2016-10-13 18:37:00

በብመዓልቱ ሓንቲ ናይ ምሕረት ስራሕ ምግባር ሓቀኛ ለውጢ ሕይወት ከስዕብ ይኽእል! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2016 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ነፍስወከፍና እንተወሓደ ዕለት ዕለት ሓንቲ ናይ ምሕረት ስራሕ መንፈሳዊ ወይ ስጋዊ ብምግባር ሓቀኛ ለውጢ ባህሊ ብምግባር ንሕይወትናን ሕይወት ካልኦትን ክንቅይር ንኽእል’ እንክብሉ ነቲ ጐ.ኢ.ክ. ከም ናይ መወዳእታ ፍርድና መለክዒ ገቢሩ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘቅረበልና ‘ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።(25.34-6) ንዝብል ናይ ምሕረት ስራሓት ተንቲኖም፣

ቅዱስነቶም ኣብዚ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ነቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝገልጽ ብቀንዱ ከኣ ነቲ መግለጺ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኾነ ብምስጢረ ስጋዌ ከማና ሰብ ዝኾነ ወልደእግዚኣብሔር ድሕሪ ምብራህ ኣብ ናይ ትማል ትምህርቶም ነቲ ብዓይኒ እምነትን ሰናይ ድላይን ዝዘርዘርዎ ብትሕዞ በቲ ናይ ነፍስን ናይ ስጋን ግብረ ምሕረት ወይ ሰናይ ተግባር ገሊጾሞ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቶም ነዘን ናይ ነፍስን ስጋን ናይ ምሕረት ተግባራት ዝበሃላ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክሽምድደን ድሕሪ ምዝኽኻር ‘በዘን ክንገብረን እንኽእል ነኣሽቱ ተግባራት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዓበይቲ ቅዱሳን ዝገበርዎ ዓቢ ናይ ባህሊ ለውጢ ክንፈጥር ከምንኽእል ነዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ዕለት ዕለት ሓንቲ ካብዚኤን ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንዓለምና ክንልውጦ ንኽእል’ እንክብሉ ኩልና ብዝተኻእለና መጠን ነዘን ናይ ምሕረት ተግባራት ክንፍጽም ተማሕጺኖም፣

ነቲ ኣብዚ ዘመንና ሳዕሪሩ ዘሎ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ ዝብል ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብዝብል ሕማም ተበኪሉ ንዘሎ እንኮ መድሓኒት እዘን ናይ ምሕረት ስራሕ ምዃነን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ብዙሕ ግዜ ጐረባብትናን ኣብ ጥቃና ዝነብሩን ክሕገዙ ስለዘለዎም ርሑቅ ምኻድ ኣይደልየናን እዩ፣ እቲ ዝቀለለ ብጐረቤትካ ምጅማር እዩ፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነዚ ናይ ዘመንና ቫይሩስ ኮይኑ ዘሎ ሸለልትነት ክነሸንፎ ንኽእል’ እንክብሉ ነቶም ገጽታ ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ ጽጉማት ማለት ዝጠመዩ ዝጸምኡ ዝሓመሙ ዝተኣስሩ ኮታስ ረድኤት ዘድልዮም ጐረባብትና ብምስትውዓል ጠሚትና ክንሕግዝ ኣዘኻኺሮም፣

ነዚ ዓቢይ ኣብነት ትኾነና ናይ ዘመንና ዓባይ ቅድስት፣ ቅድስት ተረዛ ዘካልኩታ ነቶም ኣብ ጐዳና ትረኽቦም ዝነበረት ድኻታት ክትሕግዝ ተንበርኪኻ ትሰምዕምን ትሕግዞምን ከምዝነብረት ዝዝከሩ ቅዱስነቶም ንቅድስት ተረዛ በቲ ዝነበራ ህቡብነት ወይውን ኣብ መላእ ዓለም ብዝኸፈተቶም ናይ ድኻታት ገዛውቲ ወይውን ካልእ ዘይኮነስ ቀንዲ እንዝክራ ንነፍሲ ወከፍ ጽጉም ክትሰምዕን ክትረድእን ድንን ብምባል ክብረቶም ትመልሰሎም ስለዝነበረት እዩ፣ ክንደይ ኣብ መንገዲ ዝተደርበዩ ሕጻናት ዘይሓቈፈት ክንደይ ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርከቡ ዝነበሩ ረዳኢ ዘይብሎም ኣብ ሕቊፋ ሒዛ ብምጽንናዕ ዘይሓገዘት፣ ደው ቢልካ እንክትሓስቦም ናኣሽቱ ነገራት ማንም ክገብሮም ዝኽእል ስለዝኾኑ መልእልተ ባህርያዊ ሓይሊ ወይ ካልእ ነገር ኣይድልየካን፣ እዚኤን ተግባራት ምሕረት እዚኤን ከኣ ንገጽታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጻ፣ ብሕልፊ ኣብዚ ኣዊጅናዮ ዘሎና ቅዱስ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ምሕረት ንክንረክብ ንካልኦት ናይ ምሕረት መጋበሪ ብምዃን ንካልኦት ብምልጋሳ ብዕጽፍን ድርብን ምቅባላ ይከኣል’ ድሕሪ ቢሎም ናብቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ በሽሓት ዝቊጸሩ ንምእመናንን ነጋድያንን ‘ብከመይ መሰኻኽር ምሕረት ኣምላኽ ክንከውን ንኽእል፣’ ብማለት ይሓቱ እሞ ‘ልዕሊ ዓቅምና ዝኾነ ነገራት ክንገብር ከይንፍትን ወይውን ፍሉይ መልእልተ ባህርያዊ ሓይልታት ዘድሊ ከይመስለና ጐይታ ብጣዕሚ ቀላል ዝኽዕነት መንገዲ ይሕብረና እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዝቀረበልና ኣብ ናይ መጨረሻ ፍርዲ ንሕተቶ ኪዳን ናይ ኢየሱስ ክትብሎ ዝከኣል ንጥሙይ ክንዕግል ንጐይታ ኢየሱስ ከምእንገብሮ ምግንዛብ እኹል እዩ፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ካልእ ናይ ነፍሲ ናይ ምሕረት ስራሓት ንብሎም እውን ኣለው ምናዳ ነቶም ብዓመጽን ካልእ ምኽንያትን ክሳብ ተስፋ ቊርጸት ዘብጽሕ ብርቱዕ ተጽዕኖ ንዘለዎም ክትድንግፍን ብእምነት ንዝጠራጠሩ ክትመክርን ንዝበደሉኻ ይቅረ እንክትብል ንሓጢኣተኛታት ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ምምዓድ ንህልዋንን ንሙታንን ጸሎት ምግባርን ንደናቊር ምስትምሃር እዚ እውን ዓቢ ጸጋን ምሕረትን ዘውህብ ናይ ነፍሲ ናይ ምሕረት ስራሓት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ’ እንክብሉ ነቲ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ መኣስ ጠሚኻ ጸሚእካ ወዘተ ርኢናካ ቢሎም ምስ ሓተትዎ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እንክብል ዘረጋግጸልና በዘን ቀለልትን ክንገብረን እንኽእልን ነገራት ገርና ምሕረት ንኣክብ ቢሎም። ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ትምህርቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ ‘ጐይታ ከይረኸብክዎ ከይሓልፈኒ’ ብማለት ብፍርሂ ዝርዕድ ዝነበረ ንሕናውን ሓደ ጥሙይ ጽጉም ሓውና ወይ ሓፍትና ክሓልፉ እንከለው ክርስቶስ ይሓልፍ ከምዘሎ ብምዝካር ነቲ ዕድል ከይነጥፍኦ ምጥንቃቅ የድሊ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣   








All the contents on this site are copyrighted ©.