2016-10-08 16:19:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ሓይቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ሓይቲ ብዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ነዘጋጠመ ናይ ሞትን ማሕሰይትን ውድመት ንብረትን ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲና ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ሃገረ ሓይትን ሕዝባን ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ህልዋት ምዃኖም ከምረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱነቶም በቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሓይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቺብልይ ላንግሎይስ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ንዝተጎድኡ ቅልጡፍ ፈውሲ ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንሕዝቢ ሓይቲ ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣወኪፎም ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍን ኣገዳሲ ናይ ሰብኣዊን ሓገዝን ክቐርበሎም ድማ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

በቲ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ልዕሊ 800 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ቍጽሪ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ጸብጻብ ክብ ክብል ከምዝኽእል እውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን እቲ ማተዎስ ዝብል መጸውዒ ስም ዝተውሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሓይቲ ካብቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ተኸሲቱ ካብ ዝነበረ ርእደ መሬት ኣስዒብዎ ካብ ዝነበረ ናይ ሞትን መቕሰልትን ውድመት ንብረትን ሓደጋ ንላዕሊ ኣብ ሰብብ ንብረትን ኪሳራ ከምዘስዓበን ድማ ገሊጸን፡ እዚ ህቦብላ ማተዎስ  ከባቢ ደቡባዊ ምዕራብ ሓይቲ ብብርቱዕ ባ ዝተሃሰየ ምሉእ ድምር ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ብትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሽፈን ልዕሊ 1.3 ሚሊዮን ሕዝቢ ከምዝዀነን  ልዕሊ 130 ሺሕ ሕጻናት ንኩለ መዳያዊ ሓገዝ ከምዘቃልዔን ዝወረደ መጉዳእቲ ክትግምቶ ብሓቂ ዘሸግር ኰይኑ ኣሎ ኢለን።

16 ሺሕ ሕዝቢ ብዘይ ኣባይቲ ከምዝተረፈን ሕማም ተላገብ እውን ብቐሊሉ ክዛመት ከምዝኽእልን ብዓሰርተታ ሺሕ ዝቁጸር ሕዝቢ ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ ዝኸውን መግባዊ ቀረብ ከምዘለዎ ሳባቲነሊ ሓቢረን እቲ ህቦብላ ካብቲ ዝነበሮ መምዘኒ ሓደገይናነቱ ካብ ኣርባዕተ ናብ ሰለስተ ዓቐን ከዝወረደን ሰለይ እናበለ ድማ ሓይቲ ሓዲጉ ናብ ፍሎሪዳን ናብ ገማግም ባሕሪ ጆርጂያን ደቡብ ካሮሊናን ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ናሳ ናይ ተፈጥሮ ስነ ከባቢ ኣየር ዝህቦ ሓበሬታ ጠቒሰን እንከመልክታ ብተወሳኺ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ እቲ ማተዎስ ህቦብላ ናብ ምዕራባዊ ከባብ ከምዘቕነዔን ድሮ ብርቱዕ ዝናምን ኣብ ሰዓት 220 ኪሎ ሜትር ዝፍጥነቱ ህቦብላ ኣብ ሓይቲ ብዙሓ ከተማታት ንኣብነት ከተማ ጀረሚ 80% ከምዘባደመን ኣብ ዶመኒካን ረፓብሊካዊት ሃገር 4 ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዝዳረገን ድማ እንክገልጹ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ናብተን ህቦብላ ማተዎስ ዝሓልፈን ከተማታት ተቐማጦ ሕይወቶም ንምድሓን ብሕጹጽ ቤቶም ሓዲጎም ክወጹ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንህቦብላ ማተዎስ ሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ ዜጋታት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመት ምዃኑን ክንገር እንከሎ ናይ ፍሎሪዳ ኣመሓዳሪ ሪክ ስኮት ተቐማጦ ፍሎሪዳ እዋኑ ናይ ሞትሕ ሕውየትን ተረባበር ብምዃኡ ብቕሉጡፍ ከባቢኡ ክለቕቕ ናይ ሕጹጽ ሕይወት ኣድሕን ጻውዒት ከምዘመሓለፉ ሚኒከቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.