2016-10-20 16:42:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰማዕትነት ብፁዕ ፖፕየሉስኮ ኣብነት ክርስትና ሕይወት


ዕለት 19 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ኣብ ፖላንድ ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት 1984 ዓ.ም. ስለ እምነቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኣባ ብፁዕ ጀርዝይ ፖፕየሉስኮ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም ብፁዕ ሰማዕት ፖፕየሉስኮ ኣብነት ሕይወት ክርስትና እንክብሉ ገሊጾም፥ ስለ እቶም ኣብ ስቓይ ዝርከብ ርሒጸ ሓደርን ኣባይቲ ስድራኦምን ፍትሒ ክረጋገጸሎምን መነባብሮ ሕወቶም ክመሓየሸሎምን ነጻነት ብሄርን ሃይማኖትን ኣብ ሃገሮም ክረጋገጽ ዝተጣበቑን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕ. 12,21 “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር በቲ ኣከይ ኣይትስዓሮ” እንክብል ዝገለጾ ልዑል መንፍሳውነት ናይ ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ሰንደቕ ገይሮም ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩን እዮም። ሎሚ እውን እዚ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣኻትኩምን ንመላእ ኣባይቲ ስድራ ፖላንድን ዕለት ብዕለት ነቲ ወንጌላዊ ሰናይ ብምንዳይ ቅኑዕ ማሕበራዊ ስርዓት ንምሃንጽን ብድሆ እዩ። ስለዚህ ኣብነቶም ተኸተሉ ከምዝበሉ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኣባ ብፁዕ ጀርዝይ ፖፕየሉስኮ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዞባ ቢያልይስቶክ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦኮፕይ ዕለት 14 መስከረም 1947 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 28 ግንቦት 1972 ዓ.ም. ካብ ኢድ ብፁዕ ካርዲናል ውይስሸንይኪ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎምን ናይ ቅዱስ ስታኒስላው ኮስትካ ቆሞስ ከይኖም ንርሒጸ ሓደር ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ፍሉይ ቆላሕታ እናገበሩን ብእምነት እናሃነጹን ናይ ጸሎት መደባት እናሰናደዉ ኣብ ምግልጋል እንከለዉ እዚ ኣገግሎቶም’ዚ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ፍትሕን ነጻነትን ዝጭርሕ ብምዃኑ ድማ እዚ ዘስገኦ ናይታ ሃገር ዴሲያዊ መግስቲ ውሳኔ መሰረት ዕለት 19 ጥቅምቲ 1984 ዓ.ም. ብሰለስተ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚንስትር ኣባላት ደህንነት ተጨውዩ ብዘስካሕክሕ እኵይ ተግባር ከምእተቐትለን ሎሚ ኣብ ቅዱስ ስታኒስላው ኮስትካ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ትሩፋቱ ተዓቂቡ ዝርከብ ምዃኑ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እዚ ቅዱስ’ዚ ኣመልኪቶም ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣካይደምዎ ኣብ ዝነበሩ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ብቕዱስ ኣቦና ውሳኔ መሰረት ዕለት 6 ሰነ 201o ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ርእሰ ከተማ ቫርሳቪያ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ብፅዕና ከምዝኣወጀትሎም ኣኵይሊኖ የዘኻኽራ።

እዚ ብፁዕና ዝእወጀሉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ፖፕየሉስኮ ኣብ መንጐ ኣሕዛብን መርሕነት ኣካልን ሕውነትን ምክብባርን ናይ ሰብኣዊ ፍጡር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ጽንኩር ኩነትን መነባብሮን ዝርከቡ ክኽበረሎምን ዝዀነ ይዅን መንግስታዊ ስርዓትን ርእየት ዓለምን ክዘምብዖ ዘይግብኦ ናይ ሕሊና ነጻነት ክኽበር ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣውን ኣካላውን ማሕሰይቲ ዘስዕብ ዝነበረ ዓብላሊ መንግስቲ ከይፈርሑ ዘተሓሳስብ ዝነበረ እዩ፥ ወንጌል እናበሰረ መላእ ሕይወቱ ነቲ ስለ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ነጻነትን ድሕነትን ገዛእ ርእሱ በጃ ዝገበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣናማዕደወ ወንጌላዊ ሃሴት ዝነበረ እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ ኣኵይሊኖ ዘኪሮም ስለ ዘሳድዱና ወትሩ ክንጽልይ ዘተባብዕ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቃለሉ እውን የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.