2016-10-04 16:15:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኣዘርበጃን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 30 መስከረም ክሳብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጆርጂያን ኣዘርበጃንን ዘካይድዎ መበል 16 ዓለም ለኻዊ ሐዋርያዊ ዑደት ኣጠናቒቖም ካብ ናይ ጆርጂያ ርእሰ ከተማ ተብሊሲ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይታ ሃገር እቆጻጽራ ልክዕ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ብርእሰ ብሔርን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ተፋኒዮም ድሕሪ ምስንባት ናይ ጆርጂያ ሐዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም ሰዓት ትሸዓትን ፈረቓን ኣብ በኩ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሃይዳርይ ኣሊየቭ በጺሖም ናይታ ሃገር ምኽትል መራሔ መንግስቲ ያዕቁብ ኤዩቦቪናን ካልኦት ናይ ኣዘርበጃን ሰበ ስልጣናት ብዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ተገይርሎም ናብታ ኣብ በኩ ናብ እትርከብ ናይ ሳሊዢያን ማሕበር አባላት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ንጽሕት ኣምሪሖም ኣብኡ ድማ በቶም ሸውዓተ ሚእቲ ዝዀኑ ኣብ መላእ ኣዘርበጃን ብዝብርከቡ ካቶሊክ ምእመናን ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም ብናይ ኣዘርበጃን ኣቆጻጽራ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ

ነቢይ እንባቆም ምዕ. 1, 2-3, ምዕ. 2, 2-4 ብራሻይና ቋንቋ  

2ጢሞ. ምዕ. 1, 6-8, 13-14 ብእንግሊዘይና

የሉቃስ ወንጌል ምዕ. 17, 5-10 በአዘረይና ቋንቋ ምስ ተነበ

ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ንጐይታ ክልተ መሰረታውያን ሕቶታት ይቐርቡሉ። እዚ ድማ ምስ እምነት ዝተተሓሓዘ ሕቶ ክኸውን እንከሎ እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ኣብ ኣብ ነቢይ እንባቆም ዘሎ ኰይኑ ንሱ ኸኣ “…ክትረድኣኒ ኢለ ንነዊሕ ኣዋን ናባኻ ኣእዌዅ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዓኒ? ይዕምጹኒ ኣለዉ” እዚ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ካብ ጽልእን ክርክርን ዝወርድ መጥቃዕቲ ርእዩ ፍትሕን ሰላምን ከቕውም ተመንገወኒ ዝብል እዩ። ከይኑ ግና እቲ ናይ ጐይታ መልሲ ቀጥተይና ኣይነበረን። እዚ ማለት ድማ በጋጣሚ ነቲ ሕቶ ክምልስ ስለ ዘይደለየ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ተስፋ ብዘይምቝራጽ ብትዕግስቲ ምጽባይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ብእምነት ክንብር ከዘለዎን ኣብ እምነት ምንባር ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጉላሕ እዩ። ንኣና እውን ከምኡ ጐይታ ብታህዋኽና ድላይና ዘርውይ ኣይኰነን፡ ብህጹጽ መንጐይናነት መፍትሒ እናዝነበ ካልኦት ንኽልወጡ ቢሉ ኣብ ምሃብ መልስታት ዘይህወኽ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ዝደልዮ ልባትና ንምፍዋስን ንምልዋጥን እዩ። እዚ ድማ ብዘይ ናትና ተሓባባርነት ዝኽወን ኣይኰነን። ንሱ ናባና ንኽኣትው መዓጹ ልባትና ከነርህወሉ ይግባእ። እዚ ድማ ዓለም ዝሰዓር ብእምነት እዩ (1ዮሓ. ምዕ. 5,4) ንሱ ርህውን ድልውን ልቢ ምስ ዝረክብ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ደበኽ ቢሉ ዓበይቲ ነገራት ይፍጽም። … ጉዕዞ እምነት ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ እዩ ድማ ሓዋርያት “እምነትና ወስኸልና” (ሊቃ. 17,5) እንክብሉ ዝልምንዎ። እዚ እዩ ወትሩ ንጐይታ ከነቕርበሉ ዝግብኣና ሕቶ። ንሱ ዝህቦ መልሲ “…እምነት ሃልዩክም ነሩ እንተዝኸውን …” ዝብል ዘገርም እዩ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ እምነት ይሃልኹም እንክብል ዝሓተና። እምነት ካብ ሰማየ ሰማይ ዝመጽእ ምትሃታዊ ሓይሊ ወይ ከኣ ናይ ምህዞ ብቕዓት ኣይኰነን …  ገዛእ ርእስና እነማእክለሉ እነርውየሉ ጥዑም ስምዒት… ዘውሕዝ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሲ ግላዊ ርውየት ዝጠቓለል ኣይኰነን። በንጻሩ ምስ እግዚኣብሔር ብሃሴት ዘንብረ ናእዩ። ምስኡ ክንሓብርን ክንተኣሳሰርን ዝገብረና ወርቃዊ ፈትሊ እዩ። ክሳብ መወዳእታ ናይ ሕይወትና ዘመን ዘቐውም ጸጋ እዩ። ፍርያማ ክኸውን ግና ናትና ግደ ይሓትት።

….ግደና ኣንታይ እዩ እወ ኣገልግሎት እዩ። ኢየሱስ ናይ እምነት ሓያልነት ምስ ገለጸ ግብረ እምነት ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብር። እምነትን ተግባርን ዘይነጻጸሉ እያቶም። … ብጥንቃቔ ዝተኣልመ እምነት ብጥንቓቔ ዝቐርብ ኣገልግሎት። እምነት ምስ ኣገልግሎት ምስ ዝጣመር ርህው ልቢ ይህልወና ግብረ ሰናይ ንኽንፍጽም ርእየትና የስፍሕ። ኢየሱስ ከምዝብሎ ከምዚ ዓይነት እምነት ዕጹብን ድንቅን ነገራት የፈጽም።

ናይ ሎሚ ወንጌል በጻሕቲ ክንከውን የተሓስበና። ገዛእ ርእስናን ጥቕማ ጥቕምታት ኣማዕድይና ምንቅስቓስ ክግታእ ከምዘለዎ የተሓሳስበና። ንሱ ጐይታ ክነሱ “ከገልግለናን ሕይወቱ ክህበናን መጸ” (ዮሓ. 12,26) ምጽዋዕና ኣገልግልቲ ብምዃን ንኽንስለም ዘኰነስ ንኣኡ ንኽንመስል እዩ። ናይ ክርስትና ሕይወት መግለጺኡ ኣገልግሎት እዩ። እግዚኣብሒር ብኣምልዀን ጸሎን ምግልጋል ግልጽን ተበጻሕን ሓሳብ ክኸውን እንከሎ ብጩብጥ ተግባር ንብጻይካ ምፍታውን ምፍቃን ብናይ ሓባር ጥቕሚ ምዕያይን የድሊ። ናይ ክርስቲያን ሕይወት ካብዚ መገዲ’ዚ ዝኣልዩ ፍተናታት ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ፈተና ልብና ዝሁም ንኽኸውን ዝድርኽ እዩ። ዝሁምነት ብስንፍና ዝተውሓጠ ናይ ፍቕሪ ሓዊ ዝዳጉን እዩ። … ዝሁም ወይ ድማ ልቡጥ ልቢ ዘለዎ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝጐበጠን ክሳብ ዝጥዕመኒ ባሃላይ እዩ። ቅድመና ብእምነት ዝሓለፉ ኣበው ነስትውዕል። እቲ ካልኣይ ድማ ኣገግሎት ከም ሜላ እምበር ከም ሸቶ ዘምርኣይን ምሕሳብን ዝብል እዩ። እዚ ኸኣ ህርፋን ስልጣን ዝብል እዩ። እቲ ዓቢይ ክኸውን ዝደልይ ናይ ኩሉ ኣገልጋሊ ይዅን (ማቴ. 20,26) ኣገልግሎት ኩሕለት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጽባቔኣ ኣገልግሎታ።

… እታ ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት እተጸንሰት ቅድስቲ ድንግል ማርያም በማላድነታ ትደግፈና … ኣብ ምጥማር እምነትን ኣገልግሎትን ቅድስቲ ኣናቴ ተረዛ ዘካልኩታ ኣማላድነታ ይብጻሕኩም …. ናይ እምነት ፍረ ፍቕሪ። ናይ ፍቕሪ ድማ ኣገልግሎት ናይ ኣገልግሎት ድማ ሰላም እዩ፡ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሁዳን ካቶሊካውያን ምእመናን ንኸብጽሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጋዒዘ ምምጻአይ ጊዜ ምብኻን ኣይኰነን ስለዚህ ኣብኡ ምርኻቦም ምስቶም 700 ካቶሊካውያን ንምሕባር እዩ። ካብታ 2 ሚልዮን ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር እቶም ካቶሊክ ሸውዓተ ሚእቲ ጥራሕ እዮም ምርጫይ ምሳኹም ንምሕባር እዩ። ስለዚህ ውሑዳት ምዃንኩም ምስቶም ኣብ ጽርሃ ጽዮን ተዓጽዮም ምስ ዝነበሩ ውሑዳት መንፈስ ቅዱስ ምስ ዝበጽሖም ዝተተባብዑ ዘመሳስል ብዙሕ ነገር አለኵም እብ ፍርሒን ድኽነትን ስደትን ወይ ድማ ተነጽሎን እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣበርተዖም ስለኡ ክምስክሩ ድማ ኣነቓቐሖም። … በራቶም ከርህዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ ሓይሊ ዝዀኖም መንፈስ ቅዱስ ናብቶም ሒደት ስባት ምባሉ ግዜኡ ንኸባኽን ኣይኰነን። ኣብኡ ድም ማርያም ንበይኖም ኣይሓደገቶምን ነኸተማልድ ምሳኦም ኔራ። ኣብቲ ፍቕርን ሕውነትን ዘለሉ ስፍራ ኩሉ መንፈስ ቅዱስ ጸጋታቱ የዝንም፡ ብዘይ ፍርሒ ንቕድሚት በሉ። በማላድነት ማርያም እናጸለና ንኣባይቲ ስራኹንም ንዝሓመሙን ንኣረጋውያንን ብስጋን ብመንፈስን ንዝሳቐዩ ኩሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ መታን ክበጽሖን ንጸልይ ቢሎም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሒር ደጊሞም።

ድሕሪ ፍጻሜ ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎት መልኣከ እግዚኣሔርን ቅዱስ ኣቦና በቶም ነታ ቤተ ክርስቲያን ዘመሓድሩ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ሳሊዝያን ዘቕረብሎም ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ምስ ኣብቅዑ ብናይታ ሃገር ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ዕስራን ንኣዘራውያንን መንግስቶምን ኣኽብሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣንቂሎም። ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ኢልሓም ሀይዳር ኦግሉ ኣሊየቭ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ስለ ክብሮም ወተሃደራዊ ሰላምታ ቐሪቡ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ኣዘርበጃንን ሰንደቓዊ መዝሙራት ምስ ተሰምዔ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክሊኣዊ ርክብ ኣካይዶም፡

ልክዕ ሰዓት ኣባዕተን ፈረቓን ቅዱስ ኣቦና ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ተሰንዮም ናብቲ ናይ ሃገረ ኣዘርበጃን ናይ ሰማዕታት ሓወልቲ ዝቖመሉ ስፍራ ብምኻድ ዕንባባ ኣንቢሮም ናይ ሕልና ጸሎት ኣዕሪጎም። ከምቲ መደብ ድማ ምስ ናይ ኣዘርበጃን ናይ መግስትን ናይ ባህልን ኣብታ ኣገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ሕዝባውያን ማሕበራት ወከልቲ ናብ ዝርከሉ ሀይዳር ኣሊየቭ ማእከል ብምኻድ ብርእሰ ብሔር ኤልሃም ሀይዳር አግሉ ኣልየቭ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ተሰምዔ ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ክብር ርእሰ ብሔር

ክቡራት ሰበ ስልጣናትን

ዓበይቲ ልኡካነ መንግስታትን

ክቡራትን ክቡራንን

ቢሎም ንዝተገብረሎም ምዉዕቕ ኣቀባብላ ብምምስጋን ኣዘርበጃን ንኽበጽሑ ዓቢይ ሓጎስ ከምእተሰምዖም ገሊጾል። ክቡር ርእሰ ብሔር ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን ብመንግስቶም ስም ንዘቕረቡለይ ናይ ኣኽብሮት ቃል አመስግን፡ ርእሰ ብሔርን ክብርቲ በዓቲ ቤቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ እንከካይዱ ንኣዘርበጃን ንኽበጽሕ ንዝገበሩለይ ዕድመ ተቐቢለ እነሆ ኣብ መጐኹም እርከብ።

ኣብዚ ምምጻኤይ ይብሉ ናይ ኣዘርበጃን ስሙር ዝኾነ ዘለዋ ባህላዊ ሃብትን ናይ ሕዝቢኅብረኣዊ ርክባትን ኩሉ እቲ ብተዋረስ ዝመጽ ናይ ህዝባ መለለዪ ዝዀነ ኅብራኣውነት ኣብ ልበይ ዓቝይረ እየ። ዕለት 18 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣዘርበጃን መበል 25ን ዓመይ ናጽነታ ከተብዕል እያ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኩሉ ዝበጽሓቶ ምዕባለን ዝዓተረቶ ለውጥታትን ነቲ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ እዋናዊ ብድሆታት ብብቕዓት ክትገጥም ዘኽእላ ከምዝኸውን እምነተይ እዩ።

… ናይ ኣዘርበጃን ኅብረ ባህልታታ ንዝተናዕቁን ንድኻታትን ትኵር ኣቃልቦ ክገብር ዝሕግዛ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓባራዊ ምድግጋፍን ንሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ምክብባርን ኣብነት ንኽትከውን ኣብቂዕዋ እዩ። ንዝሰመረ ውሁድ ስምምዕ ሕንጸት እሚታ እተሳልጦ ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ብዘይ ተበላለጽ ተጽእኖን ምንባር ዝከኣል ምዃኑ እተረጋግጽ ሃገር እያ። ዓሌታዊ ርእየተ ዓለምን ተኣምኖተ ሃይማኖትን ጠመቕ ሃይማኖትን ኣብ ልዕሊ ካልእ ተጽእኖ እናገበርካ ስም እግዚኣብሔር ንኢደ ኣታውነን ጸቕጥም ምኽንያት ምግባር ክፍኣት እዩ።

ኣብዛ ሃገር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃማኖታትን ባህልታትን ዘሎ ቅድው ርክብን ኣብ ምትሕብባር ዝጸንዔ ሓባራዊ ናብራ ክቕጽል እላበው።  ውጥረትን ዓመጽን ዘይምክብባርን ዘይምክእኣልን ዘስፍሕ ርእየት ዓለም መሰረት ዝገበረ ዓመጸይናነት ንድኻታትን ነቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቅምን ብቕዓትን ዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽሕድ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ኣብ ዓለምና ይርአይ ከምዘሎን ነዚ ኣሉታዊ ቅናኔ ንምውጋድ ናይ ሰላም ባህል ምንቕቓሕን ምስፋሕን የድሊ ኣብዚ ዕዮ’ዚ ክንዋፈር ይግባኣና። ትዕግስትን ቁኑዕ ርክብን ቀጻሊ ዘተን ኣድላዪ እዩ። … ብሔራውን ዓለም ለኻውን ስምምዓት ብምንቕቓሕ ናብ እውነተይና ምዕባለን ናብ እውነተይና ናይ ሕዝብታት ነጻነትን ዘሰጋግር ኣብ ሰላም ዘተኰረ ጽንዓትን ጥብብን የድሊ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ስደተይናታት አዘራውያን ዘኪሮም ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ድጋፍ ክቐርበሎም ሓደራ ቢሎም። ካውካሱስ ምዕራብን ምስራቕን ዘራኽብ በሪ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቃል ዘኪሮም እቲ ማዕጾ ናብ ሰላምን ምርድዳእን ዘእትው ክኸውን እምነይ ኢሎም።

ኣብ ኣዘርበጃን ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ውህዳዊት ኣውን ኣንትዀነት ኣዘራውያን ካቶሊክ ምእመናን ብስሉጥ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝሳተፉ እዮም ... ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኣዘርበጃንን ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ስምምዓት መሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዘርበጃን ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኺባ ንኣዘራውያን ካቶሊክን ንመላእ ሕብረተሰብ ኣዘርበጃን ዓቢይ ኩለ መደያዊ ደገፍ ተቕርብ። ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኣብ መንጐ ሃማኖታት ሰላማዊ ክርብ ዝነኣድ እዩ። ንናይ ኩሉ ናይ ሓባር ጥቕሚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቅኑዕን ልባዊ ርክብን ኣገዳሲ ምዃኑ ኅብረ ሃይማኖት ኣዘርበጃን የረጋግጾ።

ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን ንምግምማዕን ንዓመጽን ኣይድርኽን፡ ዓመጽን እግዚኣብሔርን ተተሓሒዞም ኣይከዱን። እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ንሰላምን ንሰናይ ራእይን ንሱ ድማ ንምርድዳእን ምክብባርን ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍን ንናይ ማሕበራዊ ጥቕምን ምንጪ እዩ።

እግዚኣብሔር ኣዘርበጃን ይባርኽ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስ ኣቦና ብኸምዚ ዝበለ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ካብ ርእሰ ብሔርን ዓበይቲ ሰበ ስልጣትን ልኡካነ መንግስታትን ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ናብ ሀይዳር ኣሊየቭ መስጊድ ኣቕኒዖም ልክዕ ሰዓት ሕሙሽተን ኣርብዓ ደቓይቕን በጺሖም ምስ ናይ ካውካሱስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሸኽ ኣላህሹኩር ፓሻዛደህ ተራኺቦም ሓጺር ክሊኣዊ ዝርርብ ኣካይዶም ብሸኽ ፓሻዛደህ ተመሪሖም ናብቲ ናይ ዝተላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝርከብሉ ኣዳራሽ ቀሪቦም ሰላምታ ምስ ኣቕረቡ ሸኽ ፓሻዛድህ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ቅድስነቶም ኣባ ፍራንቸስኮ

ብመላእ ናይ ኣዘርበጃንን ካውካስሱ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ስም ከምኡ እውን ብኩለን ኣብ ኣዘርበጃን ብዝርከባ ሃይማኖታት ስም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንክብል ደስታ ይስሞኒ። … ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኅብረ ባህልታት ዓመት ዝዝከረሉ ዓመት ብምዃኑ ናቶም ኣብዚ ምርኻቦም ነዚ ዓመት’ዚ ፍሉይ ይገብሮ። ነቲ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ነዘቕርቡሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብ ማእከልና ምርኻቦም እግዚኣብሔር ይሃበለይ እንክብል አመስግን። እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ኣዘርበጃንን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ሰናይ ምዃኑ የረጋግጸልና። …. ኣብታ ኣብ ኣዘርበጃን ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተረኺብኩም ዘስማዕክምዎ ቃል ንኣዘርበጃን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ዓቢይ ምዕዳን እዩ።

ቅዱስነቶም

ንሶም ከም ናይ ሓደ ሃገር መራሕን ናይ መላእ ካቶሊካውያን ኵላዊ መራሒ ዘካይድዎ ርክባት ዓቢይን ድርብን ክብሪ ዘለዎ እዩ። ምስ ፓትሪይርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ተራኺብኩም ዓመጽን ግብረ ሽበራን ኩሉ ጸረ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ ቢልኩምን ነዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ርክባት ክህሉ ብምንቕቃሕ እትገልጽዎ ናይ ዘተ መገዲ ሰላምን እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ብተዓዛቢ ዕዱም ኰይኖ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦ ዝራእኽዎ ተግባራዊ ርክብ ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ።

… ኣብ ኣዘርበጃን ምስ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ዘለዎም ርክብ ሰናይን ዕዉት ምዃኑ ፓሻዛደህ ድማ ሓቢሮም ኣብ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ መታን ውግእን ዓመጽን ግብረ ሽበራን ዝኹንን እተቕርብዎ ጻውዒትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰናይ ርክብ ብምንቕቃሕ በቀዳምነት እትህብዎ ምስክርነት ዝድነቕ እዩ። ክነመስግነኩም ይግብኣና።

… ከም ሓደ ዓቢይ ናይ ሃይማኖት መራሒ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝካይድ ግጭትን ውግእን ንኣብነት ኣብ ናጐርኖን ክራባክህን ኣርመንን ኣዘረበጃንን ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ እተቕርብዎ ጻውዒት ንንእድ .. ፈጣሬ ኩሉ ንመላእ ዓለም ሰላምን ምዕባለን ይጸግው ኣሜን እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሰላም ወጋሕታ ንኽዀና ዝተጸውዓ እያተን። ብስም እግዚኣብሔር ዓመጽ ይትረፍ ክህሉ ክሕሰብ እውን ዘይግብኦ ተግባር እዩ። ኣብቲ ናይ ውጥረን ግጭትን ጸላም ዘለሉ ስፍራ ሃይማኖታት ናይ ሰላም ወጋሕታ ክዀና ይጽውዓ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ኣዘርበጃን ዝረአየ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ስድራ ቤታዊ መንፈስ እዩ። ሃይማኖታት ብሓባር ናይ ሕብረተሰብ ምዕባለን ስምምዕን ውሁድነትን ንምርግጋጽ መሰረት እያተን።

ኣብ ኣዘርበጃን እናተወራረሰ ዝመጸ ባህሊ ዝዕቀበላን ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ ነቲ ዓቢይን ፍርያማን ዝዀነ ገዛእ ርእስኻ ክፉት ንምግባርን ንምእንጋድን ዝድርክ ይኹን። ዘተ ኅብረ ባህልን ምትሕብባርን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣተኵይሮም ብዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ኣዘርበጃን ዘሎ ኅብረ ሃይማኖታዊ ናብራ ኣብነት እዩ። እዚ ድማ እቲ እንርእዮ ኣዘራዊ ውሁድ ካቶሊክ ምእመን ግቡእ ስፍራኡ ረኺቡ ዝነብሮ ሕይወት ምስክረይ እዩ።

ንምእንጋድን ንምሉእ ዕብየት ማዕጾ ምኽፋት። ናይ ልቢ ምዓጹ ብምርሃው ናይ ተስፋ ማዕጾ ምርሃውን ኣዘርበጃን ምዕራብን ምስራቕን እተራኽብ ሃገር እያ። እዚ ድማ እቲ ማዕጾ እያ ዘብላ ክቡር ዋጋ ናይ ሰላምን ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጡር ግቡእ መጻኢ ንምሕናጽ ዘኽእል ድልድል ምዃና ዝገልጻ እዩ። ስለዚህ እዚ ክቡር ዋጋ’ዚ ክኹስኰስ ሓደራ። ኣብዚ ውጥረትን ምግምማዕን ግጭትን ዘይምርድዳእን ዝረአየሉን ግላዊ ረብሓ ኣብ ምህዳን ዝትኰረሉን ተሸባሸብ ዝበሃለሉ ሓው ዝጽለኣሉን ዘሎ ዓለም ምትሕብባርን ተኻፊልካ ምንባርን ነስፍሕ ሓደራ።

ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ምርሃው ሃብታም ይገብር። ገዛእ ርእስኻ ምዕጻው ድማ የድክይ። ሕይወት ንገዛእ ርእሲ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኻእል ኩሉ እውን ጸጋ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኩለን ሃይማኖታት ሰብ ናይ ሕይወት ትርጉም ናይ ምድላይ ከይዱ ክድግፋ ዝተጸውዓ እያተን። ናብ ዘለዓለማውን ደረት ሰገርነትን ናብቲ ካባና ዝተፈለየ ብጻይና ዘቕናዕ ባህርይ ለበስ ኢና። ነዚ መቕናዕ’ዚ ኩለን ሃይማኖት መሰረት ገይረን ሰብ ሰብኣውነት ትብጽሕቱን ፍጻሜኡን ናይ ሕይወት ትርጉምን ክስተውዕልን ናብ ሰናይ ከብልን ካብቲ ኣብ ኣፈት ልባቱ ኰይኑ ስናይ ተምሲሉ ናብ ውሳጤኡ ክኣትው ዝደሊ መንፈስ ክፍኣት ከርሕቅ ዝድግፍ ብምዃኑ ሃይማኖት ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብቲ ኩሉ ባዶነት እዩ ቢሉ ካብ ዝሰብኽ ባህሊ ናይ ዘይምእማን ፈተና ዘስፍሕ  ኣኽራርነትን ንቕጽና ልብን ንምውጋድ ዝሕግዝ ሕንጸት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት እውን ኣለዎ። ሰናይ ኣለልዩ ንምስዓብን ዕለት ብዕለት ብትዕግስትን ብፍቕርን ዝፍጸም ጸሎት መሰረትን ናይ ሰላምን ሰናይ ርክብን ባህሊ ዝህነጸሉ እውን እዩ፡ ስልጣንን ሃብትን ውልቃዊ ረብሓን ዝድለየሉ ኣነነት ዝማእከለሉ ኣይኰነን።

ኣብ ምክብባር ምትሕብባር ዝጸንዕ ሰላም ውሑስ እዩ። ስለምንታይ ምክብባር ምስ ዝህልው ቅድመ ፍርዲ ካብ ምሃብ ድላይ ኣይህልውን። ሰላም ናይ ድኽነትን ፈላላይ መዳድቕን የዕንው በዳልን ተበዳልን ካብ ዘተኣታትዎ ድላይ ሕነ ምፍዳይ ይግስጽ። ምስሉይነትን የወግድ። ሰላም ውግእ ኣጽዋርን ብንግድ ውግእ ኣጽዋር ሃብቲ ምኽዕባት ይኹንን። ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም ንመጻኢ ወለዶ ብምሕሳብ ካብቲ ናይ ኩላትና ቤት ዝኸነ ምድሪ ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ፍትሒ ዘእውይ ደምን ንብዓትን ዘይህልወሉ ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ነቑመሉ ዕርቅም ምትዕራቕን ዘቐድም ወለዶ ንፍጠር፡ ሃይማኖት ሞት ኣብ ዘለሉ ሕይወትን ዳግም ምውልዳን ዝዘርእ እዩ። ስለምታይ ሰላም እዩ። እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩሎም ኣብ በኩ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈስውያን መራሕቲ ሰላምታ ተለዋዊጦም ብናይ ኣዘርበጃን ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ካብ ሀይዳር ኣሊየቭ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይ ኣዘርበጃን ምኽትል መራሔ መንግስቲ ተፋንዮም ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖን መዕርፎ ነፈርት ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ምስ በጽሑ ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.