ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ናይ ኢጣሊያ ላ ረፑብሊካ ምስ እተሰምየት ዕለታዊ ጋዜጣ መስራትን ጋዜጠይናን ኤውጀኒዮ ስካልፋሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽካይድ ተቓሪቡ ዝነበረ መደብ ምርጫ ርእሰ ብሔር ገና ቅድሚ ምክያዱ ዕለት 7 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዕለት 11 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክምልከት፡ እቲ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ጽማሬ ሓሳቡ ከምዝስዕብ ድማ ነቕርበልኩም፥
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምንም ዓይነት ፍርዲ ክህቡ ከምዘይደልዩ ከምዘይፈትዉ እውን ገሊጾም፡ ኰይኑ ግና ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝኽተልዎ ፖለቲካዊ መስርሕ ንድኻታትን ዝተነጸሉን ግፉዓንን ምኽንያት ስቓይ ከይከውን እቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝኽተልዎ ፖለቲካዊ መስርሕ የገድስኒ እዩ ቢሎም፥ እቲ ዘገድሶም ድኻታን ግፉዓንን እያቶም። ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ዝኸፋፍልን ፈላላይን መናድቕ ነፍርስ ዝብሉን ደጋጊሞም እውን እቲ ዘይማዕርነት ኣብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮን ጸጋታት ተፈጥሮን ክህሉ ዝገብር ፈላላይ መንደቕ ክውገድ ኣለዎ እንክብሉ ዝምዕዱ። ኣክንዲ ፈላላይ መናድቕ ኣራኻቢ ድልድል ነቕውም እቲ ዓለመ ዝረአይ ዘይምዕሩይ ሕይወት ክውገድን ናይ ኩሉ ነጻነትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ምግባር ናይ ፖለቲካ ሓላፍነት እዩ። ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ እቲ ዝምለኽ ገንዘብ ዝፈጥሮ ዘይማዕርነት ክንዋግኦ ይግባኣና።
ውግእን ጽልእን ህላዌ ናይ ክፍኣት መንፈስ መግለጺ እያቶም። ብዙሓት ሃገራት ነቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበቲ ንምጥፋእ ኣጽዋር ምጥቃም ኣማራጺ ዘይብሉ መጋበርያ እዩ ቢለን ዝኣምና ብጽዋር ውግእ ዝተሰየነ ግብረ መልሲ ዝህባ ሃገራት ኣለዋ ብዛዕባኡ እንታይ ትብሉ እንክብሉ ስካልፋሪ ነዘቕረብሎም ሕቶ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ፥ ኣንሕና ክርስቲያን ወትሩ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበልና እውን እንተዀንና እምነት ክርስትና ብዙሕ ከባቢ ዓለም ተዓዋቲ ገይርዎ እዩ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ክልተ ሚሊያርድን ፈረቓን ብብዝሒ ክርስቲያን ዝሽፈን ከይኑ ኣሎ። ኣዚ ጽማ ፍረ ናይ ደም ሰማዕትነት እዩ። ናይዚ ኩሉ ዓወት ውግእን ኣጽዋርን ኣይኰነን ናይ ደም ሰማዕትነተ እዩ። እወ ብዙሓት ሰማዕታ ከምዝነበሩን ከምዘለውን ፍሉጥ እዩ፡ ዓወት ሰማዕትነት እዩ ከምዝበሉ ኣብቲ ንንባብ ዝበቕዔ ቃለ መሕትት ተመልኪቱ ኣሎ።
All the contents on this site are copyrighted ©. |