2016-11-15 16:08:00

ካብ ዕለት 16 ሕዳር ክሳብ ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ኣሲሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቅ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ሮማ ከምዝኣተዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ


ካብ ዕለት 16 ሕዳር ክሳብ ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ኣሲሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቅ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ሮማ ከምዝኣተዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ክሕብር እንከሎ ገዎርጊስ ሳልሳይ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዒራቅ ከተማ ኤርቢል ነቶም ዕለት 26 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ናይ ኣሲሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቅ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ተኪኦም ፕትርክና ዝተቐበሉ ምዃኖም የዘኻኽር።

ኣሲራዊት ዘምስራቅ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ናይታ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ መሰረት ዘለዋ ኣብ መላእ ዓለም 500 ሺሕ ምእመናን እትሓቁፍን ካብቲ ጥንታዊ ናይ ሮማ ግዝኣት ወጻኢ ናብ ወገን ምስራቕ ኣብ መሶጶጣሚያን ጥንታዊት ባቢሎንን ዝሰፍሔት ኰይና ብዙሕ ምእመናን ኣብ ሃገረ ኢራቕ ዝለውዋ ክትኸውን እንከላ ኣብ ሕንድን ሊባኖን ሶሪያን ኢራንን እውን ምእመናን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን እንከላ ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ስደትን መከራን እቲ ዝበዝሔ ምእመን’ታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ምዕራብ ሃገራት ከእተሰደን ይስደድ እውን ምህላዉን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣውስትራሊያን ሰበኻታት ከምዘለዋን ድሕሪ ምምራጽ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ እቲ ካብ 1940 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ቺካጐ መንበሩ ገይሩ ዝጸንሔ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናብ ኤርቢል መንበረ ፓትሪያርክ ከምእተመልሰን ድማ ገሊጹ ከምተን ኩለን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሎሚ ኣውን እዛ ኣሲርያዊት ዘምስራቅ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ብድሆታ ኣብ ቅድሚኣ ከምዘሎ የመልክት።

ርክብ ኣሲሪያዊት ዘምስራቅ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ቅዱስነቶም ማር ዲንክሓ ራብዓይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1978 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብውግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳፉን ደሓር እውን ኣብ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 ሰነ 2007 ዓ.ም.ን ደሓር ድማ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብውግዒ ንምጅማር ኣብ ዝዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ዘዘኻኸረ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራዓይን እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኣሲሪያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘምስራቕን ንሓድነት ኣሚቱ ብዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መሰረት ዛዕባ ስነ ክርስቶሳዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ሰነድ ዕለት 11 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ከምእተፈረመን ብምቕጻል እውን እቲ ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት ዛዕባ ቅዱሳት ምስጢራን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዋምን ኣብ ዝምልከቱ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዝመደቡ ጉባኤታት ዘካየደ ከምዝዀነ ይጠቅስ።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ኣብ ሮማ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዳግም ተነቓቒሑ ከምዝቐጸለን ድሓር ድማ በቲ ጽንኩር ኩነት ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ ድማ ጉድለት ጥዕና ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ምኽንያትን ዕለት 26 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ምዕራፎም ምኽንያት እቲ ናይ ሓባር ርክብ ተቛሪጹ ዝነበረ እውን እንተዀነ ናይታ ናይ ኣሲሪያዊት ዘምስራቕ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ንኽዀኑ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ምስ ሓረየን እቲ ሲኖዶስን ፓትሪያርክ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን እቲ ናይ ክልቲኣተን ናይ ሓባር ዘተ ክብገስ ድላይ ከምዘለዎም ዝገለጹ ክዀኑ እንከለዉ ቅዱስነቶም ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይ  ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 17 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ክራኸቡን ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ነቲ ጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ክበጽሑ እውን መደብ ከምዘለዎም ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.