2016-10-27 14:30:00

ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንመላእ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓባበርትን ናይ ውፉያን ሕይወት ማሕበራት ልኡካንን


ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣንቶኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ውፉይ ሕይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ማሕበራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘዳለዎ ንመላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባበርቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ውፉይ ሕይወት ማሕበራት ልኡካንን ዝዓደመ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ ውፉያን ሕይወት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ እቶም ናይታ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሶት፤ እናደገፉን እናነቓቕሑን ኣብ ልልያ ክድግፉን እዚ ድማ ብለዋህነትን ሓልዮትን ፍቕርን እቶም ውፉያን ኣብ ስቓይን ድኻምነትን ኣብ ዝርከብሉ እዋንን ቀረባኦም ክዀኑን ሕዝበ እግዚኣብሔ ናይ ውፉይ ሕይወት ክብሪ ብትምህርቶም ክሓንጹን በዚ ተግባር’ዚ ኣቢሎም ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔን ቅድስናን ክንጸባርቑ ሓድራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣማእኪሉ ዝካይድ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ዘፍለጠ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ በዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ሓሳብ መሠረት ድማ ናይ ውፉይ ሕይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ማሕበራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ናይ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባበርቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ መንጐ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍርያማ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ክረጋገጽ ዘነቓቕሕን ንጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝምችእ ኩነት ንምኽዋን ዘተባብዕ ምንቕቓሓትን ውዕዉዕ መንፈሳዊ ስምዒት ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝመርሑ ልኡካን ዘሳትፈ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ብምስንዳው ጓሶትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ብሓባር ነቲ ገዳማዊ ህይወትን ህቡኣን መናንያንን ገዳማውያን ልኡካነ ወንጌልን ዝብል ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንበር ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ከምዝትንትኑን ብሓባር ክጽልዩን ብዝተሓደሰ መንፈስ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ነኸነቓቕሑ ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.