2016-10-18 16:32:00

መዝገበ ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ


ዕለት 13 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ካቶሊክ ባህሊ ሊቅ ኣብ ካቶሊካዊ ባህልትን ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዝደረሱን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኮሬረ ደላ ሰራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ባህላዊ ገጻት ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፋት ዘቕርቡ ጁሊያኖ ቪጂኒ ዝደረስዎ መዝገበ ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያን ካምፒዚ ሓቢረን።

እቲ መዝገበ ቃላት ሓባራውን ታሪኻዊ ስነ ጽሑፋውን ስነ ትንተናውን ስነ መንፈሳውን ዓንዲ ዝገበረ ጽሙር መጽሓፍ ምዃኑ ካምፒዚ ገሊጸን ሓሙሽተ ሚእቲ ድምጺ ዝሓዘን ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ዓቢይን ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕድሩ ሓሳባትን ኣርእስታትን ሰባትን ብዝርዝር ዘቕርብ ዝትንትንን ከይኑ ንኽትርዳእን ንኽትገልጾን ከምኡ እውን ነኸተስተንትኖ ዝድግፍ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ምሉእ ነትሕዝቶ ቃላትን ታሪኻዊ ንባቤኡ ዝድግፍ እውን ምዃኑ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን እብራይስጣውን ግሪክውን ሥርወ ቃላት ፈላልዩ ዝገልጽን ኣብ ኣስተንትኖን መንፈሳዋዊ ጉዕዞን ደጋፊ ከምዝዀነ ሓቢረን።

ማእከላውያን ታሪኻትን ማእከላውያን በዓል ኣባይትን (ሰባት) ከባቢታትን ዝትንትን እሞ ቅዱስ መጽሓፍ ብሓፈሻኡ ክትርድኦን ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ትሕዝትኦን ታሪኹን እውን ዘረድእ ኰይኑ ናይቲ መዝገበ ቃላት ኣርእስቲ ድማ ቅዱስ መጽሓፍ ንኽትርዳኦን ንኽትትርጉሞን ነኸተስተንትኖን ክትውከሰን ዝድግፉ ሓሙሽተ ሚእቲ ድምጽታት ዝብል ምዃኑ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.