2016-10-27 14:34:00

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መደብ ናይ ጸዋዕታ ሰሙን


ካብ ዕለ 6 ሕዳር ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ጸዋዕታ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ኰይኑ ክንበርን ጸዋዕታ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውንን; ጸዋዕታ ዘነቓቕሑ መንፍሳዊ መደባትን ክካየድ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ዘነቓቕሖ መደብ ከምእተሰናደወ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

እዚ ክርስቲያን ምእመን ሕይወቱ ኣበይ ዓይነት ጸዋዕታ ከነብሮን ብፍላይ ድማ እግዚኣብሔር ኣበይ ዓይነትን ኣብ ከመይ ዓይነት ጸዋዕታ ኢኻ እትደልየኒ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ቦታ ክርከብ ድምጹ ጽን ናይ ምባል መንፍሳዊ ልምዲ ከበርትዕን ዝድግፍ ሳምንቲ ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችንቸስኮ እብ ክራኮቪያ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም ኣብ ዝገለስዎ ምዕዳን መንእሰይ እነኹልካ ኣብ ሕይወተይ ከምፍቓድካ ንምባል ከየፍርሖ እነዅልካ ንምባል ከይፈርሕ ሓደራ ዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታትን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ኣብ መደባቶም ነቲ ስለ ጸዋዕታ ናይ ጸሎት ሰሙን ከሳኹዑን ነቲ ናይ ጸዋዕታ ሰሙን ብፍላይ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ መንፍሳውን ባህላውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መርሓ ግብርታት ከሰናድዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ሓደራ ከምዝበለን ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሓደራ መልእኽቲ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክራኮቪያ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ሕይወትኩምን ዕቁር ሓይልኹምን ካብ ዘደንዝዙን ዘምክኑን ጉዳያት ኣድሒንኩም ናብቲ ውህበትን ውበትን ዝዀነ መስዋእትነት ናብ ዝሓትት ልዑል ፍቕሪ ከምርሕን ክጓዓዝን ኣይትርሑ እዚ እዩ ትርጉም ሕይወት። ስለ ጸዋዕታ ጸልዩ ኢሎም ከምዝነበሩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ቡርቢድገ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ከምዘስመሩሉ ዝሓበራ ሓቢረን፥ ውፉይ ሕይወትን ጸዋዕታን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን ኣተሓሒዘን ኣብ ሕቡራት መግንግስታት ኣመሪካን እዚ መደብ ናይ ጸዋዕታ ጸሎት ሰሙን ብሔራዊ ጸዋዕታ ናይ ምስትውዓል ሰሙን ብዝብል መደብ ካብ 1976 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዘበገሶ መደብ ምዃኑ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.