2016-11-03 15:16:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና መበል 17 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሽወደን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናብ ስዊድን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ኣየር በረራ ጉዕዞ ነተን ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ነዘቋረጹለን ሃገራት ኢጣሊያን ኦስትሪያን ጀርመንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ

ንኢጣሊያ

ክቡርነቶም

ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ

ናይ ሉተራን ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምኽንያት ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ብዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ብሓባር ንምኽባር ናብ ስዊድን ኣብ ዝገብሮ ዘለኹ ሓዋያዊ ምብጻሕ ንዓኹም ዝተኸበርኩምን ንሕዝብኹምን ንሃገረ ኢጣሊያ ሕብረተሰብኣውን መንፍሳውን ውሕስነት መታን ከዓትር ዓሚዩቕ ብዝዀነ መንፈሳውዊ ጸሎተይ ከምዘብፅሕ ብምርግጋጽ ሓዋርያዊ ቡራኬይ ከመሓላልፍ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኦስትሪያ

ክቡርነቶም

ናይ ረፓብሊካዊት ኦስትሪያ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መራሔ

ኦሪስ ብረስ

ቪየና

ናብ ስዊድን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ናይ ኦስትሪያ ናይ በረራ ኣየር ዶባታ ኣብ ዘቋርጸሉ ዘለኹ እዋን ንሃገርኩምን ሕዝብኹምን ብኣኹም ኣቢለ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እናበልኩ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ብሰላሙን ብጽንዓቱን ክባርኸኩም እጽልይ።

ንመላእ ሃገር ኦስትሪያ መለኮታዊ ቡራኬ እምሕጸን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ክብርነትኩም

ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ጆኣኪም ጉዋኽ

በርሊን

ንኽብሩነትኩምን ንጀርመን ሕዝቢ ብጠቕላላ ንሓዋርያዊ ብምጻሕ ናብ ስዊድን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ናይ ጀርመን ዶባት በረራ ኣየር ኣብ ዘቋርጸሉ ሰዓት ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል። ንመላእ ሃገርኩም ናይ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ቡራኬ እምሕጸን።

ሰላሙን ውሕስነቱን ነኸረጋግጸልኩም እጽልይ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ሰዓት 11 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ስዊድን ማልሞ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናይ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽን ብዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ላዕልዎት ኣካላት ብዝተሰነዩ ብናይ ስዊድን መራሔ መንግስቲ ስተፋን ሎፍቨን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ስዊድንን ብሔራዊ መዛሙራት ምስ ተሰምዔ ቅዱስ ኣቦና ብናይታ ሃገር መንግስቲ ኣብ ዝተሰናደወሎም ናይ ምሳሕ ግብጃ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ትኩእ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በቺዩን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናን ኩርት ኮኽን ኣብ ስካንዲናቭያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮዋኪ ተሰንዮም ተቓዲሶም ምስ ኣብቕዑ ልክዕ ሰዓት ሓደን 35ን ደቓይቕ ንናይ ሃገር ስዊድን ንጉሳ ክብሪ ናብ ቤተ ንጉሳን በጺሖም ምስ ንጉስ ካሮሎ መበል 16ን ንግስቲ ሲልቪያን ተራኺቦም ኣብኡ ክሌኣዊ ዝርርብ ኣካይዶም ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት ክልተን ርብዕን ኣብቲ ብሉተራናዊትን ካቲሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተሰናደወ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ንምስስታፍ ኣብ ሉንድ ናብ እትርከብ ሉተራናዊት ካቴድራል ብምዃድ፥

ልክዕ ሰዓት ክልተን ፈረቓን እቲ ናይ ሓባር ጸሎት ብመዛሙርን ምንባባት ቅዱስ መጽሓፍን ተሰንዩ ምስ ተበገሰ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሉተራን ፈደራላዊ ማሕበር ኣቦ  መንበር ክቡር ኣቡነ ሙኒብ ዩናን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ኣብ መንጎ ተኸተልቲ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ኣፍሲሱ ክሰርሕ ንምርኣይን ንምምስካርን ብምብቃዔይን ሎሚ ኣብዚ ምህላወን ዓቢ ሓጎስ ይፈጥረለይ፣ መንፈስ ቅዱስ ብቃላት ማርቲን ሉተር ጌር ይጽዉዕ ይእክብ የብርህ ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከብ ቤተክርስትያን ከኣ ይቅድስ፣ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ ሓቀኛ እምነት ንክትጸንዕ ከኣ ይሕልዋ ይብል ኣሎ፣ ሎሚ ኣብ ከተማ ላንድን ማልሞን ዘመናዊ ተኣምር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንምስክር ኣሎና፣ ሎሚኸስ ነቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 17.20 ‘ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።’ እንክብል ዘቅረቦ ክህነታዊ ጸሎት ናይ ሓድነት ተስፋ ይህበና፣ ካብ ግጭት ናብ ውህደት ብምጉዓዝና ንቅድስት ስላኤ ነመስግን፣ እዚ ታሪኻዊ ርክብና ሎሚ ንመላእ ዓለም ናብ ሰላማዊ ዕርቂ ዝወስደና እምነታዊ ድልውነትና ንገልጽ ኣሎና፣ ሃይማኖታውያን ንሓድነትን ዕርቅን ክሰርሑ ከለው ናይ መላእ ዘመደ ኣዳም ምዕባሌ እዩ ዘገስግስ፣ ንኩሉ ምስክርነት ናይ ኣሕዋት ጽን ቢለ እንክሰምዖ ልብኻ እዩ ዝሰብር፣ ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ሓደ ኣካል እንክሳቀ እቲ ካልእ ክፍሊ ኣካል እውን ሓቢሩ እዩ ዝሳቀ፣ (1ቆሮ 12.26) እንክብሉ ብዛዕባ ሓድነት ገና ክግበር ዘለዎ ብዙሕ ከምዘሎ ምስ ጠቀሱ ብዛዕባ ኣብ ክሊማ ዝረኤ ለውጥስ ይኹን ካልእ ጸገማትን ዘርዚሮም ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ብምምልካት እዚ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ብሓዲስ መንፈስ ንቅድሚት ክግስግስ ሓደራ ቢሎም፣  ሉተራውያንን ካቶሊካውያንን ክፋቀሩን ነሕዋቶም ክሕግዙን ብዝተጸውዕዎ መስራት ክፋቀሩን ነሕዋቶም ክሕግዙን ምርኣይ ብሓቂ ደስ ዝብል እዩ፣ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዛሓልና ክብሉ ዘረባኦም ዛዘሙ፣

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

“ኣባይ ንብሩ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ” (ዮሓ. 15,4) ጐይታ ኢየሱስ ነዚ ዝበሎ ብዘየዳግም ኩነት ገዛእ ርእሱ ኣብ መስቀል ኣሕሊፍ ቅድሚ ምሃቡ እዩ። ንኣና ዘለዎ ፍቕርን ትርታ ልቡን ነቶም ናቱ ዝዀኑ ናይ ሓድነት ድላዮም ንኽሰምዑ ዝድርኽ እዩ። ንሱ እውነተይና መንገዲ ንሕና ድማ ጨናፍር ኢና። ከነፍርይ መታን ከምቲ ንሱ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ሓደኣውነት ንሕና እውን ኣብኡ ኣሃድነት ዝነብሩ ክንከውን ይግብኣና።

ኣብዚ ኣብ ሉንድ ብሓባር እነዕርጎ ዘሎና ጸሎት ነቲ ሓደ ምዃን ዝብል ናይ ሓባር ድላይና ንምግላጽ እዩ። … ኦ ጐይታ ሓደ ክንከውንን ሕይወት እውን መታን ክህልወና ብሓባር ዕዉት ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ምስክርነት መታን ከነቕርብ ጸጋኻ ሃበና። ብጐይታ ዝኣምኑ ኣሕዋት ነቲ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ዘሎ ፍልልይ መታን ክውገድ ከይተሓለሉ ብሓባር እተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ዝኣመተ ዘቕርብኦ ጻዕሪ ንጐይታ ምስጋና እዩ።

ካቶሊክን ሉተራንን ብሓባራ ኣብ ናይ ዕርቂ ጐዳና ይጐዓዙ አለዉ። ብፍላይ እቲ ኣብ 1517 ዓ.ም. ዝተበገሰን እነሆ ድማ መበል 500 ዓመቱ ዝዝከር ዘሎ ናይ ሉተራን ህዳሴ ምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራን ማሕበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብሓባር ንሓድነት ዝኣመተ ዝገብርኦ ጻዕሪ ዘሕይል ኣጋጣሚ እዩ። ነቲ ኣብ መንጐና ዝተፈጥረ ምፍልላይ ኢድና ምሃብ ኣየድልን። … ኣቲ ፍልልይ ንምጽባብን ንምውጋድን ዕድል ኣሎና።

ኢየሱስ እቲ ናይ ወይኒ ሕርሻ በዓል ቤት ኣቦይ እዩ እቲ ጨንፈር ከፍሪ እንተድኣ ኰይኑ ፍቓድ ናይ ጐይታ እዩ። ኣብ ኢየሱስ ኩላትና ሓደ ንኽንከውን እግዚኣብሔር ይሓስቦ። ጐይታ ዘንብሮ ሓልዮትን ፍቕሩን ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽና የንጽሕን ብሓባር እቲ እነማዕድዎ ኣሃድነት መታን ክንዕወቶ የበረታትዓና። ብተራና ድማ ብፍቕርን ቅንዕናን ዝሓለፉ ናይ ታሪኽ ኣበሳና ኩሉ ተቐቢልና ምሕረት ክንሓትቶ ይግብኣና። ዝፈርድ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ። እቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣርሒቑ ካብ ዝሓስቦን ዝምነዮን ኣሃድነት ወጻኢ እቲ ንሕና ነቲ ሓድነት ዘርሕቕ እንፍጽሞ ጌጋ ኩሉ ብትሕትናን ቅንዕናን ተኣሚንናሉ በቲ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ሓልዮት ብዘንጸባርቕ መንፈስ ነቲ ሓድነት ዝብል ሕዝበ እግዚኣብሔር ክንመርሖ ይግብኣና። … ብሓደ ሸነኽ ናይ ሓድነት ድላይ ዘለናን ብካልእ መዳይ ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ናይ ምዕጻው ድላይ ኣደዳ ንኸውን። … ብእግዚኣብሔር የዕይንቲ ንኽንጥመት ንፍቀድ። ዝሓለፈ ንምፍልላይ ዝዳረገና ታሪክ ምዝካር ዳግም ንምፍልላይ ዘይኰነስ ንምእራም ብዘቕንዔ መንፈስ ምልስ ቢልና ንኸነንብቦ ዝብል መንፈስ ዘናብብ ክኸውን ይግብኦ።

ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢዅም (ዮሓ. 15,5) ንሱ ወትሩ ንሓድነት ዝመርሓናን ናብ ሓድነት ዘብል ጻዕርና ኩሉ ዝድግፍን ዘበራትዕን እዩ። ፍልልያትና ናይ ብዙሕ ስቓይ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ ብኻልእ መዳይ ብጃካኡ ሓድነትና ክውን ምግባር ዘይከኣለና ምዃኑ የረጋግጸልና። …. ናይ ሉተር ሕዳሴ ማእከልነት ቅዱስ መጽሓፍ ኣነቓቐሐ፡ … ብጀካ እግዚኣብሔር ዝከኣለና ነገር ከምዘየለ የረጋግጸልና። ሉተር ዘቕርቦ ዝነበረ ከመይ ገይሪ መሓሪ ዝዀነ እግዚኣብሔር ክህልወኒ ዝብል ሕቶ? እግዚኣብሔር ተሰግወ ሓምመ ሞቶ ተንስኣ እሙታን ካብ ዝብል ቃለ ወንጌል ምልሲ ረኸበ። ብጸጋ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዝብል ሉተራናዊ ሓሳብ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ቅድሜና ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና። እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ቅድሜና እዩ። … እቲ ናይ ድሕነት ጠመቕ ትምህርቲ ናይ ወዲ ሰብ ህላዌ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጸልና፡ ሓደራ ኣብ ጎዕዞ ሓድነት ብሓባር ንሰጉም።

ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ኣብኡ ስሌና ዝጽልይ ዕርቅና እዩ። ስለ ደቀ መዛሙርቱ ኣሃድነት ነብኡ ጸለየ (ዮሓ. 17,21) ዘጸናንዕን ንውህደት ከነብል ዝድግፈና … ዓለም ካባና ዝጽበዮ እቲ ናይ ዕለተ ዕለት ተመኵሮና ገይርና ኣብ መንጐና እንነብሮ ሚዛን ምሕረት ዝዀነ ናይ ምምሕሓርን ምሕዳስን ይቕረ ምብህሃልን ጭቡጥ ተግባር እዩ። ብሓባር ብሓሴት ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ብምግልጋል ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብግብሪ ኣብሰርቲ ክንከውን ይግባኣና።

… ሉተራናውያንን ካቶሊካውያንን ኣብዛ ሉተራናዊት ካቴድራል ብሓባር ንጽልይ ኣሎና። ብጀካ እግዚኣብሔር ዘይከኣለና ኢና። ኣብ እግዚኣብሔር ሓደ ዝዀነ ህያውነት መታን ክንነብር ደገፉ የድልየና። ደግፈና ንበሎ። ብሓባር ናብቲ ለውሃትን ምሕረትን ዝምነይ ዓለም ቃሉ ነብጽሕ፡ እዚ ንምፍጻም ናቱ ጸጋ የድልየና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስ ኣቦና ካብዚ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝተኻየደሉ ሉተራናዊ ካቴድራል ተሰናቢቶም ክልዕ ሰዓት ኣርባዕተ ካብ ሉንድ 23 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ማልሞ ናብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ብሓባር ብናይ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ክቡር ኣቡነ ዩናንን ናይዚ ፈደራላዊ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ክቡር ማርቲን ዩንግን ጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ተሰንዮን ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን 40 ደቓይቕ ምስ በጽሑ ብሓባር በታ ዝጓዕዙላ ብዝነበረት መኪና ኣብቲ ናይ ስፖርት ሜዳ እናተንቀሳቐሱ ንሕዝቢ ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ ናብቲ ዝተሰናደወሎም ስፍራ ምስ በጽሑ መዝሙራትን ቃል ምስክርነትን ምስ ተሰምዔ ናይ ዓለም ለኻዊ ሉተራናዊ ፈደራል ማሕበር ኣቦ መንበር ክቡር ኣቡነ ዩናን ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል፥

 ቅዱስ ኣቦና፥ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም

ናይ ሕዳሴኣዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ክበዓል ስለ ዝተበጽሔ ንጐይታ ምስጋና ይዅኖ። እዚ ድማ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ብዘቐድም ተግባር ተሓዲሱ ክንነብሮ ከምዝግብኣና ዘስተውዕል መንፈስ የሕድረልና። እቲ በጺሕናዮ ዘሎና ጭቡጥ ውጽኢት ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ። ብሓባር ሉተራናውያንን ካቶሊካውያንን ቆላሕታና ኣብቲ እንኰ ዝዀነ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከነብል ብሓድነት መንፈስ ንርከብ። እቲ ኣብ መንጐና ዝፍጸም ክሌኣዊ ዘተ ብሕደ ሕድ ምልላይን ምርድዳእን እናተሰነየ ኣዚዩ ዓሚይቕ እናዀነ ይኸይድ ምህላዊ እቲ ኣብ መንጐ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ጳጳሳዊ ማሕበርን ዓለም ሓቆፍ ሉተራናዊ ፍፈደራላዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ናይ ልምዓት መደብ ንምርግጋጽን ኣብዚ መዳይ ብሓባር ንምግልጋል ዝፈረምዎ ናይ ሓባር ስምምዕ የረጋግጾ፡ ዝቐረቡ ቃል ምስክርነት … ፍጥረት ኩሉ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ግህዶ እዩ።  እግዚኣብሔር እነስተንትነሉ ግልጸት እዩ። … ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ግልጸት እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽን ምዝመዛን… ብከላ ናይ ተፈጥሮ ኣየርን ክላእን… ናይዚ ኩሉ ዓመጽ ኣደዳ ድማ ድኻን ተነቃፍን ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ። ክንክንን ሓለዋን ፍጥረትን ተፈጥሮና ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ። … ብእንገብሮ ሰናይ ዘበለ ኵሉ እግዚኣብሔር ይሕጐስ።

ብፁዕ ኣቡነ ሄክቶር ፋቢይ ስለ እቲ ናይ ሉተራንን ካቲሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ኰሎምቢያ ዝፍጽምዎ ተግባር መስኪረሙልና እዮም። … ማርገሪተ ድማ ኣብ ዘስምዓቶ ቃል ምስክርነት ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ኣደዳ ዝዀነ ሕጻናትን ከምኡ ድማ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ብሓቂ ናይቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነጸብራቕ ምኻኑ ዝረጋግጽ እዩ።…. ሮዘ ድማ ወልድ እግዚኣብሔር ኣብ ምዃን ዘሎ ሓጐስ ብኣኡ ምፍቓር ዘዕድሎ ሓሴት ዘማእከለ ምስክርነት ኣስሚዓትና…. ስለ ሰላም ንጸልይ ብፍላይ ድማ ነታ ሓዳሽን ንእሽተይ ሃገረ ደቡብ ሱዳን።

ተቐማጢ ኣለፖ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ኩነታት ሶሪያ ዘማእከለ ዘቕረብዎ ምስክርነት ናይ ዓለም ጽሕፎት ሓላፍነት ዘለዎም ዓበይቲ ኣካላትን ሃገራትን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ክተግሁን ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ክተግህ ዝዕድም እዩ።

ፍቱዋት ኣሕዋተይ ኣሓተይን ብጽልእን ምቅሕሓርን ኣይንሰዓር፡ እቶም ዝቐረቡ ቃል ምስክርነታት ድማ ብሓባር ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክንዓዪ ዝድርዅ እያቶም። ነናብ ኣባይትና ምስ ተመለስና በቢ ዕለቱ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ናይ ሰላምን ዕርቅን ምስክርነት ዘቃልሑ ተግባራት ኣብ ምቕራብ ከም ክርስቲያን ንትጋህ ሓደራ። ተስፋ ኣየጕህይን ከይቀንዔ ኣይተርፍን! የቐንየለይ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ዕለት 1 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስወድባንክ ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ምስ መላእ ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን ነብዕል ኣሎና፣ ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነቶም ቅድስናኦም ዝተኣወጀሎም ጥራይ ዘይኮነ ነቶም መላእ ሕይወቶም ብእምነት ክርስትና ዝተመልኤ ኮይኑ ግን ብዘይ መጠን ትሑታትን ገርሀይናታትን ብምዃኖም ሕቡእ ሕይወት ቅድስና ስለዘሕለፉ ቅዱሳን ንዝክር፣ ብርግጽ ምስዚኦም ብዙሓት ኣዝማድናን ኣዕሩኽትናን እንፍለጦም ሰባትን ኣለው፣ 

ስለዚኸስ ሓደ ፍሉይ ቅድስና ነብዕል ኣሎና፣ እዚ ቅድስና እዚ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝተኣትወ መብጽዓ ዕለት ዕለት ብተኣማንነት ብምንባርን ብምምስካርን እምበር ዓበይቲ ፍሉያት ተኣምራት ብምፍጻም ኣይኮነን፣ እዚ ቅድስና እዚ ንፍቅሪ እግዚኣብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ዘቀደመ እዩ፣ እዚ ፍቅሪዚ ካብ ዕብየቱ ዝተላዕለ ንገዛእ ርእስኻ ረሲዕካ ኩለንትናኻ ንኣገልግሎት ካልኦት ምውፋይ እዩ፣ ከምቲ ንደቆምን ንስድራቤትምን ኩሉ ዝስውኡ ኣደታትን ኣቦታትን ምሕሳብ ይከኣል፣ እዞም ሰባትዚኦም ስድራን ውሉድን ዝሓቶ መስዋዕቲ ዓቢ ምዃኑ እናፈለጡ ብዙሕ ናይ ግሎም ነገራትን ሕልምታትን ብፍቃዶም ይሓድጉ እሞ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ይውፈዩ፣

ኮይኑ ግን ንቅዱሳን ፈልዩ ከምዝልለዩ ዝገብሮምን ብሓቂ ሕጉሳት ዝገብሮምን ጉዳይ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ነታ ኣብ ውሽጢ ልቢ እትርከብ ካብ ፍቅሪ እግዚኣብሔር እትፍልፍል ሓቀኛ ታሕጓስ ስለዘለለይዋ እዩ፣ ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱሳን ብጹዓን ተባሂሎም ዝስመዩ፣ ብጽዕናኸስ ሕይወቶምን ዕላማኦምን ሃገሮምን እያ፣ እዚ ብጽዕና እዚ ጐይታ ባዕሉ ዝሕብረና መንገዲ ሕይወት እዩ በዚ ከኣ ኣሰሩ ክንስዕብ ንኽእል፣ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ብጹዓን እዮም ክብል ኣብ ርእሲ እምባ ኮይኑ ዝሰበኾ ሰሚዕና፣

እዘን ጐይታ ዝኣወጀን መንገዲ ብጽዕና ንሱ ባዕሉ ዝተኸተለን ኮይነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መምርሒ ሕይወት ከኣ እየን፣ ኣብ መንጎኤን የውሃት ብጹዓን እዮም ትብል ኮይና ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 11.29 ከኣ ‘ኣነ የዋህን ትሑት ልብን እየ እሞ ካባይ ተመሃሩ’ ይብለና፣  መንፈሳዊ መለለዪ ጐይታ እዚ እዩ በዚ ከኣ ሃብቲ ፍቅሩ ይገልጸልና፣ ለዋህ ኰንካ ምንባር ናብ ኢየሱስ ዘቅርበናን ኣብ ነንሕድሕድና ከምእንወሃሃድ ዝገበርና መንፈሳዊ ሓይሊ ኮይኑ ነቲ ዝፈላልየና ዝቋመናን ገዲፍና ንሓድነት ዝኲስኲሱ ሓደስቲ መንገድታት ሃሰስ እናበልና ንሓድነትን ውህደትን ንምምዕባል እዩ፣ ነዙይ ኣብነት ዝኾኑና ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ቅድስት ማርያ ኤሊዛበታ ሄሰልብላድን ናይ ኤውሮጳ ጠበቃ ዝኾነት ቅዱስት ብርጂታ ቫድስተናን ምርኣይ ይከኣል፣ እዚአን ክልተ ቅዱሳት እዚኤን ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት ንክፍጠር ነቲ ዝጠመረናን ሓደ ዝገብረና ናይ ውህደት ምትእስሳር ዝፈጥርን ነገራት ንምርካብ ጸሊየንን ሰሪሔንን፣ ኣብዚ ሎሚ መበል ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ናይ ሉተራዊ ተሓድሶ እንዝክረሉ ዓደን ከኣ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ህዝብታት ብሓባር ክነብሩ ምኽኣሎም ምስክር እዩ፣ ቅዱሳንከስ ብለውሃት ልቢ እዮም ናይ ለውጢ ጸጋ ዝረኽቡ፣ ብለውሃት ልቢ ዕቤት እግዚኣብሔር ክንርዳእ ንኽእል በዚ ከኣ ብንጽሕና ክነምልኾ ንኽእል በዚ ከኣ ነቲ እንኮ ሃብትኻ ዝኾነ እግዚኣብሔር ስለትረክብ ከይጠፍኣካ ወይ ከይትኸስሮ እትፈርሆ ነገር የልቦን፣

መንገዲ ብጽዕናኸስ ናይ ሓደ ክርስትያን መፈለጢ ወይ መንነት እየን፣ እዚ ከኣ ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ብመንገዲ ብጽዕና ክንመላልስ ስለዝተጸዋዕና ነቲ ኣብ ዘመንና ዝኽሰት ስቃይን ቃንዛን ብናይ ኢየሱስ መንፈስን ፍቅርን ክንገጥሞ ኣሎና፣ በዚ መንገዲዚኸስ ብዝተሓደሰ መንፈስን ወትሩ ሓቀኛ ብዝኾነ ኣገባብን ሓደስቲ ነገራት ክነመልክት ንኽእል፣ እቶም እናተዓመጹ ብዓይኒ ምሕረት ዝዕገሱን ብልቦም ዝምሕሩን ብጹዓን እዮም፣ እቶም ነቶም ኩሉ ዘገለሎም ድኻታትን ጽጉማትን ዓይኒ ዓይኖም እናተመልከቱ ዝቀርብዎምን ዝሕግዝዎምን ዘጸናንዕዎምን ብጹዓን እዮም፣ ኩሉ ናይዚ ግዜና ጸገማት ንዝጸለዎ ሰብ ዝሕግዙ ብጹዓን እዮም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ጸዋዕታ ቅድስና ንኩልና ዝቀርብ ጸዋዕታ ስለዝኾነ ካብ ጐይታ ብመንፈስ እምነት ንቀበላ፣ ቅድመና ዝሓለፉ ቅዱሳን ብኣብነት ሕይወቶምን ብኣማላድነቶምን  ይሕግዙናን የተባብዑናን፣ ንሕናውን እንተኾነ ቅዱሳን ንምዃን ሓገዝ ሓድሕድ የድልየና እዩ፣ ሃየኸስ ብሓባር ነዚ ዕድመዚ ብታሕጓስ ንኽንቅበሎ ጸጋኡ ክህበና ንጐይታ ነታ ንግስቲ ሰላም ዝኾነት ንግስቲ ኩሎም ቅዱሳን ኣኖና እግዚእትነ ማርያም ንለምን፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልት ጸሎት መልአከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ኣስተንትኖ

ኣብ ፍጻሜ ስርዓተ ኣምልኾና ንናይ እስቶክሆሎም ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንደርስ ኣርቦረልዩስ ስለቲ ዘቅረበለይ ሰናይ ቃላት ከማኡ እውን ንኩሎም ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ሓገዞም ዘበርከቱ ከመስግን እፈቱ፣ ንናይ ዓለማለኻዊ ሉተራውያን ፈደረይሽን ዋና ጸሓፊ ፕረሲደንትን ናይ እስዊደን ሉተራዊት ቤተክርስትያን ሊቀጳጳስን ከመስግን እፈቱ፣ ንኩሎም ተወከልቲ ኣባላት ኢኩመኒካዊ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣካላት ዲፕሎማስን ንኩሎም ኣብዚ ቅዳሴ ዝተሳተፉን ኣመስግን፣ ልዕሊ ኩሉ ግን እግዚኣብሔር ኣብዚ ክበጽሕን ምሳኹም ክራኸብን ዘኽኣለኒ ኣመስግን፣ ከም ካቶሊካውያን ሓድነትን ውህደትን ኣሎና እሞ እምነትኩም ብተግባር ክትነብሩ ብጸሎት ምስጢራት ብምስታፍ ክትድግፍዎ እላቦ፣ ኣብ እትነብሩሉ ኩሉ ብርሃንን ጨውን ኰንኩም ከም ኣገባብ ኢየሱስ ብተግባርኩምን ኩነትኩምን ኮታ ብሕይወትኩም መስክሩ፣ ኣብ ሕይወትና በይንና ኣይኮናን እኖና እግዚኣትነማርያም ወትሩ ተሰንየና እያ፣ ሎሚ ካብዞም እንዝኽሮም ቅዱሳን ቀዳመይቲ ቅድስቲ ኰይና ኣብ ማእከልና ትርከብ፣ ከመይ ቀዳመይቲ ተኸታሊት ወዳ ስለዝኾነት፣ብጸጋኣ ክትሕልወናን ክትረድኣናን ናብኣ ንማዕቆብ ድሕሪ ቢሎም ከምቲ ወትሩ ዝምሕጸንዎ ኩሎም ምእታኦም ጸሎት ክገብሩ ኣዘኻኺሮም ፣ ኣብ መወዳእታ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ምእመናን ድሕሪ ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ኣሰናበተዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.