2016-11-10 13:13:00

ንሕሙማትን እሱራትን ምብጻሕ ኩሉ ግዜ ጭቡጥ ናይ ምሕረት ተግባር እዩ፣ ር.ሊ.ጳ


‘ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ።  ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም። ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደሮም ኵሎም ናብኡ ኣምጽኡ። ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።’ (ማር 1.30-34)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሕይወት ኢየሱስ ምናዳ ኣብተን ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተልእኮኡ ዝፈጸመለን ሰለስተ ዓመታት ብዘይምቊራጽ ምስ ሰባት ብምርኻብ እየን ዝልለያ፣ ኣብ መንጎ እዚ ንሕሙማት ፍሉይ ቆላሕታ ነርዎ፣ ብዙሕ ናይ ወንጌል ገጻት ነዚ የዘንቱ፣ ብዛዕባ ሓደ ድውይ ሓደ ዕውር ሓደ ለምጻም ጋኔን ዝሓዞ ወዘተ እናበለ ብዙሕ ሕማማት ይዝርዝር፣ ኢየሱስ ናብ ነፍሲወከፎም ቀሪቡ ብህላዌኡን ፈዋሲ ብዝኾነ ክእለቱን ይፍውሶም ነበረ፣ በዚ ከኣ ኢና ኣብ ዝርዝር ናይ ምሕረት ስራሓት ንሕሙማት ምብጻሕን ምሕጋዞምን ዝጥቀስ፣

ምስዚኣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ንዘለው ምብጻሕ ትብል እውን ክንውስኸላ ንኽእል፣ ከም ሓቁ ዝሓመሙስ ይኹኑ ዝተኣስሩ ድሩት ነጻነት እዩ ዘለዎም፣ ንሓደ ነገር ምስ ሰኣንካዮ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ትርዳእ። ሽሕኳ ድሩትነት ሕማምን መኸላእታን ይሃልወና እምበር ኢየሱስ ግን ምሉእ ሓርነት ኣልቢሱና እዩ። እዚ ኢየሱስ ዝልግሰልና ሓርነት ምሳኡ ካብ ምርኻብን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንግላዊ ኩነታትና ሓዲስ ትርጉም የልብሶ፣

በዘን ናይ ምሕረት ስራሓት ማለት ንሕሙማትን እሱራትን ብምብጻሕ ጐይታ ሓደ ዓቢይ ናይ ሰብአውነት ርሕራሔ ይምህረና! እዚ ከኣ ዘሎካ ኩሉ ምክፋል እዩ፣ ነዛ ቃል እዚኣ ንዘክራ ዘሎካ ኩሉ ብሓባር ምስ ካልኦት ምክፋል፣ ዝሓመመ ሰብ ብዙሕ ግዜ በይኑ ኮይኑ ይስምዖ፣ ጽምዋ ይስምዖ። ኣብ ሕይወትና እንክንሓምም ዓቢ ተመኲሮ ናይ ጽምዋ ከምዘጋጥመና ክንሓብኦ ኣይንኽእልን፣ ናብ ሕሙም ንገብራ ሓንቲ ሓጻር ምብጻሕ ነቲ ሕሙም ጽምዋ ከምዘይስምዖ ይገብር፣ ንሕሙም እንክተሰንዮ ፍወሳውን ይኾኖ፣ ንእሽቶ ዕላል ንእሽቶ ሰላምታ ዚኣመሰሉ ናኣሽቱ ነገራት እኳ እንተመሰሉ ንጽምዋን ብሕታውነትን ዝስምዖ ሕሙም ኣድለይቲ እየን፣ ክንደይ ኮን ንኸውን ንዝሓመሙ ኣብ ሆስፒታል ይኹን ኣብ ገዛኦም እንበጽሕ! ክተርፍ ዘይብሉ ወለንታዊ ተግባር እዩ፣ ብስም እግዚኣብሔር እንተገበርናዮ ከኣ ብዝበለጸ ናይ ምሕረት ከኣልን ቅርጥውን ተግባር ይኸውን፣ ንሕሙማት በይኖም ኣይንግደፎም! ካብ ብምብጻሕና ዝረኽብዎ ምጽንናዕን ባህታን ኣይንከልክሎም፣ ንሕናውን ንዝሳቀ ሰብ ብምስናይና ጸጋ ኣብ ርእሲ ንቅበል፣ ሆስፒታላት ሓቀኛ ካተድራላት ስቃይ እየን ኮይኑ ግን እቲ ደጋፍን ርሕራሔ ዝገልጽን ሓይሊ ፍቅሪ እውን ኣባኡ እዩ ዝርከብ፣

ነዙይ ብዝመሳሰል መንገዲ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤትማእሰቲ ተዓጽዮም ዘለው እሓስብ! ኢየሱስ ነዚኦም እውን ኣይረሰዕምን፣ ተኣሲረ ነረ በጺሕኩምኒ እንክብል ንምብጻሕ እሱራት ሓንቲ ካብ ናይ ምሕረት ስራሓት እንከስፍራ ንማንም ከይንፍረድ ከጠንቅቀና ስለዝደለየ እዩ፣ ርግጽ እዩ ሓደ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝዳጐን እንተተጋገየ እዩ ማለት ሕግን ስርዓት ማሕበርን ኣይኸብረን ማለት እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ናይ መቅጻዕቱ ዕለታት ይቈጽር፣ ኮይኑ ግን ዝኾነ እስረኛ ዝገበረ ይግበር ወትሩ እግዚኣብሔር ምስ ኣፍቀሮ እዩ፣ መን እዩ ኣብ ሕልና ሓደ እሱር ኣትዩ እንታይ ከምዝስምዖ ክምርምር ዝኽእል! ኣብ ልቡ ዘሎ ቃንዛን ጣዕሳን መን ክርድኦ ይኽእል! ተጋግየ እየ ቢልካ አእዳውካ ክትሓጽብ ቀሊል እዩ፣ ሓደ ክርስትያን ግን በደሉ ክሽከምን ኣብ ገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ክእረምን ዝተጸውዔ እዩ፣ ንወዲሰብ ካብ ዝሓሰማ ነገራት ነጻነት ምስኣን እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ሕሱም ኣተሓሕዛ እንተተወሲኽዎ ኣብዚ ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ክብርን መሰልን እሱራት ንኸምልስ ዝተኻእሎ ክገብር ኣለዎ፣

ኣብ ቤትማእሰርቲ ንዘለው ምብጻሕ ምናዳ ኣብዚ ዘመንና ጸቂጡ ሒዙና ዘሎ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ገበናት ዓቢ ክብሪ ኣለዎ፣ ማንም ንማንም ኣይፍረድ፣ ኩልና ንዘሎና ብምክፋልን ብኣኽብሮትን  መጋበሪ ናይ ምሕረት ስራሕ ንኹን፣ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እሱራት እሓስብ ኣብ ልበይ ከኣ ተሰኪመዮም እጐዓዝ፣ እንታይ ኮን ይኸውን ንኽጋገዩ ዝደፈፍኦም ኢለ እሓስብ፣ በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ክንቀርቦምን ፍቅርና ክንገልጸሎምን ኣሎና ከመይ ምሕረት እግዚኣብሔር ተኣምር ስለዝገብር ክሕግዞም እዩ፣ እሱራት ክበጽሕ ኣብ ዝኸድክሉ መጠን ኣልቦ ንብዓት ብመዓጓጒርቶም ክውሕዝ ተዓዚበ ምናልባት እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ሕይወቶም ነቢዖም ኣይፈልጡን ይኾኑ ከምዚ ብምንባዖም ተቀባልነትን ፍቅርን ከምዝረኸቡ ትግንዘብ፣

ኢየሱስን ሓዋርያትን ኣብ ቤትማእሰርታት ከምዝተዳጐኑ ኣይንረስዕ፣ ኣብ ዛንታ ሕማማት ጐ።ኢ።ክ ክሳብ ክንደይ ከዝተሳቀየ ነንብብ፣ ከም ሓደ ገባር ሕሰብ ሒዞም ኣሰርዎኦ ኣላገጹሉ ገረፍዎ ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ ወዘተ ይብል ኮይኑ ግን ንሱ ንጹሕ ነበረ፣ ከማኡ እውን ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን እውን ኣብ ቤትማእሰቲ ከምዝተዳጐኑ ነንብብ (ግሐ 12.5 ፊሊ 1.12)፣ ዝሓለፈ ሰንበት ናይ እሱራት ኢዮቤል ምሕረት ገርና ነረ፣ ድሕረ ቀትሪ ካብ ፓዶቫ ዝመጸ ጉጅለ እሱራት ረኺበ ነረ፣ ቅድሚ ናብ ፓዶቫ ምምላሶም እንታይ ክገብሩ ከምዝደልዩ ሓቲተዮም፣ ‘ናብ ቤት ማእሰርቲ ማመርቲኖ ከድና ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ማእሰርቲ ተመኲሮ ክንዝክር ኢና’ ኢሎምኒ፣ ክትሰምዖ ደስ ዘብል፣ እዞም እሱራት እዚኦም ንእስረኛ ቅዱስ ጳውሎስ ክረኽቡ ይደልዩ፣ ሓዋርያት ምስ ተኣስሩ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ከይተረፈ ወንጌል ሰቢኾም፣ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ንረኽቦ ታሪኽ ማእሰርቲ ጳውሎስ ልብኻ ዝትንክፍ እዩ፣ ጽምዋ ከምዝተሰመዖን ካብቶም ኣዕሩኽቱ ሓደ መጺኡ ክበጽሖ ሃረር ይብል ነበረ (2ጢሞ 4.9)፣ እቲ ዓቢ ሓዋርያ ጳውሎስ ኩሎም በይኑ ስለዝሓደግዎ ጽምዋ ተሰሚዕዎ፣

እዘን ናይ ምሕረት ተግባራት እዚኤን ንዕዘቦ ከምዘሎና ጥንታውያን እየን፣ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ሓዲጉ ሓማት ጴጥሮስ ንምጻሕ ይኸይድ፣ ስለዚ ናይ ሸለልትነት ሓደጋ ከይጥቀዓና ንጠንቀቅ እኳደኣ መጋበሪ ንይ ምሕረት ኣምላኽ ንኹን፣ ንሕና ኩልና መጋበሪ ምሕረት እግዚኣብሔር ክንከውን ንኽእል፣ እዚ ከኣ ነቶም ብሓንቲ ንእሽቶ ናይ ምሕረት ስራሕ ሓንቲ ቃል ሓንቲ ምብጻሕ ወዘተ ምሕረት ንዝመሓላለፎምን ብሓንቲ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ነቲ ጠፊእዎም ዝነበረ ታሕጓስን ዳግም ዝረኽብዎን  ጥራይ ዘይኮነ ንኣና እውን ሰናይ መድሃኒት እዩ፣  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.