2016-11-24 16:29:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ መዓልቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ስነ ማሕበራዊ


ካብ ዕለት 24 ሕዳር ክሳብ ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨርኖና “ኣብ መንጐ ሕዝቢ (ምስ ሕዝቢ)” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ብሔራዊ መዓልቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ምሕበራዊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ’ዚ በቢ ዓመቱ ብማሕበር ቶኒዮሎ ዝሰናደው ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጸገማት ብመንጽር ጠመቕ ትምህርቲ ማሕብራዊ ቤተ ክርስቲያን መምዩን ኣጽኒዑን ዓቢይ ናይ ተስፋ መልኽቲ ዝመሓላልፍ እዩ። ኣብ መኽሰብ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሕዝቢ ከም ማሕበረሰብ ከዕብይን ከልምዕን ኣብ ዝኽእል ስብኣነት ሚዛን ኣብ ዘለዎ ማሕበራውን ሰብኣውን ዕብየት ኣብ ዘዕትር መዳይ ሃብቲ ገንዘብ ምፍሳስን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘብርህ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ኤኮኖምን ፖለቲካን ስነ ማሐራራዊ ጉዳያት ሊቃውንትን ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ መንግስቲ ኢጣሊያ ኣካላት ዝሳተፍሉን ብብሔራዊ ሓቆፍ ደረጃ ጥራሕ ዘይኰነ ዓለም ሓቆፍ ኣተኵሮ እውን ዝስሕብ ዓውደ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ ናይዚ ሎሚ ዝተጀመረ ዓውደ መጽናዕቲ መርሕ ሓሳብ ድማ ሕውነት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብን ማሕበረረሰብ ካብቲ ብሕትውና ዝፈጥርን ዝንጽልን ካብቲ ናይ ምሩጻት ደርብን ዕጹው ናይ ዕርክነት ቀጽርን ንምልቓቕን ነዚ ቀጽሪ’ዚ ክፉት ንምግባርን ቀጽሪ ዕርክነት ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዝድርኽ ባህርይ ዘለዎ ክኸውን ዝመርሕን ሓቀይና ዕርክነት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይዕጸው ናብ ከማኻ-ካልእ ዝድርኽ ምስ ተፈጥሮ ትዑይ ርክብ ንኽህልው ዝድርኽን ዘተሓሳስብን ምዃኑ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ መግለጺ ይሕብር።

ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዕባለን ዕብየትን መምዘኒ ናይ ውልቃውን ናይ ውሑዳት ምዕባለን ዕበየትን ዘይኰነስ ማሕበራዊ ምዕባለን ዕብየትን እዩ። ስለዚህ ዝማዕለበ ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ማሕበራዊ ዘመልክቶም መገድታትን ዘንብሮም ምዕዶታት እዋናዊ ከይዲ ሕብረተሰብ ብምትንታን ዘንብብ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ። ናይ ሕዝብን ብፍላይ ድማ ናይ ድኻታት መሰረታውያን ጠለባ ዘንብብን ምስ እዞም ጠለባት ዝራኸብን ብቑዕ መልሲ ዝህብ ኣብ ሕንጸት ሰላምን ምዕሩይ ሕብረተሰብ ዓቢይ ግደ ዘለዎ መደብ ፖለቲካን ኤኮኖምን ንኽረጋገጽ ዘብርህ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝዀነ ማሕበር ቶኒዮሎ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.