2016-10-27 18:02:00

ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ!


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረከበና ንእምነትና ሕያውን ገስጋስን ንክኸውን ዝሕግዘና ናይ ምሕረት ተግባራት ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ንቀጽል፣ እዚ ተግባራት እዚ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ክሳዕታ መወዳእታ ምስ ጐይታ ዝራኸበላ ዕለትን ሰዓትን ዘይደኽሙን ዘይህከዩን ምዃኖም የመልክት ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ንጐይታ ኣብቶም ረድኤቶም ዝሓቱ ጽጉማት ኣሕዋቶም ከምዝረኽብዎ ብምትእምማን እዩ፣  ሎሚ ኣብታ ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርናያ ‘ጋሻ ነይረ ኣእንጊድኩምኒ ዓሪቀ ነይረ ከዲንኩምኒ’ (ማቴ 25.35)፣ ንዝብላ ቃላት ጐይታ ክነስተንትን ኢና፣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ከም ሎሚ ጉዳይ ኣጋይሽ ዓዚዙ ይረኤ፣ ቊጠባዊ ቅልውላው ግርጭታትን ውግእን ክሊማዊ ለውጢ ንብዙሓት ካብ ቤትንብረቶምን መረበቶምን ንክስደዱ የገድድ ኣሎ፣ እንተ እዚ ኮይኑ እንተ እቲ ስደት ኩሉ ግዜ ምስ ታሪኽ ደቂሰባት ዝተታሓሓዘ እዩ፣ ስደትን መከራን ናይ ግዜና ጸገም ጥራይ ገርካ ምርኣይ ምዝንጋዕ ዝኽሪ ታሪኽ እዩ፣

ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ጭቡጥ ኣብነታት ስደት የቅርበልና፣ ነቦና ኣብርሃም ምሕሳብ እኹል እዩ ይመስለኒ፣ መጸዋዕታ ኣምላኽ ካብ ዓዲ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ክስደድ ይደፍኦ፣ ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ’ (ዘጸ 12.1) ይብሎ፣ ከማኡ ኸኣ ንሕዝበ እስራኤል ካብቲ ባሮት ዝነበሩሉ ምድሪ ግብጺ ክወጹ ይእዘዙ እሞ ክሳብ ኣብታ እግዚኣብሔር ዘተስፈወሎም ምድረ ተስፋ ዝበጽሑ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ኰለል ይብሉ፣ ከማኡ ዘመሰለ ስደት ከኣ ነታ ቅድስት ስድራ ማለት ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስ ሕጻንን የጋጥሞም፣ ‘ዮሴፍ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ።’ (ማቴ 2,14) ዝብል ነንብብ፣ ታሪኽ ደቂ ሰባት ታሪኽ ስደት እዩ ክንብል ንኽእል፣ ዳርጋ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘይተሰደደ ሕዝቢ የሎን ክንብል ንኽእል፣

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ሽሕኳ ብዙሕ ማሕበረሰባዊ ምስሕሓባት እንተነበረ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዓቢይ ናይ ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ኩነታት ርኢና፣ ሎሚ ግን ኣጋጢሙና ዘሎ ቅልውላው ቊጠባ ናይ ምዕጻውን ዘይምቅባልን ዝንባሌ ከምዝስዕርር ገሩ ኣሎ፣ ኣብ ገገሊኡ ሃገራት ዶባት ብመንደቅ ናይ ምዕጻው ኩነት ይረኤ፣ ማዕረ ማዕረ እቶም ንስደተኛታት ክሕግዙን ክረድኡን ዝጓየዩ ናይ ግሊ ጥቅምን ንኣይ ይጥዓመንን መንፈስ ዝዓብለሎ ግመ ከምዘንጸላሉ ግሁድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ኮይኑ መዓጹኻ ምዕጻው ፍታሕ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ብዝሓሰመ መንገዲ ንንግዲ ደቂ ሰባትን ካብ ሕጊ ወጻኢ ገበናት ንምፍጻምን ይዕድም፣ እታ እንኮ ፍታሕ ናይዚ ምሕዝነትን ምድግጋፍን እዩ፣ ምድግጋፍ ምስ ስደተኛ ምድግጋፍ ምስ ኣጋይሽ የድሊ፣

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሎሚ እውን ናይ ክርስትያን ዘቦኡ ግደን ግዴታን ብህጹጽ የድሊ፣ ንዝሓለፈ ዘመን እንተተመልከትና ዘደንቅ ተግባር ቅድስት ፍራንቸስካ ካብሪኒ ክንዝክር ንኽእል፣ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ምስ ብጾታ ብምዃን ምሉእ ሕይወታ ነቶም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስደዱ ዝነበሩ ኣብ ምርዳእ እያ ኣሕሊፋቶ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ኩሎም ክርስትያን ናይዚ ዓይነትዚ ምስክርነት የድሊ፣ በዚ ከኣ ናይ ምሕረት ተግባራትና ናብቶም ዘድልዮም ጽጉማት ሰባት ክበጽሕ ይኽእል፣ እዚ ናይ ንኩሎም ክርስትያን ካልኦትን ዝምልከት እዩ፣ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፣ ካብዚ ዝተርፍ ሓደ እኳ የልቦን፣ ሰበኻታት ቊምስናታት ናይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ተቊዋማት ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ኩሎም ግለሰባትን ነቶም ካብ ዓመጽን ኣስካሕካሒ ናብራ ውግእ ጥሜትን ጭንቅን ንዝሃድሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቅበል ጽውዓት ኢና፣ ንሕና ኩልና ብሓባር ነቶም ሃገር ስድራ ስራሕ ክብረት ዝተሓረሞም ክንሕግዝ እንኽእል ዓቢ ሓይሊ ዕማም ኢና፣ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽተ ከተማ ዘጋጠመ ከዕልለኩም፣ ሓደ ስደተኛ መንገዲ ጠፊእዎ ሓሰው ክብል ዝተዓዘበቶ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ‘እንታይ ትደሊ ኣሎኻ፡ ትብሎ፣ ሳእኒ ኣይነበሮን፣ ንሱ ኸኣ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ቅዱስ መዓጹ ክሓልፍ መንፈሳዊ ንግደት ክገብር እደሊ ይብላ፣ እታ ሰበይቲ ከኣ ሳእኒ ዘይብልካ ደኣ ከመይ ቢልካ ክትጐዓዝ ትብሎ እሞ ታክሲ ትጽውዕ፣ እቲ በዓል ታክሲ ግን ብርስሓትን ጨናን ዘየቅርብ ስደተኛ ምስ ረኣያ መጀመርያ ይኣብዮ ደሓር ግን ይጽዕኖ፣ እታ ሰበይቲ እውን ምሳኡ ትጸዓን እሞ ኣብተን ክሳብ ኣብዚ ዝነበራ ናይ ዓሰርተ ደቃይቅ ግዜ ብዛዕባ ታሪኹ ትሓቶ፣ ነቲ ዘሕዝን ናይ ስቃይ ታሪኽ ውግእን ጥሜትን ጽምእን የዘንትወላ፣ ወያ ሰበይቲ ነቲ ክጽዕኖ ዚኣቢ ዝጸንሔ በዓል ታኽሲ ክትከፍሎ ቦርስኣ ትኸፍት እቲ በዓል ታክሲ ግን ‘ኣይፋል እምበይተይ ኣነ እየ ንዓኺ ክኸፍልኪ ዝግበኣኒ ከመይ ንልበይ ዝልውጥ ታርኽ ከምዝሰምዕ ገርክኒ’ ይብላ። እዛ ሰብ እዚኣ ናይቲ ስደተኛ ስቃይ እንታይ ከምዝኾነ ትፈልጥ ነራ ከመይ ብትውልዳ ኣርመናዊት እያ ናይ ሕዝባ ስቃይ ከኣ ትፈልጥ ነይራ፣ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክንገብር ምስ እንፍትን መጀመርያ ይኸብደና ከመይ ርስሓት ኣሎ ጨና ኣሎ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ታሪኽ ንነፍስና ሰናይ መዓዛ ይኾና እሞ ይልውጠና፣ ብዛዕባዛ ታሪኽዚኣ ኣስተንትኑ ነዞም ስደተኛታት እንታይ ክንገብረሎም ንኽእል ቢልና ከኣ ንሕሰብ፣

እታ ካልኣይቲ ነጥቢ ንዕሩቅ ምኽዳን እያ፣ ንሓደ ክብረቱ ዝቀንጠጡሉ ክብረቱ ምምላስ ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን፣ ብርግጽ ነቲ ክዳን ዘይብሉ ክዳን ብምልጋስ እዩ ኮይኑ ነተን ብብዙሕ መንገዲ ዝተገፍዓን ኣብ ጐደናታትን ዝተደርበያን ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን እንክትሓስብ ንክቡር ሰውነት ደቂ ሰባት ወላውን ናይቶም ትሕቲ ዕድሜ ከይተረፈ ንንግዲ ክጥቀመሉ ምርኣይ ክንደይ የሕዝን፣ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ስራሕ ምስኣን ቤት ኣልቦ ምዃን እኹል ደሞ ምስኣን እዚ እውን ሓደ ዓይነት ዕርቃን እዩ፣ ብዓለትን ብእምነትን ብዝመሳሰሎ ካልእ ብዙሕ ኣገባባትን ንሰብ ምጉናይ እውን ካልእ ዓይነት ዕርቃን እዩ፣ ሃየ እምበኣር ክርስትያን ምዃን ብሽም ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ነገራት እዚ ክንምልከትን ብዝቀልጠፈ ሓደ ነገር ክንገብርን ዝተጸዋዕና ኢና፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ምዕጻው መጻወድያ ከይንወድቅ ኣብ ጸገም ኣሕዋትና እንታይ ገደሰኒ ካብ ዝብል መንፈስ ሸለልትነት ንህደም፣ መጠን እቲ ንካልኦት ክንቅበልን ክንረድእን ዝተጓየናንዮን ልብና ዝኸፈጥናዮን ሕይወት ትዕምብብ ንማሕበረሰብና ሰላም ንደቂ ሰባት ከኣ ሙሉእ ክብረቶም ክንመልሰሎም ንኽእል፣ ናይታ ሰበይትን ስደተኛን በዓል ታክስን ታሪኽ ኣይትረስዑ’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.