2016-11-24 16:11:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ዛዕባ ዕጸ ፋርስ ዝዝትይ “ዓለም ሓቆፍ ለበዳ” ዘርእስቱ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ


ንዝተፈላለዩ ሰብኣውነት ዘሕስሩን መሰልን ክብርን ንዝሓኩ ጸያፍ ተግባራት መጋበርያ ንኽዀኑ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ዘካይድዎ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ተግባርን ዓመጽን ዝውውር ዕጸ ፋርስን ካብ ዝብሉ ነጥብታት ዝብገስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ኣዕሚዪቝ ዝዝትይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት (ፍልጠታት) ተቛም ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለበዋ ተቐቢሉ ዘዳለዎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ እተሰምየ ናይቲ ጳጳሳዊ ተቛም ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 23 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ሽወደን ንግስቲ ሲልቪያ ዘሽወደንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕጸ ፋርስ ዝውወርን ገበናትን ንቕድመ ምክልኻል ዝዓዪ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዩሪ ፈድቶቭን ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝተጀመረ ክኸውን እንከሎ ናይቲ ጳጳሳዊ ተቛም ላዕለዋይ ሓላፊ ብፁዕ አቡነ ማርሰሎ ሳንቸዝ ሶሮንዶ ከም ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መእተዉ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ነዚ ዓለም ሓቆፍ ለበዳ ቅድመ ምክልኻል ዝሓለነ መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ብርቱዕ ልሳን ተንቲኖም ብዛዕባ እቲ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ዝምልከት ዝወሃቡ መግለጽታትን ጸብጻባትን ሳዕቤናቱን ጠቒሶም ነዚ ህብረ ቅርጺ ዘለዎ ጭቡጥ ጉዳይ ብዘይ ምቁራጽ ብናይ ሕንጸት መደባት ምውጋእ ኣግዳሲ ምዃኑ እንከስምርሉ፥ ናይ ሽወደን ንግስቲ ሲልቪያ ዘሽወደን መስራቲት ጸረ ዕጸ ፋርስ ዝንቀሳቐስ ዓለም ሓቖፍ ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ኣስዒበን ነዚ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ብብቕዓትን ብስሩዕ ስርሒታትን ንምውጋድ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ቢለን፡ ብፍላይ በዚ ዕጸ ፋርስን ምዝመዛን ዝጥዕቁን ነዚ ጸያፍ ተግባር ዝተዳጉን ናብዚ ዓቢይ ሓደጋ’ዚዝ ዝንውነዉ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ክሕይል ኣተሓሳሲበን ኣተሓሒዘ ድማ ድኽነትን ውግእን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ንናይ ገበን ጉጅለታት ምንቅስቓስን ንዝውወር ዕጸ ፋርስን ግብረ ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ሰብን ዕላማኦም ምቹእ ባይታ ምዃኑ ሓቢረን ሰላም ንምርግጋጽ ዝሓለነ መደብ ሕንጸት ወሳኒ እዩ ከምዝበላ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ገሊጾም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዕጸ ፋርስን ገበናትን ሓላፊ ዩሪ ገዶቶቭ ብወገኖም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምስፋሕ ዕጸ ፋርስን ምስ እዚ ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ካልኦት  ገበናትን ዝከታተል ብዛዕባኡ ጸብጻባት ዘቕርብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምጥቃም ዕጸ ፋርስ ንጥዕናን ንሰላምን ምዕባለንን ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣዚዩ ሓደጋ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዚ ለበዳ’ዚ ዶብ ኣልቦ ጸግም እዩ ቢሎም ኣብ ዓለም ዕጸ ፋርስ ካብ ዘምርታ ሃገራት ኣፍጋኒስታንን ኮሎምቢያን ፐሩን ቦሊቪያን ከምዝዀናን ካብ ኣፍጋኒስታን ብባልካውያን ሃገራት ኣቢሉ ናብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ሰሜን ኣመሪካን ዝኣትው እዩ ከምዝበሉ ሚኒከቲ ገሊጾም።

እዚ ዕለት 24 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ በዕጸ ፋርስ ዝተጠቕዑን ናይዚ እጸዋት ጽግዕተይና ዝዀኑ ዜጋታት ክንክን ተገይርሎም ካብቲ ዝወደቕሉ ናይ ተጠቃምነት ጊልያነት ንኽላቐቑ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕክምናውን ክንክን ዝረኽብሉ ማእከላት ምስፋሕን መንግስታት ነዚ ዓይነት መደብ ብምትሕብባር ብፍላይ ድማ ኣብ ቅድመ ምክልኻል መደብ ክስራሕ ዘተሓሳሰበ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚኒከቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.