2016-10-18 16:40:00

ናይ ሞስኮ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ እንግልጣር


“ብዘይ ባህላዊ ተገንዝቦ ኣብ መንጐ ሃገራት ምንም ዓይነት እውነተይና ዘት ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ” ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጐ ሃገራትን ባህልታትን ዝግበር ርክብን ዘተን ሃይማኖት ዘለዎ ረቛሕነት ተጐስዩ ዝሓልፍ ዘይስትብሃል ብምኻኑን ብኣይ ኣረኣእያ እምነት ናይ ሓደ ሕዝብን ሃገርን መንፈሳውነትን መንነት ዝሓንጽ ምንጪ ብምዃኑ ባህልን ሃይማኖትን ዕሽስ ክበሃል የብሉን” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ሎንደን ናይ ኣርባዕተ ማዕልቲ ምብጻሕ ንምካይ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝኣተውሉ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ሊቀ ጳጳሳት ጁስቲን ወልባይ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓውርያዊ ዑደት ቀንዲ ዕላማ ኣብ እንግልጣር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲይን ህልውና ዝኽሪ መበል ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምዃኑን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ጠቒሱ ባዕሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ከምዝበልዎ ድማ ንዝኽሪ መበል 300 ዓመት ህልውና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እንግልጣርን ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ሩሲያን ብሪጣንያንን ከምኡ ድማ ምስ ቤተ ክርስቲያን እንልጣር ዘሎ ምሕዝነት ንምሕያልን ኣብ ዓለም ለኻዊ ርክባት ሃይማኖት ኣገዳሲ ልዑል ረቛሒ ምዃኑ ንምምስካር እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።

ኣብ እንልጣር ምእመናን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያንን ማሕበርሰብ እንግልጣርን ኣብ ናይ ሩሲያን እንልጣርን ርክብ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎምን እቲ ክርብ ምዕቡልን ብሉጽን ክኸውን ከምዝገብር እምነት ኣሎኒ እቲ ርክብ ኣብ ህልዉ ፖሊቲካዊ ኩነታት ጽግዕተይና ዘይኰነስ በንጻሩ ኣብቲ ምዕራብን ምስራቕን ዘዋህድ እምነት ክርስትያን ዝቖመ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፥ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ዕለት 15 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ እንግልጣር ነታ ዝተሓደሰት ናይ ፍልሰታ ለማርያም ካቴድራል ከምዝባረኹን ኣብ ዘዕረገዎ ምስዋዕተ ቅዳሴ እቶም እንግልጣር ክብ ክትብል ዝገበሩ ቅዱሳት ኩሎም ዘኪሮም እግዚኣብሔር ብማርያም ኣማላድነት እንግልጣር ይባርኽ ከምዝበሉ ድማ ገሊጹ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ናይ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ መቕረብ ከማተሳተፉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.