2016-11-15 18:50:00

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከተማ ባንጊ ማዕጾ ምሕረት እንክዕጾ መንፈስ ኢዮቤል ምሕረት ግን ቀጻሊ ምዃኑ ተገሊጹ


እቲ ቅድሚ ዓመት መብዛሕትኦም መራሕቲ ኤውሮጳውያን ሃገራትን ናይ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ናይ ጸጥታ ኣማኸርትን ኣይከውንን እዩ እናበልዎም ‘ክኸውን እዩ ከመይ ዘይከውን’ ክብሉ ኣብ ኣፍሪቃ ምናዳ ኸኣ ኣብታ ብዓሌታውን ሃይማኖታውን ውግእን ውሽጣዊ ምክፍፋልን ትሕመስ ዝነበረት ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ ርእሰ ከተማ ባንጊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኽገብሩን ማዕጾ ምሕረት ናይ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ቅድሚ ዝተኣወጀሉ ግዜ ክኸፍቱን ብምውሳን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 29 ሕዳር 2015 ዓምፈ ዝተኸፍተ ማዕጾ ምሕረት ትማል ሰንበት ብዕሊ እንክዕጾ ናይታ ካተድራል ቆሞስ ኣባ ማቲው ቦንዶቦ ብተለፎን ንሬድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘እወ ርግጽ እዩ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከተማ ባንጊ ማዕጾ ምሕረት ተዓጽዩ ኮይኑ ግን መንፈስ ኢዮቤል ምሕረት ብቀጻሊ ኣብ ልዕሌናን ልዕሊ መላእ ዓለምን ምዝንባዩ ክቅጽል እዩ’ እንክብሉ እቲ ብዕሊ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዝዕጾ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ንስርየተ ሓጢኣት ዝተወሰና ካተድራላትን መካነ ንግደታትን ኣብያተጸሎታትን ብዕሊ ትማል ሰንበት ከምዝተዓጽዋ ተመልኪቱ፣

ጥቀ ክቡር ኣባ ማቲው ቦንዶቦ ቆሞስ ካተድራል ባንጊ ብተለፎን ንሬድዮ ቫቲካን ብዛዕባዚ ፍጻሜ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ‘ከምዚ ዓይነት ሃዋሁ ፍሉይ እዩ ፍሉይ ስምዒት ከኣ የሕድረልካ፣ ዝሓለፈ 29 ሕዳር 2015 ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እንክንቅበልን ሓዋርያዊ ምብጻሖምን ቅዱስ ማዕጾ ምኽፋቶምን ምናዳ ኸኣ ነታ ብውግእ ተሓሚሳ ዝነበረት ሃገርና ኣብ ማእከል ኣተኲሮ ዓለም ክብ ብምባል ነታ ካተድራልና ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካተድራል ብምግባር ነቲ ኣብ ሮማ ብዕለት 8 ታሕሳስ ብወግዒ ክግበር ዝነበሮ ምኽፋት ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ብምቅዳም ማዕጾ ምሕረት ኣብ ካተድራል ባንጊ ክኸፍቱ ሓደ ዓቢ ፍጻሜ ዳሕረዎት ቀዳሞት ዝኾኑሉ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ፍሉይ መንፈሳዊ ፍጻሜ ክብሎ እኽእል፣ ትማል ሰንበት ከኣ ምስ ምሕጻው ናይዚ ማዕጾ ተመሳሳሊ ስምዒት ነሩ ክብል እኽእል፣ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ባንጊስ ይኹን ኩለን ቊስምናታት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ በዚ ስምዒት እዚ ተዓብሊለን ነረን፣ እቲ ዘገርም ከምቲ ቅድሚ ዓመት ቅዱስነቶም ኣብ ማእከል ክርስትያንን ኣሕትና ኣስላምን ዝገበርዎ ምቅርራብ ንምቅጻል ነሕዋትና ኣስላምን ናይ ከንሻ ኣብያተ ክርስትያንን ዓዲምናዮም ምሳና ተረኺቦም ነሮም፣ ብሓፈሻ ናይ ትማል ሰንበት ኩነት ከም ናይ ምስግና ዕለት ክንብሎ ንኽእል ከመይ ካብቲ ዝነበረ ጭንቀት ነዚ ዓመት ኢዮቤል ብሰላምን ብህድኣትን ኣብ ልዕሊ ምሕላፍና ጐይታ ብሓቂ በዚ ቅዱስ ዓመትዚ ፍሉይ ቡራኬ ንሃገርና ሂቡ ክብል እኽእል ምስ በሉ ‘ከምቲ ኣብ ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾ ሎሚ እውን ኣብ ምዕጻው ናይ ኣስላም መራሒ ኢማምን ናይቲ ከባቢ ከንሻ ጓሶትን ምሳኹም ነሮም እዚ ፍጻሜዚ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትደፍኣሉን ትዋሳኣሉን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዓቢይ ምልክትዶ ክንብሎ ንኽእል! ኣልባብ ሕዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ እውን በዚ ተተንኪፉዶ ክንብል ንኽእል’ ትብል ሕቶ ቀሪባትሎም እንክምልሱ፣ ‘ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ባኒ ኢማም መራሕትን ጓሶትን ዘይካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን ከምቲ ኣብ ምኽፋቱ ምስ ቅዱስነቶም ዝነበሩ ትማሊ እውን ኣብ ምዕጻው ከም መሳኻኽር ምሳና ተረኺቦም እዚ ዘግህደልና ነገር እንተሃልዩ ውግእ ሃይማኖት ከምዘየሎ እዩ፣’ እንክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.