2016-11-19 17:08:00

፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ ኅዳር 11 2009 ዓ.ም.(11/20/2016)


ንባባት፡ ዕብ 10፡11-18፥ ይሁዳ 1፡17-22 ግ.ሓ. 5፡17-26፥ ማር 13፡24-32፣  ምስባክ፡“እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና። መዝ 79፡8።

ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ዘአስትምህሮ ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ናይ አምላኽ ሕያውነትን፥ ትዕግስቲን፥ ክብርን ምስጋናን ነስተንትን እዩ። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን ይሕግዘና። “አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ  አይሓደገናን፥ ሕያዋይ እግዚአብሔር፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብሓቂ ከኽብሩ አዘዞም” ይብል ናይ ሎሚ መዝሙር፥ ናይ አምላኽ ቅሩቡነት አብ ምድኃን ደቂ ሰብ ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰብ ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጨረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።

ዘኻትም ክንከውን አይ ሓደገናን ዘኽታም መስተማሳላይ፥ ኵሉ ጊዜ ጎዲሉኒ ዝብል፥ ርእሰ ምትእምማን ዝጎድሎ እዩ። አብ ዝገብሮ ውሳኔታት ዝክትምንኡ ይሓስብ በዚ ኸአ ጎደሎ እዩ። ዝኽትምና መንፈስ ክብሃል እንከሎ ዝገደደ እዩ ማለት ንአምላኽ ዝገብረልካ ዘይምርአይ አብ ርእስኻ ተአሚንካ ዘይቅኑዕ መገዲ ሒዝካ ምዃን እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ “ዘክታማት ኮንኩም አይ ክሓድገኩምን እዩ “ ኢሉና እዩ። ስለዚ ዝኽትምና መንፈስ ከይወርሰና ተጊህና ክንጉዓዝ የድሊ።

በዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ምስኡ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ዘኪርና አሎና።

፩ያ ዓመት ምሕረት ኢላ ዓሚ ካብ ወርኂ ታሕሣሥ 8 2015 ጀሚርና ክሳብ ሎሚ ኅዳር 20 2016 ቤተ ክርስትያን ብመምህራ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አቢላ ብፍሉይ ኢዮቤል ዘኪርና አብ ምሕረት አምላኽ ክንምለስ ተለመኑ ኢላ አፍደገ ከፊታልናን አዊጃትልናን። ብዓቕምና ጸሊና አስተንቲና አብ መፈጸምታ በጺሕና አብዚ ንዘብጽሓና አምላኽ ምስጋና ይኹኖ። አብ ጸጋ አምላኽ መሰረት ገርና ዝጀመርናዮ ሎሚ አብ ምሉእ እምነት ተረኺብና ብምስጋና ንዓጽዎ አሎና።

ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ክንዓጹ እንከሎና ከምቲ ልሙድ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ርእሲ አድባራት ጀሚሩ አብ ኵለን ዓበይቲ አድባራት አብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ በዚ ዕለት ወይ አብ ዝሓለፈ ሰንበት አፍደገ/ማዕጾ ኢዮቤል ዓጽየን። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዋኑ ንቅድስና ዝዕድም ምስ አምላኽን ሰብን ክንህሉ ዝሕግዝ ቅዱስ ዓመት አሕሊፍና።

አብ ናይ ሎሚ ምስማክ ““ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። (መዝ 79፡8) እናበልና ጸሊና። አምላኽ ንዝሓለፈ በደላትና ክቖጽር ዘይደሊ አብ ምሕረት ዝዘንበለ እዩ፥ አብኡ አሚኖም ንዝቐረቡ ኃዳግን ተቐባልን እዩ። አብ ሉቃስ 15 ከም እነንብቦ “እዚ ወደይ/ጓለይ ሞይቱ ነሩ ሓውዩ ጠፊኡ ነሩ ተረኺቡ” እናበለ አብ ምምላስ ናይ ነፍሲ ወከፍና ከም ዝሕጎስ ንርኢ። አብ ቤት አቦና ክንምለስ እዩ ዝድለ ዘሎ። ወዲ ቤት ኮብሊሉ ሕይወት ክውድእ አይናቱን እዩ ንምለስ አሎና። አብ ልብና ተመሊስና ቤት አቦና ክናፍቕ ይግባእ ሽዑ ንጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ክንትልሞ ኢና።

አብዚ ዓመት ኢዮቤል ኦ ወደይ ኦ ጓለይ አበለኹም እናበለ ከም ዝደልየና ርኢና። እሞ ከምቲ በታኒ ወዲ “አቦ አብ ቅድሚ አምላኽን አብ ቅድሜኻን ኃጢአት ገበርኩ ደጊምስ ወድኻ ኽብሃል አይበቅዕን እየ” እናበለና አብ መንበረ ንስሓን ዕርቅን ምሕረትን ክንምለስ እዩ ዓላማ ኢዮቤልና።

አምላኽ አብ “አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ አብል አሎኹ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኽአቱ ምስኡ አብ መአዲ ኽቕመጥ እየ፥ ንሱ ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡20) እናበለ ይኩሕኲሕ አሎ። ደቂ ምሕረትን ጸጋን ኮና ብርሃን ክንበርህ እሞ ንኻልኦት ደቂ ብርሃን ዝኾኑሉ ዕድል ክንከፍት ንሕተት አሎና።

ማዕጾ ኢዮቤል ክዕጾ እንከሎ ንሓዲስ ተልእኮ ደቂ ቤት ኮና አብ መአዲ ምሕረት ክንመላለስ ብዝያዳ ክንዕጠቕን ክንወፍርን እዩ። ፍቕሪ አምላኽን ሓውናን ዝመልአ ልብና ሰይጣን ብዳግም ከይዕወተሉ እንዓጽወሉ እዋን ኢና ዘሎና። ክንዛነ ዓመት ምሉእ ደኺምና ክነዕርፍ አይ ኮነን ምስጥር ምዕጻው ማዕጾ። ንቂምታን ቅርሕንትን ስዒርና አብ ሰላምን ፍቕርን ክንምለስ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ።

አምላኽ ክምሕረና ምሳና ሓዲስ ዝምድና ክፈጥር ፍቓደኛ ካብ ኮነ ንሕና እውን መጀመርያ ንምሕረቱ ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን ስዒቡ ኸአ ንኸማና ዝበሉ ሓውናን ክንምሕር ፍቓደኛታት ንኹን። ሎሚ ሓንቲ መዓልቲ እውን ልብና ተቐይሙን ተባኢሱን እንከሎ ክነሕልፍ የብልና። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብለና “አብ ቍጥዓኹም ፀሓይ አይትዕረብኩም፥ ንድያብሎስ ከአ መገዲ አይትሃብዎ” (ኤፈ 4፡26-27)። ተባኢስና ተቐያይምና ከሎና ዓመት ኢዮቤልና ክንዓጽዎ ድላይ አምላኽ አይ ኮነን ደፊርና አብ እግሪ ሓውናን ሓፍትናን ተደፊእና እቕረ በለለይ በልለይ ክንብሃሃል ይግባእ። ልብና ረሲሑ ተቐይሙ እንከሎ ሱቕ ኢልና ዘይ ንሱ ዘይ ንሳ እያ እናበልና አፍደገ ምሕረት አምላኽ አይንዕጾ።

ዓመተ ኢዮቤል ከመይ እዓጽዎ አሎኹ ኢልና ሕልናና ክንርኢ እምብአር እዋኑ እዩ።

ምስ አምላኸይ ተዓሪቐዶ። ነቲ አብ ሕቕፉ ክምለስ ዝተጸበየኒ አምላኽ ተመሊሰዮዶ አሎኹ፥ ምኽንያቱ ንሱ ደቀይ ይምለሱኒዶ ይኾኑ እናበለ ነታ ንጥፍአት ዝወሰደትና መገዲ እናረአየ ይጽበየና አሎ። ንምሕረት አምላኽ ክንርኢ እንተ ኸአልና ክንሳሕ ምሕረት ክንሓትት አይከጸግመናን እዩ። አምላኽ ቁጥዓአኡ ንዘለዓለም አይሕዝን እዩ።

አብ ሚክይሳ ነብይ 7፡18-19 ተገሊጹ ከም እንረኽቦ “እግዚአብሔር አበሳ ዝኃድግ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ሕዝቢ ዜኅልፍ ከምኡ ዝበለ አምላኽ ከምዘየለ” ይገልጽ። ንአና ክምሕር ደስ እዩ ዝብሎ በዚ ምኽንያት ቁጥዓኡ ንሓዋሩ አይጸንሕን። መሊሱ ክርሕርሓልና ንአበሳና አብ ትሕቲ እግሩ ክረግጾ ንኹሉ አበሳና ኃጢአትና ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትድርብዮ ኢኻ እናበለ አምላኽ ከምዝምለሰናን ዝምሕረናን ይነግር።

ካባን ዝድለ ምስ ዳዊት መዘምር ኮና “ኦ እግዚአብሔር ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ኃጢአተይን አበሳይን አይትዘክሮ ከም ለውኃትካ ምእንቲ ፍቕርኻ ኢልካ ዘክረኒ” (መዝ. 25፡7) እናበልና ንጸሊ።

ምስ ኃወይ/ኃፍተይ ተዓሪቐዶ? ጉዕዞ ሰማይ ካብዚ ምድሪ እዩ ዝጅምር። ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ርክብ አብ ምሕረት አምላኽ ወሳኒ ተራ አለዎ። “ነቲ ዝረአዮ ኃዉ ዘየፍቀሮስ ነቲ ዘይረአዮ አምላኽ ኬፍቅሮ አይክአሎን እዩ እሞ ንኃዉ እናጸልአስ ንአምላኽ አፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ፥ እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ እቲ ንአምላኽ ዜፍቅሮ ንኃዉ ድማ የፍቅር” (1ዮሓ 4፡20-21)። ንሓውና ክነፍቅር ክንምሕር ምኽሪ አይ ኮነን ትእዛዝ እዩ። አቦና ር.ሊ.ጳ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንኸማና ዝበሉ ብዓይኒ ክርስቶስ ርኢና ክንክእል ኢሎም “ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት” አዊጆምልና እዚ ኸአ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ክነዘውትር ኢሎም እዮም። “ከምቲ ሰማይዊ አቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ ንስኻትኩም ከአ ርኅሩኃት ኩኑ” (ሉቃ 6፡36)።
ኢዮቤልና ብምስጋና ንዕጸዎ። ተዓዲልና ኢና እሞ ተመስገን ንበሎ ንውሃቢ አምላኽ። አብዚ ዓመ አምላኽ ብብዙሕ መገዲ አብ ጉዳይ ድሕነት ከም እንተኩር ገሩና እዩ፥ ስለዚ ሎሚ ክነመስግን ግቡእ እዩ። ብምስጋና ክንዓጹ ከሎና ንዝተገብረልና ርኢና አሎና ማለት እዩ።

፪ይ ሎሚ መወዳእታ ሰንበት ናይ ላቲናዊ ስርዓተ ሉጥርግያ ዝኽተሉ እዩ። “ክርስቶስ ንጉሥ” ብዝብል ከአ ይውድእ። ቅድሚ 85 ዓመት አቢሉ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ XI ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከምኡ ቦልሽቪካዊ ናዕቢ ሰብአዊ ዘይኮነ ጽልእን መግለጺ ዘይብሉ ጽልኢ ንደቂ ሰብ ተስፋን እምነትን አጥፊኦሙሉ አብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ እንኮ ተስፋናን ንጉሥና ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ኢሎም ነዚ ብዓል አዊጆም። ንብዙሓት ዝወረዶም ጸገማትን ግፍዕን ብዘየገድስ ኢየሱስ እቲ እንኮ ንጉሥና አብ ኩሉ ታሪኽን ኩሉ ጊዜን ናይ ኩሉ ፍጥረትን ዓለምን እዩ ዝብል መሰረት ገሮም አዊጆሞ። ብ1969 ጳውሎስ ፮ይ ከአ ነዚ ብዓል ሓዲስ ስም “ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ ንጉሥ” ብምባል ኸአ አብ ኩሉ ከም ዝብዓል ገሮም። ሽሕኳ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾ ንግስነት ክርስቶስ ዘመልክት ሰንበት ኣብ ማእከል 11 ሓምለ ክሳብ 16 ኣብ ዘሎ ዕለታት ኣብ ዝውዕል ሰንበት 'ክርስቶስ ንጉስ እዩ! ክርስቶስ መሓሪ እዩ! ንድኻ ካብ ምድሪ የተንስእ ንመግቢ ከኣ እኽሊ የስምር፨' እናበለ ዝገልጽ እንተሎ ምስ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሓቢርና ሎሚ እንተኣብዓልናዮ ድርብ መኽሰብ ይኾነና፣ ይጠቕመናውን እዩ።

በዚ አውደአመት ኩሎም አመንቲ አብቲ ክርስቶስ ዘምጽአልና ናይ ድሕነት ስራሕ ክጥርነፉ እሞ አብኡ ተስፋ ገሮም ከብዕልዎ ምእንቲ እዩ። ክርስቶስ ንጉሥ ዘብሎ ብሞቱ ድሕነት ስለ ዘውረደልና እዩ። አብ ጽንኩር እዋን ድሕነት አምላኽ ክንዝክር ይግብአና።

“እግዚአብሔርሰ ንጉሥ ውእቱ እምቅድመ ዓለም፥ ወገብረ መድኃኒተ በማእከለ ምድር አንተ አጽናዕካ ለባሕር በኃይልከ” (መዝ. 72፡12-13) ዝብል ፍሉይ አስተንትኖ አብ አምላኽ ክንገብር ይሕግዘና። ንግሥነት ክርስቶስ ንአገልግሎትን ድሕነትን እዩ ንሕና ደቂ ክርስቶስ በዚ መንፈስ ሕይወትና ክንመርሕ እሞ ንዓለምና ድሕነት ክንዘርአላ እዚ ብዓል የዘኻኽረን።

አምላኽ አብ ልብና አብ ባህልናን እምነትና ክንገስ ክነፍቅደሉ አሎና። ሎሚ ልበይ መን ነጊስሉ አሎ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና ባዕልና ዝፈጠርናዮም ነጋውስ ገዚኦምና አብ ሕንፍሽፍስን ጽልእን ንርከብ አሎና። ዓለምና ፍቕሪ ውሒድዋ ሰባት አብ ነነድሕድሞ ክባልዑን ክጣፍኡን ንርኢ አሎና ጠንቂ ናይ እዚ ኹሉ ቦታ ክርስቶስ ንጉሥና ብኻልእ ስለ ዝተካእናዮ እዩ።

እንታይ ንግበር? አብ አምላኽ ንመለስ ብግዝያውን ግዙፋውን ነገራት አይንታልል ንአምላኽ ቦትኡ ንሃቦ። ቅዱስ ጳውሎስ “ቤት መቕደስ አምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ አምላኽ አባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ አይትፈልጡን ኢኹም?፥ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ አምላኽ ከፍርሶ እዩ፥ ቤት መቕደስ አምላኽ ቅድስቲ እያ፥ እዛ ቤት መቕደስ እዚአውን ንስኻትኩም ኢኹም” (1ቆሮ 3፡ 16-17)። አብዚ ጸጋ መሰረት ገርና ሕይወትና ክንቅድስ ንአምላኽ ዝበቅዕ ክንገብሮ ንጽዓር።

በዚ ፍሉይ አጋጣሚ ምዕጻው “ኢዮቤል ዓመት ምሕረትን”፥ “ክርስቶስ ሓባራዊ ንጉሥ”  መሰረት ገርና እምብአር እሙናት ደቂ አምላኽ እንኾነሉ ክንሓስብ ይግብአና። ዕድል ተዋሂቡና አሎ ክንጥቀመሉ ይግባእ ከም ማንም እዋን ክሓልፍ የብሉን አብ ሕይወትና አብ ርክባትና አብ አተሓሳስባና ለውጢ ክንገብር ይግባእ።

ኦ ማርያም አደና አደ ምሕረት ኢኺ እሞ አብዚ ቅዱስ እዋን ክንባረኽ ለምንልና።

ብሩኽ አውደዓመት።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.