2016-10-17 19:08:00

ሸውዓተ ሓደስቲ ቅዱሳን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 16 ጥቅምቲ 2016 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሸውዓተ ሓደስቲ ቅዱሳን ኣዊጆም፣

ካብዞም ሓደስቲ ቅዱሳን እዚኦም ክልተ ብሰማዕትነት ዝሞቱ እዮም፣ ኾሰ ሳንቸስ ደል ርዮ ዝበሃል ወዲ 14 ዓመት ኣብ መክሲኮ ኣንጻር ካቶሊካውያን ኣብ ዝነበረ ስደት ብ1928 ዓም ዝተቀትለ እንክኸውን ኣብቲ ግዜቲ ክሪስተሮስ ብዝብል ሰውራ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ እውን ይዝከር፣ እዚ መንእሰይ እዚ ሃይማኖቱ ንክኽሕድ ብዙሕ ኣደራዕ ከምዝወረዶን ንኩሉ ብትዕግስቲ ተጻዊሩ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ብሰማዕትነት ከምዝመስከረን ምስቲ ሬሳኡ ኣብ ዝተረኽበ ናብ ኣዲኡ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ከኣ `ንኩልኹም ዝኸውን ቦታ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከምዘሰናድወልኩም ኣረጋግጸልኩም፣ ኣደዋየ ናትኪ ዝኾነ ኾሰ ወድኺ ንካቶሊካዊ እምነት ንምክልኻልን ስለፍቅሪ ክርስቶስ ንጉስን እኖና እግዚእትነ ማርያምን ዘጓዳሉፐን ይመውት ኣሎ` ዝብል ይርከቦ፣ እቲ ካልኣይ ሰማዕት ከኣ ሰሎሞን ለክለርክ እንክኸውን ፈረንሳዊ ኮይኑ ኣብ ግዜ ሰውራ ፈንሳን ስደት ክርስትናን ብ1792 ዓም ዝተቀትለ እዩ፣ ኣባል ማሕበር ላሳል ኮይኑ ናይዚ ማሕበር ኣብ ፈረንሳ ቀዳማይ ሰማዕት እንክኸውን እዚእውን ካብ ኣብ ሓያላን ምጽጋዕን ምእማንን ኣብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕን ምእማንን ይሓይሽ ክብል እዩ ንጽዋዕ መስዋዕትነት ተቀቢሉ፣

ምስዚኦም ቅዱስናኦም ዝተኣወጀ ሰልስተ ካህናት እውን ኣለው፣ ሓደ ካብዚኦም ካህናት ከምቲ ር.ሊ.ጳ ‘ሽታ ኣባግዖም ዘለዎም ጓሶት’ ቢሎም ዝገልጽዎም ኣርጀንቲናዊ ካህን ኮይኑ ኩራ ብሮኸሮ ቆሞስ ማለት እዩ ኣባ ኾሰ ጋብርየል ደል ሮዛርዮ ብሮኸሮ እዩ፣ እዚ ካህን እዚ ኣብ መንጎ 1800ን 1900 ዓም ብበቅሊ እናተመላለሰ ኣብ ጽንኩር ኣከባቢታት ኣርጀንቲና ሰፊሕ መንፈሳዊ ጒስነት ዘካየደ እዩ፣ ኣብ ተልእኾኡ ምናዳ ንድኻታትን ረዳኢ ንዘይብሎምን ንክረድእ ብዙሕ ዝጸዓረ እዩ፣

ብራብዓይ ደረጃ ካብ ሃገረ እስፐይን እውን ሓደ ኣቡን ምስዞም ቅዱሳን ይርከቡ፣ ናይ ፓለንስያ እትበሃል ሰበኻ ኣቡን ዝነበሩ ማንወል ጎንሳለዝ ጋርስያ እዮም። ብ1940 ዓም ዝሞቱ እንክኾኑ ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ቊርባን ዝነበሮምን መስራቲ ናይ ቅዱስ ቊርባናዊ ካሕሳ ሕብረትን ማሕበር ቅዱስ ቊርባን  ልኡኻት ደናንግል ናዝሬትን እዮም፣ ኣብ ኩሉ ቊምስናታቶም እኹል ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ዘይቀርበለን መንበረታቦታት እናዞሩ ስግደትን ኣምልኾን የቅርቡ ብምንባሮም ከኣ ‘ናይ ዝተረስዑ መንበረታቦታት ኣቡን’ ዝብል ካልኣይ ስም እውን ነርዎም፣

ብሓምሳይ ደረጃ ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ናይ ሰሜን ዓዲ ጣልያን ብረሻ እትበሃል ከተማ ተወላዲን መስራቲ ማሕበር ካህናት ቅድስት ንጽሕት ድንግል ማርያም ዝኾኑ ኣባ ሉደቪኮ ፓቮኒ እንክኾኑ፣ ሰውራ ኢንዱስትሪ ወይውን ኢንዳስትርያል ረቮሉሽን ኣብ ዝነተጐሉ ጊዜ ንድኻታትን ዝተገፍዑን ንምርዳእ ብትምህርትን ብሙያን ብእምንተትን እናኰስኰሱ ርእሶም ክኢሎም ካብ ድኽነት ንክገላገሉ ብዙሕ ዝጸዓሩ እዮም፣ እዚ ማሕበርዚ ሎሚውን ነዚ ተለእኮዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ፣

ብሻድሻይ ደረጃ ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ካብ ሃገረ ጣልያን ሳለርሞ ካብ እትበሃል ከባቢ መስራቲ ደናግል ዘቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዝኾኑ ካህን ኣባ ኣልፎንሶ ማርያ ፉስኮ እዮም፣ ቀንዲ ኣበርክቶኦምን ትዂረቶምን ኣብቶም ድሕሪ ሓድነት ሃገረ ጣልያን ተረሲዕም ዝነበሩ ደቂ ደቡብ ዓዲ ጣልያን ከምዝነበረ ታሪኽ ሕይወቶም የብርህ፣

ኣብ መወዳእታ ብሻብዓይ ደረጃ ጽባሕ ቅድስናኣ ዝተኣወጀ ኣባል ማሕበር ቄርመሎሳውያት ደናግል ዝኾነ እናቴ ኤልሳቤጥ ዘቀድስት ስላሴ ኮይና ኣብ መበል 26 ዓመታ ብብዙሕ ስቃይን ቃንዛን ነቲ ኣብ መስቀል ዝሳቀ ክርስቶስ እናስተንተነት ንኩሉ ስለ ድሕነት ነፍሳትን ተስፋ ዝቈረጹን ብምውፋይ ብ1906 ዝሞተት ድንግል እያ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.