2016-11-29 16:44:00

ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ንማሕበር ኢየሱሳውያን ካብ 1983 ክሳብ 2008 ዓ.ም. ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዝመርሑ  ኣባ ፐተር ሃንስ ኮልቨንባኽ ዕለት 26 ህዳር 2016 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ከም ልኡካነ ወንጌል ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘገልገሉላ ሃገረ ሊባኖስ ኣብ መበል 87 ዓመት ዕድሜኦም ከምዝዓረፉ ምስ ሰምዑ ናብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 36 ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ጉባኤ ጠቕላሊ ሓለቓ ንኽኾኑ ንዝተሕርዩ ንኣባ ሶዛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንኣባ ኮልቨንባኽ ተመንዮም ንመላ ማሕበር ኢየሱሳውን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ነፍሰ ሄር ኣባ ኮልቨንባኽ ምሉእነት እምነት ወንጌላውነትን ዝተዓደሉን ብምልኣትን ብለጋስነትን በገልግሎት መንፈስን መላእ ሕይወቶን ንኽርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ዘወፈዩ ምንባሮም ዘኪሮም ምሕረት እግዚኣብሔር ብምምሕጻን ስለ ዘለዓለማዊ ዕረፍቶም ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም እምሕጸን ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ምጽንናዕ ከብ ልዑል ፈጣሪ ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓዋርያዊ ቡራኬን አቕርብ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣባ ኮልቨንባኽ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝነበሮም ሓላፍነት ድሕሪ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣሩፐ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ ኣብ መበል ሰላሳን ሰለስተን ጠቕላሊ ጉባኤ ኣብ 1983 ዓ.ም. ከምእተሳተፉን ኣብቲ እዋን ማሕበሮም ጠቕላሊ ሓለቓ ቢሉ ከምዝሰመዮምን ኣብቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ኣርጀንቲና ሓለቓ ዝነበሩ ኣባ ቦርጐሊያ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዱስ ኣኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካልኦት ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከብ ጨንፈር ኣሕሉቕ ንኣብነት እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዝተሓርዩ ኣባ ሶዛ ኣብቲ እዋን ኣብ ቨነዝዋላ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ሓለቓ ብምዃኖም እውን ከምዝተሳተፉን ኣብቲ መበል 33 ጠቕላሊ ጉባኤ ኣባ ኮልቨንባኽ ተሓርዮም ነዚ ማሕበር ን25 ዓመት ዘገልገሉ እዮም፡

ነፍሰ ሄር ኣባ ኮልቨንባኽ ኣብ 1928 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝተወልዱን ኣብ 1961 ዓ.ም. ኣብ ሊባኖስ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ከምንዝነበሩ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተመሓላለፈ መገልጺ እንክሕብር እቲ መግለጺ ከምዘመልክቶ እውን ኣባ ኮልቨንባኽ ጠቕላሊ ሓለቓ ኢየሱሳውያን ክሳብ ፍጻሜ ሕይወት ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ 2008 ዓ.ም. ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ንቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ፍቓድኩም እንክብሉ ድላዮም ድሕሪ ምግላጽ ቤተ ክርስቲያን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እወታዊ መልሲ ከምዝሃበትሉን ድሕሪኦም እውን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዝተሓርዩ ኣባ ኣዶልፎ ኒኮላስ (ካብ ዕለት 19 ጥሪ 2008 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ዘገልገሉ ብፍቓዶም ሓልፍነት ጠቕላሊ ሕልቅነቶም ዘረከቡን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ እውነታዊ መልሲ ከምዝሃብሉን ዝዝከር እዩ) ከዀኑ እንከለዉ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናይቲ ማሕበር መበል 36 ጠቕላሊ ጉኣባኤ ዝተሕርዩ ተወላዲ ሃገረ ቨነዝዋላ ኣባ ሶዛ እዮም።

ኣባ ኮልቨንባኽ ድሕሪ ሕርየት ኣባ ኣዶልፎ ኒኮላስ ናብቲ ወንጌላዊ ልኡክ ኰይኖም ዘገልገልሉ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ተመሊሶም ኣብቲ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገልሉ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ዮሴፍ ከም ተራ ስራሕተይና ቤተ መጻሕፍት ኰይኖም ዕለት 26 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ መበል 87 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ክሳብ ዝተፈለይሉ ኣዋን ዘገልገሉ ምዃኖም ይሕብር።  








All the contents on this site are copyrighted ©.