2016-10-27 14:24:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መቝጸሪያ ኣእምሮን ልብን ዘጸናንዕ ዘይተሓላለኸ ጸሎት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርት ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ጥቅምቲ ንጸሎተ መቝጸሪያ ዝተወከፈ ምዃኑ ዘኪሮም ምእመናን ጸሎት ምቝጸሪያ ከዘውትሩ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና በቢ ዕለቱ በቲ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ዘሎ እድራሻኦም ኣቢሎም “ጸሎት መቝጸሪያ ወትሩ ኣብ ሕይወተይ ዘሰንየኒ እዩ። ናይ ተራን ቅዱሳንን ጸሎት። ናይ ልበይ ጸሎት እዩ” እንክብሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስሉ ዕለት ድማ ጸሎት መቝጸሪያ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ጸሎት ጽማሬ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ናይ መቝጸሪያ ጸሎት ምስጢራት ምስ ማርያም ሓቢርና ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣቡኡ ምሕረት ዘዕድል ናይ ኢየሱስ ሕይወት ነስተንትን። ብፍቕሩን ንምሕረቱን ንፈሳህ ኣብ መጻእተይናታትን ድኻታትን ነእንግዶን ዕለት ብዕለት ወንጌሉ ንንበር” ከምዝበሉ ገሊጾም።

እቲ ተራን ዘይተሓላለኸን ማርያማዊ ጸሎት ንኣኻትኩም መንእሰያትን ህሙማንን ሓደስቲ መራዑትን መንገዲ ይምራሕኩም ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ኣብ ሕይወትኩም እተስተውዕልሉን ኣብ ግብሪ እተውዕሉሉን መገዲ ዝመርሕ እዩ። እቶም ህሙማን ኣሕዋተይ ነዚ ናይ ኣእምሮን ልብን ምጽንናዕን እብ ውሽጡ ሒዙ ዝጓዓዝ ጸሎት ኣፍቅሩ። ንኣኻትኩም ሓደስቲ መራዑት ኣብታ ሓዳስ ስድራ ቤትኩም ውሽጣዊ መንፈሳዊ ጸሎት እዋን ይኹንኩም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ፍጻሜ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቶም ሰላም እናበሉ ዝሓልፍዎም ንዝነበሩ ምእመናን ኵሎም መቝሪያ ከምዝዓደሉ ዝገለጹ ቸንቶፋንቲ ብምትሕሓዝ ቅዱስ ኣቦና ቅድስቲ ማርያም ንደቃ ቀረባን ክንጽልያን ሓለዋኣን ምሕጽንታኣን እንክንጽልያ ንደገፍና ቅልጥፍቲ እያ። እተጸበይን ጽናሕ ዘይትብል  ከምዝዀነት ኣይረንስዕ። ቅሩብነት ማርያም ናይ ምግልጋል ቅልጥፍናኣ እዩ እንክብሉ ኣብ ሓደ እዋን ዝበልዎ ሓሳብ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.