2016-10-20 16:47:00

ምእንቲ ክብሪ ብፁዕ ታደኦ መክካርተይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ጋላገር ናብ ከተማ ኢቨረያ


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻድ ጋላገር ኣብ ሃገረ ኢጣሊያ ዞባ ፒየሞንተ ክፍለ ሃገር ቶሪኒ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢቨረኣ ምእንቲ ክብሪ ብፁዕ ታደኦ መክካርተይ ናይ ፒየሞንተ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣመሓደርትን ወለንተይናታ ኣባላትን ናይ’ቲ ከባቢ ኣባላት ምሕደራን ናይ ፖለቲካ ኣካልትን ናይ መንግስት ምስሌነ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቕዳሴ ኣብ ካቴድራል ዕለት 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት 10.30 ከዕርጉን ናይ ኢቨረያ ሰበኻ ሓድሽ ናይ ካሪታስ መዕንገሊ ድኻታት ማእከል ክባርኹን ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢቨረያ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢቨረያ ኣብ ዝርከብ ቤት ትያትር ጆኮዛ “ሰላም ንምሕናጽ ዘይተገዳስነት ባህሊ ምብዳህ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ኣስተምህሮ ክቕርቡ እዮም።

ዕለት 23 ጥቅምቲ 2016 ዓም. ሰዓት 10 ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሞንተ ስተላ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰዓት 11.30 ኣብቲ ብፁዕ ታድኦ ዝዓረፈሉ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለደሉ ስፍራ ዝቖመት ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣንጦኒዮስ መንፈሳዊ ንግደት ከካይዱ ምዃኖም ቱፋኒ ገሊጸን።

ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣመኪቶም ናይ ሰበኻ ኢቭረአ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ቸራቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብፁዕ ኣቡነ ጋላጋር ኣብ ኢቨረአ ንኽርከቡ ዕድመ ዘቕረበሎም ሰበኻኦም ከምዝዀነ ገሊጾም ብፁዕነቶም ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብ ኢቨረኣ ንኽርከቡ ፍቓደይና ምዃኖም ድማ ከምዘሐጐሶም ገሊጾም እቲ ዕድመ ስለ እቶም ዕለት 24 ጥቅምቲ 1492 ዓ.ም. ኣብ ኢቨረኣ ከተማ ዝዓረፉን ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ብፁዕ ታድኦ መክካርተይ ክብሪ ዝቕረበ ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብዚ እንነብሮ ዘሎን ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ኢቨረኣ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ጋውዲንዚዮን ኣብ ቅዱሳት ማውሪዚዮን ብጾቱን ኣብ ቅዱስ ታደኦ መካርትይን ዘተኰረ ኰይኑ በቲ ናቶም መንፈሳውነት መሰረት እናተገልጸን እናተነብረን ኣብቲ ፍጹምን ልዑልን ምሕረት ስቡእ ኰይኑ ኣባና ዝበጽሐን ብኢየሱስ ክርቶስ ዝተገልጸልና ፍቕሪ ማእከል ብምግባር ይንበር ኣሎ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ሊቨርፑል ዕለት 23 ጥሪ 1954 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 31 ሐምሌ 1977 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ሰበኻኦም ምኽትል ቆሞስ ኰይኖም ኣብ ኣገግሎት እንከለዉ ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ከብሉ ናብ ሮማ ተላኢኾምን ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክባ ተቛም ሕንጸ ክረኽቡ ተኣዚዞም ብኽልቲኡ መደብ ሕንጸት ሊቕነት ኣመስኪሮም ምስ ኣብቅዑ ካብ ዕለት 1 ግንቦት 1984 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ሉኡኽ ኰይኖምን ፈለማ ኣብ ታንዛኒያ ደሓር ድማ ኣብ ኡራጓይ ቀጺሎም ኣብ ፊሊፒንስን ዕለት 18 ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኰይኖም ተመዲቦም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ብሩንዲ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 22 ጥሪ 2004 ዓ.ም. ምስ ተላእኩ ዕለት 13 መጋቢት 2004 ዓ.ም. ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ኢድ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ዝተቐበሉ ክዀኑ እንከለዉ ዕለት 9 ለካቲት 2009 ዓ.ም. ብቕዱስነቶም ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጓተማላ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ንኸገልግሉ ተላኢኾም ከምዝነበሩን ቀጺሎም ድማ ዕለት 11 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ኣውስትራሊያ ተላኺሞ ከምዘገልገሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓቢሩ ዕለት 8 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ንኸገልግሉ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተመዙ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.