2016-11-17 16:57:00

ንዘሸግሩኻን ዘጨንቊኻን ብትዕግስቲ ምጽዋር! ንሕናውን ሓንሳእ ሓንሳእ ነሸግር ኢና!


‘ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል፧ ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓንይኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጕንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ።’ (ሉቃ 6.41-42)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!  ናይ ሎሚ ትምህርትና ኣብታ ኩልና ጽቡቅ ጌርና ንፈልጣ ናይ ምሕረት ስራሕ ኮይኑ ግን ከምዘድሊ ኣብ ግብሪ ዘይነውዕላ ንዘጸግሙ ብጾትና ብትዕግስቲ ተጻዊርካ ምኽኣል ትብል እያ፣ ዘሰልችወና ወይ ክንሰምዖ ዘይንደሊ ነገር ንምልላይ ኩልና ንፉዓት ኢና፣ ንኣብነት ኣብ መንገዲ ሰባት ክንረክብ ከሎና ወይ ተለፎን ክድወለልና እንከሎ ብኡ ንብኡ እንሓስቦ ክላእ እዚ ኸኣ ጭንቂ ዕላሉ ክንደይ ሃለውለው ክሰምዕ እየ እዚ ከኣ በዀዅ ክብል እዩ እናበልና ብልብና ንፈርድ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ዘሸግሩ ሰባት ጐረባብትና ኣባላት ቤተሰብና ኣብ ቦታ ስራሕ መሳርሕትና ክኾኑ ይኽእሉ! ወላውን ኣብ እንዘናጋዓሉ ግዜ ኣይሰኣኑን፣ ምስዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ወትሩ ዕሚም ዝብሉ ተሸጊሮም ዘሸግሩ! ተጨኒቆም ዘጨንቁ! እንታይ ክግበር ይከኣል ቢልና ቅድሚ ምሕታትና ንሕናኸ ንካልኦት ነሸግርዶ ምባል የድሊ፣ ንምዃኑ ስለምንታይ ኮን ኣብ ናይ ምሕረት ስራሓት ንዘጸገሙ ሰባት ብትዕግስቲ ምጻር ትብል  ትብል ንረክብ፣

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ምጉርምራም ሕዝቡ ንምጽዋር ምሕረት ይጥቀም ከምዝነበረ ነንብብ፣ ንኣብነት ኣብ ኦሪት ዘጸኣት 16 እንተንበብና ሕዝቢ እስራኤል ጨሪስካ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ኮይኑ ይረኤ፣ መጀመርያ ባርነት ግብጺ ስለዝመረሮም ለይትን መዓልትን ናብ ኣምላኽ የእውዩ፣ ካብዚ ባርነት እዚ ምስ ኣውጽኦም ኣብ ምድረበዳ ዝብላዕ ብምስኣኖም የጉረምርሙ፣ መናን ረጋቢትን ምስ ለኣኸሎም ኮይኑ ግን እቲ ምጉርምራም ኣይኣብቀዔን። ሙሴ ኩሉ ግዜ ከማልድን መንጎ ሕዝብን እግዚኣብሔርን ክመላለስን ላሕ በለ፣ ንሱውን እንተኾነ በዙ ተግባሩ ክንዲ ምስጋና ተጻዩን ተጻይ እግዚኣብሔርን ክጉረምርሙ ተረኽቡ፣ እግዚኣብሔር ግን ንሙሴ ትዕግስቲ መሃሮ ነቲ ሕዝቢ እውን መጠን ዓቅሙ ተጻዋርነት ከጥርን ክዕገስን መሃረን ገሰጸን፣

ነዚ ትዕዝብቲ እዚ ምስ ገበርካ ብቀጥታ ትመጽእ ካልእ ሕቶ ኣላ፣ ንሕናኸ በዚ ጉዳይዚ ናይ ሕልና መርመራ ንገብርዶ፡ ነጉረምርምሶ ንካልኦት ጸገምዶ ንኸውን፣ ንካልኦት ክትፈርድ ቀሊል እዩ፣ እከለ/ሊት እያ በደለኛ ቢልና ኢድና ከነወጣውጥ ዝቅድመና የሎን፣ ኮይኑ ግን ኣብ ቦታ ካልኦት ኰንና ንርእስና ክንዕዘብ ክንመሃር ኣሎና፣

ኢየሱስ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ክመላለስ ከሎ ክንደይ ትዕግስትን ተጻዋርነትን ከምዘርኣየ ክንርስዕ የብልናን፣ ሓደ ግዜ ምስ ሓዋርያት ክጐዓዝ ከሎ ኣደ ያዕቆብን ዮሓንስን ደው ተብሎ እሞ ‘እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ ኣዝዝ’ (ማቴ 20.21)ትብሎ፡ ብዛዕባ ደቃ እተማልድ ኣደ፣ ኢየሱስ ግን ካብዚ ፍጻሜዚ ተበጊሱ መሰረታዊ ትምህርቲ ይህቦም፣ መንግስቱ መንግስቲ ስልጣን ክብርን ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎትን ንገዛእ ርእስኻ ንካልኦት ምውፋይን ከምዝኾነ ይምህሮም፣ በዚ ከኣ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ መሰረታዊ ነገር ክነተኲርን ኣርሒቅና ብምጥማት ተልእኮና ብሓላፍነት ክንለብስ ከምዘሎና የዘኻኽረና፣

ምስዚኤን ኣተሓሒዝና ካልኦት ክልተ መንፈሳውያን ናይ ምሕረት ተግባራት ክንምልከት ንኽእል እታ ሓንቲ ንሓጢኣተኛታት ናብ መንገዲ ጽድቂ ክምለሱ ምምካርን ንደናቊር ምምሃርን ዝብላ፣ ተልእኮናን ሓላፍነትናን ካልኦት ብእምነቶምን ብሕይወቶምን ክዓብዩ ክንሕግዝ ይኹን፣ ብዛዕባዚ እንከስተንትን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ቅጅል ይብሉኒ፣ ኣብ መንጎ እዚኦም ብዙሓት ኣደታትን ገዳማውያትን ኣለዋ፣ ንሕጻናት መሰረታዊ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክምህራ ዝተወፈያ እየን፣ ክንደይ ድኻም ከምዘለዎ ምናዳ ከኣ እቶም ሕጻናት ክንዲ ትምህርቲ ጸዋታ ክመርጹ ከለው፣

ነቲ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምፍላጥ ዝግበር ትምህርቲ ነዚኦም ምስናይ ብጣዕሚ ጽቡቅን ኣድላይን እዩ ከመይ ትርጉም ሕይወት ክነስተማቅር ይሕግዘና፣ ብዙሕ ግዜ ሰባት ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነን ዘየድልን ነገራት ብምትኳር ናይ ቃል ዓለም ዘረባ የዘውትሩ፣ እዚ ምናልባት ነቲ መሰረታዊ ነገር ሃሰስ ክብሉ ዘምሃሮም ኣይረኸቡን ይኾኑ፣ ነቲ መሰረታውን ኣድላይን ነገራት ንምፍላጥ ምሕጋዝን ምስትምሃርን ምናዳ ከኣ ከምዚ ናትና ዘመን ኩሉ ተሓዋዊሱ ዝርከበሉ ዘመን ኣተናኦም ንኽፈልጡ ምሕጋዝ ኣድላዪ እዩ፣ እግዚኣብሔር ካባና እንታይ ከምዝደሊ ምምሃርን ነታ ሓቀኛ ታሕጓስ ንምርካብን ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ብኣኣ ክትዓብን ቅኑዕ መንገድን ክትክተል ኣገዳሲ እዩ፣ በዚ ኸምዚኸስ እቲ ኢየሱስ ነደ ያዕቆብን ዮሓንስን ዝበላ ነቶም ኩሎም ኣባኡ ዝነበሩ ሓዋርያት ብኣኣቶም ኣቢሉ ከኣ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ካብ ቅንእን ፈተናን ክንርሕቅ ይመኽረና፣ እንተኾነ ክንጥቅቀሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ! ንኻልኦት ብሽም መኸርናን መሓርናን ካባኦም ንበልጽ ኢና ዝብል ስምዒት ከየነሕድር ምጥንቃቅ የደሊ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ‘ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል፧’ የጠንቅቀና፣ መንፈስ ቅዱስከስ ንካልኦት ንክንጻወር ትዕግስቲ ንክንመክር ከኣ ትሕትናን ገርህነት ልብን ይዓድለና` እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.