃኑ ነዊሕ ኣይኰነን ኩላትና ነናብ ዝመጻነሉ ከምእንምለስ እምነተይ እዩ። ብዙሕ አመስግን ሰላም እውን እብለኵም …..

 

ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ብናይ ጆርጂያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኣብ ርእሰ ከተማ ቲብሊሲ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ኣብ ጆርጂያን ኣርመንን ኣዘርበጃንን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማረክ ሶልዝይኒስኪን ናይ ክሌኣዊ ውግዓዊ ርክባት ስነ ስርዓት ሓላፊ ናብታ ኣይሮፕላን ደይቦም ንቕዱስ ኣቦና ዓጆቦም ካብታ ኣይሮፕላን ምስ ወረዱ ብናይ  ጆርጂያ ርእሰ ብሔር ጆርጂ ማግቨላሺቪን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ማካ ቺችዋን ናይ መላእ ጆርጂያ ካቶሊኮስ ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱ ኢሊያ ዳግማውን ኣብ ካውካሱስ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ፓሶቶን ኣብ ምስራቕ ኤውሮጳ ኣርመናውያን ካቶሊክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤል ሚናሲያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ናይ ወተሃደራዊ ክቡር ሰላታ ምስ ተፈጸመ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ጆርጂያን ብሔራዊ መዝሙራት ምስ ተሰምዔ ብርእሰ ብሔር ማግቨላሽቪል ተሰንዮም ናብቲ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ዝርከ ናይ ርእሰ ብሔር መቐበሊ ኣጋይሽ ኣዳራሽ በጺሖም ሕጺር ክሌኣዊ ርክባ ኣካይዶም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ቅዱስ ኣቦና ንኽብሪ ጆርጂያ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣቕኒዖም ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ድማ ብርእሰ ብሔር ማግቨላሽቪልን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ዳግማይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ድሕሪ ናይ ክሌኣዊ ስነ ስርዓት ፍጻሜ ርእሰ ብሔር ንቕዱስነቶም ምስ ስድራ ቤቶም ኣላልዮም ምስ ኣብቅዑ ናብቲ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃማኖትን ከምኡ ኣውን ኣብ ጆርጂያ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ልኡካንን ናይ ባህሊ ኣካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣዳራሽ ምስ በጽሑ፥ርእሰ ብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ

ቅዱስነቶም

ክቡራትን ክቡራንን

ክቡራት ዕዱማትን

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ቅድሚ ዅሉ ቅዱስነኵም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ጆርጂያ ክትበጽሑና ብምምጻእኩም አመስግን።  ነዚ ዕድል ብምጥቃም ድማ እዚ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ምብጻሕ ክፍጸምን ክኸወንን ከይተሓለሉ ብዙሕ ዝጸዓሩ ናይ መላእ ጆርጂያ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ቅዱነቶምን ብፁዕነቶም ኢሊያ ዳግማዊ ኣመስግን ቢሎም ጆርጂያ ሓደ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራሒ ከተእንግድ ንኻልኣይ ጊዜ ምዃኑድማ ዘኪሮም ድሕሪ ነጻነት ጆርጂያ ናይ ቅድስቲ መንበር ድጋፍ ኣይተፈለየናን … ኣብቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ምስ መግስቲ ሩሲያ ተኸሲቱ ብዝነበረ ምስሕሓብ ናይ ጆርጂያ ግዝኣትን ሉኣላውነትን ብምሉእነት ክኽበር ቢልኩም ኣብቲ እዋን ስለ ዘስማዕኩምዎ ቃል ነመስግን።

ቀጺሎም ቀዳማይ መጽሓፍ ናይ ጆርጂያ ኣብ 1629 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብታ ሃገር ብዝነበሩ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል መዝገበ ቃላት ካብ ቋንቋ ጆርጂያይና ናብ ቋንቋ ጣልያን ካብ ቋንቋ ጣልያን ናብ ጆርጂያይና ኣብ ሮማ ዝተሓትመ ምዃኑ ንፋልማ ጊዜ ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ሰዋስዋዊ ስነ ምርምር ቋንቋ ጆርጂያይና ዝደረሱን ንንባብ ዘብቅዑን ጣልያናዊ ወንጌላዊ ልኡክ ኣባ ፍራንቸስኮ ማሪያ ማጂ ምንባሮም ዝዘከረ ታሪኻዊ ጠቐስ ርክባት ክልቲኣተን ሃገራት ካብ ርሑቅ ዝጀመረ ምንባሩ ዝሕብር ምዃኑ ዘኪሮም … ክርስትና ጆርጂያ ካብ ስብከተ ወንጌል ሓዋርያት ዝተበገሰ ብምዃኑ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ጆርጂያን መላእ ጆርጃውያን በቲ ኣብ ሃገሮም ተዓቂቦም ዘለዉ ቅዱሳ ትሩፋን ክርስትያናዊ ውርሽታት ሕቡናት መሰኻኽር ኢያቶም…. ቅዱስነትኩም ሎሚ ትበጽሕዋ ዘለኹም ርእሰ ከተማ ትቢሊሲ ናይ ብዙሓት ቅዱሳት ደቃ ስለ እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ክብርታት ደሞም ናይ ዘፍሰሱ ካብታ ንግስትን ሰማዕትን ከተቫን ጀሚርካ ናይ ዝጥቀሱ ሰማእታት ከተማ እያ ….

ጆርጂያ ክፍሊ ናይ ኤውሮጳ ስልጣኔ ጥራሕ ዘይኰነስ ቀንደይና ናይቲ ባሕሊ ሰራሕ እውን እያ። … ነጻነታን ልኡላውነታን ቅድሚ 25 ዓመት ዝተበገሰን ኤውሮጳውነት መልክዕ ዘለዎ እዩ፡ … ብተወሳኺ ድማ ምዕራብን ምስራቕን እትርከብ ሃገር እያ። … ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጐ ሃገራትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓቆፍ ናይ ዘተ ባህሊ እተነቓቕሕ ናይ ዘተ ባህሊ ዘበገሰት ሃገር እያ፡ … ምስ በሉ ምስ ታሪኻዊ ክስተት ምፍራስ መንደቕ በርሊን ተተሓሒዙ ዝተኣታተወ ለውጠ ታራኽ ዓለምን ፖለቲካን ዘኪሮም … ናብ ህልው ኩነት ጆርጂያ ምልስ ቢሎም ጆርጂያ እቲ ናብ ሓድነት ዝመርሕ መገዲ ሰላምን ምትሕብባርን ናይ ትዕግስትን ዝመረጸት ሃገር እያ።

ቅዱስነቶም ናትኩን ንጆርጂያ ምብጻሕኩም ዳግማይ ትእምርቲ ጻውዒት ሰላም እዩ ስለዚህ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ጆርጂያን ዘሎ ርክብ ዘሕይል ጥራሕ ዘይኰነ ኣብቲ ከባቢ እውን ድሕነትን ሰላምን ምዕባለን ውሑስ ንምግባር ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ምስ ዛዘሙ

ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ

ክቡር ርእሰ ብሔር

ክቡራት ሰበ ስልጣናትን ልኡካን ሃገራትን

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብዛ ካብ ርሑቅ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ ብቅድስቲ ኒኖ ዝተሰብከትን እምነት ክርስትና ዝተቐበለትን ናይ ስልጣኔታት መራኸቢት ድልድል ዝኾነት ዝተባርከት ሃገር ናይ ክርስትና እምነት መሰረተ ባህላታታ ንዝኾነት ሃገር ክበጽሕን ኣብ ሞንጐኹም ምርኻበይን እግዚኣብሔ አመስግን። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ እዋን መሰጋገሪ ናብ ክልተ ሺሕ ዓመተ ኢዮቤል እዋን ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 1999 ዓ.ም. ኣብ ጆርጂያ ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ባህሊ ጆርጂያ ክዕምብብ ዝገበረ ዘለዋ ክርስቲያናዊ እምነታ እዩ።

ክቡር ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገር ቫቲካን ዘካይድክምዎ ምብጻሕ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ርክብ ዘበርትዕ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ቀጻሊ እዩ። ንሃገርኩም ክበጽሕ ድማ ስለ ዝዓደምኵምኒ አመስግነኩም።

… ምእተ ዓመታት ዘቕጽር ጥንታዊ ታሪኽን ባህልን ቋንቋን ምስቲ ወግዒ ሃገርኩም ዝተኣሳሰረ ክቡራት ዋጋታት ዝጸንዓላ ሃገር እያ። እዚ ድማ ሃገርኩም ብሓፈሻውኡን ብኸፊሉን ንናይ ኤውሮጳ ስልጣኔ መስርት ኰይናን በቲ ዘለዋ መልክኣ ምድራዊ  ኣቀማምጣ ድማ ኣብ መንጐ እስያን ኤውሮጳን ናይ ርክብ ድልድል ክትከውን ዓዲልዋ እዩ።

…. ናይ ጆርጂያ ነጻነትን ሉኣላውነትን 25 ዓመት የቍጺር አሎ። እዚ ድማ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዴሞክራሲያውያን ተቛማትን ንኸተቐውም ሓጊዝዋን እዚ ከይዲ’ዚ ድማ ምዕባለታት ንኸተመዝግብ ኣኽኢሉዋ ኣሎ … እዚ ኩሉ ግና ብዘይ መስዋዕትነት ኣይተበጽሔን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብዚ መዳይ’ዚ ህዝቢ ዘለዎ ልዑል ግደ ዘኪሮም … እዚ ዘበገስኩምዎ ናይ ሰላምን ልምዓትን ከይዲ ቀጻልነቱ ዝተረጋገጸን ናይ ሕዝቢ ተሳትፎ ዘይበኹሮን ብምዃኑ ንምርግጋእን ፍትሕን ናይ ሕጊ ሉኣላውነትን ምዕባለ ሕብረተሰብን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኸውን ተስፈይና እየ።

… ሰብኣውነት ቀዳምነት ክወሃቦን ፍልልያት ሰላምን ምርግጋእን ዝነስእ ከይከውን። ዘይምርድዳእ ዕግርግር ይወልድ ዕግርግር ብዓሌትን ቋንቋን ሃማኖትን ርእየት ዓለምን ዝስነይ ምግምማዕ የስዕብ ምእንቲ’ዚ ናይ ሓባር ዝዀነ ሰናይ ኣተሓሳስባን ዕላማን ምቛም የድሊ። ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም ኣብ ጆርጂያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይን ሕንጸትን ኣገልግሎት ተዋፊራ እትህቦ ደገፍ ካብ ሕዝቢ ወጻኢ ኰይና ዘይኰነስ ናይቲ ሕዝቢ ጽሕፍቶ ኩሉ ተኻፋሊት እናዀነት ምስቲ ሕዝቢ ሓቢራ ብምጓዓዝ ዝዀኖ እናዀነት ዝትግበር እዩ። ነቲ ሓደ ዝገብረና ክርስቲያናዊ ባህሊ ምስጋና ይዅን … ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ኣብ ጆርጂያ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ቀጻሊ ናይ ሓባር ርክብ ክህሉ በዓል ተስፋ እየ።

እግዚኣብሒር ንጆርጂያ ይባርኽ ሰላምን ምዕባለን ይዕሰል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ልክዕ ሰዓት ኣባዕተን ፈረቓብ ናብቲ ኣብ ትቢሊሲ ናብ ዝርከብ ናይ መላእ ጆርጂያ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ቅዱነቶምን ብፁዕነቶምን ኢሊያ ዳግማዊ መንበር ነቒሎም ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ደቓይቕ ምስ በጽሑ ብቅዱስነቶም ብፁዕነቶምን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ጆርጂያ ባህላዊ ናይ ሻህን ቡንን ግብጃ ተገይርሎም ብናይ ፓትሪያክ መዘምራን ማህሊት ቀሪቡ ምስ ኣብቅዔ ቅዱስነቶምን ብፁዕነቶምን ኢሊያ ዳግማዊ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም…

ምስ ቅዱስነቶምን ብፁዕነቶም ምስ ብፁዓን መጥሮፖሊታን ሊቀ ጳጳሳትን ኣቡናት ምራኻበይ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ ቅዱስነቶምን ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ጆርጂያ ናይ ታሪኽ መዝገብ ዝንበር ንቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ዘካየዱኩም ቀዳማይ ናይ መላእ ጆርጂያ ፓሪያርክ ኢኹም። … ነቲ ኣብ ቀዳሞት ክፍለ ዘመን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ርክብ ክበራታዕ ዝገበርን ቀጻልነት ክህልዎ ዘተባብዕ እዩ። እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ናይ መላእ ጆርጂያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ እቲ ዝተገብረለይ ምዉቕ ኣቀባብላን ብስነ ምርምር መዳይ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዝገብ ምጥቃምን ከምኡ ኣውን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ተመሃሮ ብምልኣኽን ዝኣመሰሉ መርሃ ግብርታት ዝምስከር እዩ። ኣብዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ዘላ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ነዛ ሃገር ክበጽሕ በቒዔ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ እዋን ቅዱስ ክልተ ሺሓዊ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ዘሰጋግሩ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ 1999 ዓ.ም. ኣብ ጆርጂያ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ጆርጂያ ባህሊ ናይ ፍቕሪ ባህሊ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ድማ ዘኪሮም … ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያ ቅዱስ እንድሪያስ ዝጸንዔት ክትከውን እንከላ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ድማ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰማእትነት ዝጸንዔ እዩ። እድሪያስን ጴጥሮን ዓሳ ካብ ምግፋፍ ሰብ ንኽገፉ ብኢየሱስ ዝተጸውዑ ሓሕዋት እያቶም (ማር. 1,16-17) ሓደ መታን ክንከውን ብኢየሱስ ንኽንርከብን ብኣኡ ዳግማይ ንኽንማረኽን ንፍቀደሉ ዝፈላልየና ዘበለ ኩል ኣሊና ብሓድነት ህላዌኡ ንመስክር።

እቲ ንሓዋርያት ዝለወጠ ፍቕሪ የጽንዓና እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስሌና ዝሓለፈ ዝስዋዕ ፍቕሪ (ዮሕ. 15,13) ንኣኡ ብምፍቓር ንሓድ ሕድና ንኽንፋቐር እዩ። ….  ናይ ጐይታ ፍቕሪ ልዕል ልዕል ከብለና እዩ። … ጆርጃዊ ናይ ስነ ግጥሚ ሊቅ ደራሲ ታቢድዝ ኣብቲ ብዘይ ፍቕሪ ዘርእቱታ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ፥ “ብዘይ ፍቕሪ ኣብ ቆብታ ሰማየ ሰማያት ጸሓይ እውን ኣይምነገሰን…”  ከምዝብሎ እዚ ድማ ኣብ ባህልታት ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለጽ ሓቂ እዩ። ኣብዛ ሃገር ዘሎ ክቡር ወንጌላዊ ታሪኽ ብቕድስቲ ኒኖ ዝተበገሰን ምስ ሓቀይና ሕይወት ናይ ምዃን ክብሩ ዝምስክር እዩ። ናይ ጆርጂያ ኅብረ ቅዱሳት ትማልን ሎምን ወንጌል ንኽንምስክር ሓደራ ዝብል ጻውዒት እያቶም። ጸገማ መሰናኽል ዘይኰነስ ብዝበለጸ ክንረዳዳእን ንኽንፋለጥን ንሕድ ሕድና ብጸሎት ክንዘኻኸርን ብሓዋርያዊ ፍቕሪ ብምትሕብባር ኣብ ሰማይ ክብሪ ንእግዚኣብሒር ኣብ ምድሪ ስለ ሰላም ኣገልግሎት ምስክርነት ከነቕርብ ዝድርኸና እወታዊ ድፍኢት እዩ ኢሎም።

ከምቲ ኡስታቨሊ ትውልደ ጆርጂያ ገጣሚ ዝብሎ፥ ዓርኪ ዘይደሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸላኢ ይኸውን ስለዚህ ነዛ ሃገርን ሕዝባን ቅኑዕ ፈታዊ ክኸውን እምነይ። … ብጸሎትን ብመሓርነትን እቶም ስጋን ደምን ዘይኰኑስ እቶም ደጋውያን ክፍኣት መንፈስ ዝዀኑ ጸላእትና ንኸነሰንፍ ዝተጸዋዕና ኢና (ኤፈ. 6,12) እዛ ዝተባረኸትን ብናይ ወንጌል ክቡራት ዋጋታት ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ መንፈስ ክፍኣት ኩሉ ዝሰዓረት እያ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ነቶም ንስደትን መከራን ዝተዳርጉ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ መነኰሳት ጆርጂያ እምነትን ትዕግስትን ተዓዋቲ ምዃኑ ዘረጋገጹ ሎሚ ኣብ ጐይታ ዝነብሩን ብትንሳኤኡ ዝነብሩ በቲ ኣብዛ ሃገር ብዝፈሰሰ ደሞም ፍቕሪ ዘውሓዙን ብናይ ፍቕሪ ማይ ዘርወዩን ነቶም ዝስደዱን ዝሳቐዩን ብርታዔ ይዅኑ እንክብሉ ዝስምዕዎ ዝረባ ኣጠቓሊሎም።

ቀጺሉ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት መዘምራን ፓትሪያርክ ናይ ውዳሴ መዝሙር ምስ ኣስምዑ ቅዱስ ኣቦና ካብ ፓትሪያክ ኢሊያ ዳግማዊ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ብዝነበሮም መደብ መሰረት ኣብ ጆርጂያ ናብ እትርከክ ናይ ሶሪያ ከለዳዊ ስርዓት ናብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቕኒዕም ኣብታ ቅዱስ ስምዖን ባር ሳባኤ ምስ በጽሑ ብናይ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ብእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብናይ’ታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣቀባብላ ተገይርሎም ክሳብ ቅድስተ ቅዱሳን ቤተ ጸሎት ብምእመናን ኣብ ዝተመርሔ ዑደት ተሳቲፎም ብኣራማይስጥይና ቋንቋ ጸሎት ዓሪጉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስቶ ካቶሊካውያን ስደተይናታት ትውልደ ሶሪያን ኢራቕን ኣብ ዝተራኸብሉን ስለ ሰላም ኣብ ዘዕረግዎ ሶሪያን ዒራቕን ዘማእከለ ጸሎት፥

ኦ ጐይታ ኢየሱስ እቲ ናይ ብዙሓት ንጹሃን ስቓይ ኣብ መስቀልካ ከምዝሓብር ግበሮ ካብ ጽልእን ንኣይነትን ካብ ናይ ሞት ባህሊ ናጻ እውጽኣና ነቲ ብጥልቂ ዝቖሰሉን ዝተዓመጹን ነጻነቶም ክብሮም ዝተሓርሙን ብናይ ፋሲካ ብርሃንካ ኾልዓዮም። ናይቶም ኣብ ዘይርጉጽነት ሕይወትት ዝነበሩ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ናይ ሕይወት መቐረት ዘጥፍኡን ናይ መንግስትኻ ጽንዓት ተመክሮ ክህልዎም ግበር።

ናይ ዕርቅን ዘተን ምሕረትን መገዲ ይመሃሩ። ነቶም ብናይ ቦምቢ ደባዳባት ኵሉ ዝተጸንቐቖም ናይ ትንሳኤኻ ሓሴት ከስተማቕሩ ግበር። ዒራቕን ሶሪያን ካብ ዕንወት ኣተንስእ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ጥዑም ንግስናኻ ክሓብሩ ግበር፡ ነቶም ስደተይናታት ክርስቲያን ደግፍ ናይ እምነትን ፍቕርን ሓድነት ጸግው።

እንክብሉ ምስ ጸለዩ ኣብ ኣፈት እቲ ቤተ ክርስቲያን ትእምርቲ ሰላም ክልተ ጸዓዱ ረጋቢት ኣንፊሮም ምስ ኣብቅዕ ኩሎም ስለ ዝተቐበልዎ ናይ እምነት ጽንዓት ዘሕደረሎም ሓሴት ብጣቕዒት ምስ መስከሩ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንብር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብምዃድ ናይ ቀዳመይ ዕለት ናይ ሐውርያዊ መገሽኦም መደብ ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብናይ ጆርጂያ ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ደቓይቕ ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ናይ ስፖርት ሜዳ መስክሂ በጺሖም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝተነበ ካብ ትንቢት ኢሳያስ 66.10-14 `እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡’ ዝብል ምስታ ብሓዘንን ሓሳረ መከራን ተጐቢአ ንዝነበረት ኢየሩሳሌም ዝተነግረ ትንቢት ንጆርጅያ ብምድጋም ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ኢየሩሳሌም ክሕጐሱ ዚዕድም ሎሚ ምስ ጆርጅያ ክንሕጐስ ዝዕድም እንክኸውን ቃል ወንጌል ከኣ ‘እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።’(ማቴ 8.1-5) ዚብል ነበረ፣ ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዝኽሪ ናይ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን እውን ብምንባሩ ኣብነታ ብምኽታል ምጽንናዕ ኣምላኽን ዕብየትን ከም ሕጻናት ትሕት ብምባል ከምዝርከብ ንምግላጽ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት፣ ቅዱስነቶም ስብከቶም ‘ኣብ መነባብሮና ምንጪ ምጽንናዕ ዝኾነና እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ክህሉ ከሎ እዩ፣ ነዚ ብቊዓት ንምዃን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦና ብእምነት ከም ሕጻናት ትሑታት ክንከውን የድሊ` እንክብሉ ነቲ ‘እተፈቶኻ ንኡስ መጓሰ ጆርጅያ’ ብማለት ዝቀረብዊ ሕዝቢ ኣብነት ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ክኽተሉ ኣዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ጻት ናብ ጻት ኣብቲ ሜዳ ተኣኪቡ ንዝነበረ ሕዝቢ ብቋንቋ ናይቲ ዓዲ ‘ዲድ ማድሎባ’ እግዚኣብሔር ይሃበለይ የቀንየለይ ብማለት ድሕሪ ኣመስጊኖም ደቂ ኣንስትዮ ጆርጅያ ንእምነት ክርስትና ንምዕቃብ ንዘርኣዮኦ ትብዓት ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም፣

ነታ ኣብ ምድሪ ጆርጅያ ብቅድስት ኒኖ ዝተዘርኤት እምነት ኣብዚ ናይ ምድረበዳን ግርጭትን ኩነታት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምጽንናዕ ጽሩይ ማይ እናጓረታ ዝዕቅባን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘተሓላልፋን ዘለዋ እኖሓጎታትን ኣደታትን ሃገረ ጆርጅያ እየን። ከምቲ እዘን ኣደታት እዚኣኤን ንደቀን ዝጽዕራኦ እግዚኣብሔር እውን ንሓጢኣትና ተሸኪሙ ክከላኸለልና ፈተወ፣ እቲ እንታይነትና እናፈለጠ ዘፍቅረና እግዚኣብሔር ጸሎትና ይሰምዕ ንብዓትና ከ ይሕብሰልና፣ ወትሩ ኣብ ጥቃና ኰይኑ እናጠመተናን እናኣሰነየናን ብዓሚቊ ፍቅሪ ወላዲ ብዛዕባ ይግደሰን ይድንግጸልናን ከመይ ኪንዮ እቲ ክንገብሮ እንኽእሎ እንኮ ሕመቅ ወትሩ ደቁ ኢና፣ ኣብ ግዜ ጸገምን ፈተናን እንከሎና እንደልዮ ቀንዲ ምጽንናዕከስ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ንክህሉ እዩ፣ ስለዚኸስ ኣብቲ ባዕልና ወይ ጸላኢ ዘሰናደወልና ዓቢጡ ኣብ ጭንቀት ዝሕዘና ጐዳጒዲ ምሕባእ ዘይኮነስ ልብና ንእግዚኣብሔር ምኽፋት የድሊ፣ ከመይ ቢልና ክንገብሮ ቢልና እንተሓተትና ንቃል ኣምላኽ ወትሩ ምንባብ ወንጌሉ ከኣ ምሳና ሒዝናዮ ምጒዓዝ ብጸጥታ ጸሎት ምክባርን ኣምልኾ ምቅራብን ኑዛዜን ምስጢረ ቅዱስ ቊርባንን ይሕግዙና፣ በዚ መንገዲ እዚ እንተተጓዒዝን እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ይኣቱ እሞ ናይ ሓዲስ ነገራት ጣዕሚ ይህበና፣ ብዘሎና ፍልልያትን ዘይምስምማዕን እምብዛ ክንጭነቅ የብልናን ነታ መድሓኒትና ዝኾነት ንሱ ዝዓደለና ተስፋ ነንሕድሕድና ንከፋፈላ፣ እግዚኣብሔር ብንኡስን ትሑትን ልቢ እዩ ዝግለጽ እሞ ከም ሕጻናት ኰና ናብ ሰማያዊ ኣቦና ንቅረብ፣ ብምጽንናዕ እግዚኣብሔር ንተኣማመን ነንሕድሕድና ከኣ ነጸናንዕ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ኣብ ቤተ ክርቲያን ፍልሰታ ለማያርያም በጺሖም ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ተራኺቦም ድሕሪ ናይ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፅዕ ኣቡነ ፓሶቶ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መላለዪን መልእኽቲ ስዒቡ ቃል ምስክርነት ምስ ቀረበ ቅዱስ ኣቦና ቃል ምዕዳን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ

 ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ጸሎት ብሓባር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡርኬ ሂቦም ተፋኒዮም

ድሕሪ ሰዓት ሓሙሽተ ድማ ምስቶ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ካሪታስ ዝድገፉ ተረዳእያንን ኣባላት ማሐበር ካሪታስ ተራኺቦም ስለ እቲ ምርኻቦም ናይ ምስጋናን ዕንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ንዘስሞዑ ኣባ ዙራብ ኣመጊኖም፥ እቲ ናይ ማሕበር ካሪታስ ኣባላት ዝህብዎ ኣገልግሎ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ኣሕዋት ዘሎ ምትሕብባር ዝምስክር ምዃኑን ኣብ መንጐ ዝተፈለለያ ኣቢያተክርስቲያን ንሱታፌን ንሓድነትን ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝምስክር እዩ። እቲ ነቶም ናይ ክርስቶስ ኣካል ንዝዀኑ ድኻታትን ንኡሳንን እትህብዎ ኣገግሎት ንነፍሲ ወከፍ ናይ ክርስቲያን እምነት ሰዓብቲ ጻውዒት እዩ፡ … ኣገልግሎትኩም ውልቃዊ ረብሓ ዘይብል ብመንፈስ ቅዱስ ዝተነቓቕሔ እዩ።

ንኣረጋውያንን ህሙማንን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ንኹሎም ነቶም በዚ ማሕበር ንዝደገፉ ሰላምታይ አቕርብ ኣብ መንጐኹም ንኸጸናንዓኩም ምርኻበይ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ። እግዚኣብሔር ኣይሓድገኩምን ቀረባኹምን ክሰምዓኩምን ኣብ ጽንኩር ኣዋን ሓይሊ ክህበኩም ቁሩብ እዩ። እቲ ድኻታትን ዝሳቐዩን ንተምሳሉ ዝመረጸ ብሕማማቱ ዝተሳቐየ ናይ ኢየሱስ ምሩጻት ኢኻትኩም … ኣገልግሎትኩም ዓቢይ እዩ ግብረ ሰናይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንበርዎ። በቲ ካብ እግዚኣብሔር ብዝመጽእ ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ተወዓዊዕዅን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ እትምስክርዎ እዩ። እታ ናይቲ ውፉይ ፍቕሪ ቅዱስ ምስሊ ዝዀነት ድንግል ማርያም ትምራሕኩምን ትዓቅብኩምን እቲ ኣብ ኩላትኩም ዝምሕጸኖ ናይ ጐይታ ቡራኼ የጽንዓኩም እንክብሉ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ኣብቅዔ ሰዓት ሹድሽተን ርብዕን ኣብቲ ናይ ጆርጂያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መፈሳውነት ማእከል ተባሂሉ ዝንገረሉ ብታሪኽ ናይ ክርስቶስ መንጠልና ዝተዓቀበሉ ቅዱስ ስፍራ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጥንታዊ ፓትሪያካዊ ካቲድራ መንፍሳዊ ምብጻሕ እካይዶም ናይ ቅድነቶምን ብፁነቶም ፓትሪያርክን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሰላምታ ቃል ምስ ቀረበ  ቅዱስ ኣቦና ካብ ፓትሪያርክ ተሰናቢቶም።

ብመርሓ ግብር ናይ ቅዱስነቶም መሰረት ጽባሕ ሰንበት ክልተ ጥቅምቲ ንግሆ ብናይ ባኩ ከተማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሃገሩ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ወጋሕታ ካብ ቤተ ሓዋርያዊ ወኪሎም ብምስንባት ንመዓርፎ ነፈርቲ ትቢሊሲ ክጐዓዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ትቢሊሲ ከኣ ከምቲ ብኽብሪ ዝተቀበልዎም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጆርጅያ ፈጺሞም ናብ ናይ ኣዘርበጃን ዋና ከተማ ባኩ ከፋንውዎም እዮም። ካብ ትቢሊሲ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ተገብረ ናብ ዋና ከተማ ኣዘርበጃን ከተማ ባኩ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ክበጽሑ ኣባኡውን ልክዕ ከም ናይ ጆርጅያ ኣብ ዓለምለኸ ሀይደር ኣሊየቭ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ባኩ ናይ ምቅባል ስርዓት ምስ ተኻየደ ናብ ቤተ ክርስትያን ጽንሰታ ለማርያም ብምኻድ ሰዓት ዓሰርተ ርብዒ ጐደል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚኣብሔር ከቅርቡን እዮም፣ ብድሕሪዚ ምስቶም ነታ ቤተክርስትያን ዘገልግሉን ማእከል ሳልስያውያን ዘካይዱን ማሕበር ክምስሑ እዮም፣  ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ምስ ሳለዛውያን ተመሳጊኖም ናብ መንበሪ ፕረሲደንት ብምኻድ ወግዓዊ ናይ ተቅባል ስርዓት ክፍጸምን ፕረሲደንት ሃገረ ኣዘርባጃን ኢልሓም ሀይዳር ኣሊየቭን ቅዱስነቶምን ቃሎም ምስ ሃቡ ንቤተመንግስቲ ምስ በጽሑ ብሓባር ኣብ ባኩ ንዝርከብ ሓውልቲ ናይቶም ንነጻነት ባኩ ዝወደቁ ክበጽሑን መዝሙር ናይ ክልቲኤን ሃገራት ክዝምረን ቅዱስነቶም ከኣ ሕቋፍ ዕንባባ ከንብሩ ምዃኖምን መርሓ ግብሮም የመልክት፣ ብድሕሪዚ ብስም ኣቦ ፕረሲደንት ሃገረ ኣዘርበጃን ዝተሰምየ ማእከል ሀይዳር ኣሊየቭ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ናይቲ ሃገር ተራኺቦም ፕረሲደንት ቅዱስነቶምን ቃሎም ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም ኣብ ክብሪ መዝገብ ናይ ቤተመንግስቲ ክታሞም ከንብሩ እዮም፣  ብናይ ሃገሩ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቃን ናይ ድሕሪ ቀትሪ በሀይዳር ኣሊየቭ ዝፍለጥ ዓቢ መስጊድ ምብጻሕ ክገብሩን ምስ ናይ ሃገራት ካውካዞ ማለት ኣርመንያን ጆርጅያን ኣዘርበጃንን ዝርከብወን ሃገራት ኣስላም ሸኽ ክራኸቡ እዮም፣ ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ምስ ሸኽ ብሓባር ምስ ወከልቲ ዝተፈላለየ መራሕቲ ሃይማኖታትን ተራኺቦም ቃሎም ክህቡ እዮም፣ ብድሕሪዚ ብግሎም ምስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ወከልቲ ማሕበረ ዕብራውያንን ኣብኡ ዝተረኸቡ መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ተራኺቦም ቀጥታ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ባኩ ብምኻድ ድሕሪ ናይ ስንብታ ስርዓት ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ንመንበሮም ክጐዓዙን ብናይ ከተማ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 10 ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ቻምፒኖ ክዓልቡ ትጽቢት ይግበር፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.