2016-12-02 20:39:00

ሰንበት ዘምኵራብ ኅዳር 25 2009 ዓ.ም. (12/4/2016)


ንባባት፡  ዕብ 12፡25-ፍ፥ ራእ. 18:21-9:1-3፥ ግ.ሓ. 19፡21-ፍ፥ ሉቃ 21:20-28።   ምስባክ፡  ቅረቡ ኃቤሁ ወያበርህ ለክሙ፥ ወኢይትሓፈር ገጽክሙ፥ ዝንቱ ነዳይ ጸርሓ ወእዚአብሔር ሰምዖ። እዚ መስኪን እዚ አእወየ እግዚአብሔር እውን ሰምዖ ካብ ኩሉ ጸባበኡ አድኃኖ መዝ. 34፡6።

መዝሙር፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም።

አብ ናይ ሎሚ ምስማክ አብኡ ቅረቡ ከብርሃልኩም ድማ እዩ፥ ገጽኩም አይደንግጽ እዚ መስኪን አእወይ እግዚአብሔር ከአ ሰምዖ ካብ ኩሉ ጸበባኡ አድኃኖ ይብል። አብ አምላኽ ክንቀርብ እንከሎና ዝስዕቦ ምሕረት፥ ጸጋ፥ እዩ። አብኡ ክንቀርብ እንከሎና ጉዕዞ ድሕነትነትና ይበርሃልና ፍቕሪ አምላኽ አባና ይዅላዕ እሞ ሰባት ንአና ርእዮም አብ አምላኽ ይምለሱ። አብ አምላኽ ገጽና ተተይ ክንብል እንተ ጀመርና ወልእኳ ብኃጢአት ተበላሺና እንተሎና ከምቲ በታኒ ውሉድ አብ ሉቃ 15 እንረኽቦ ብድፍረት ኦ አቦይ አብ ቅድመኻን አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለ አሎኹ ውሉድካ ክብሃል አይ ግብአንን፥ ብዓይኒ ምሕረትካ ጥራሕ ተቐበለኒ እናበልና ክንልምን ክንጅምር ኢና።

አምላኽ ሎሚ ከምትማሊ እሙናት ደቁ ኮና ክንቀርቦ ይጽውዓና አሎ። አብኡ ክንቀርብ እሞ ፍቕሩ ክነስተማቕር ምልክት ይህበና አሎ ነዚ መበገሲ ገርና አብ አምላኽ ክንምለስ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብምልኡ ይነግረና። አብ ዘመነ አስተምህሮ ስለ ዘሎና ንቃሉ ክንሰምዕን ክንምሃርን ንዝብለና አብ ተግባር እናአውዓልና ንምጽአቱ ክንሰናዶ ዘዘኻኽር እውን ኢና ዘሎና። ሓወይ ሓፍተይ ንጎይታ ክትቅበል ትሰናዶ ዘሎኻ/ኺ ክንብሃሃል አሎና። እዛ ንጎይታ ምቕባል እትብል አብ ገለ እዋን ዘይ መልክዓ ወሲዳ ብብዙሓት ትብሃል እያ ንአና ንጎይታ ምቕባል ክንብል እንከሎና ነቲ ክርስቶስ ቅድሚ 2000 ዓመት አብ ቤተልሔም ከማና ኮይኑ ንድሕነትን ዝመጽአ ዘኪርና ከብ ብሓዲስ ሎሚ እውን ክንቅበሎ የስምዕ፥ ምስ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ኮና ልብና አንጺሕና ክንቅበሎ፥ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል ከሎና፥ ቃሉ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብእምነት ሰሚዕና አብ ሕይወትና ክነተግብሮ ከሎና ንቅበሎ፥ ስለዚ ምቅባል ክንብል እንከሎና ብኹልንትናኻ ንአምላኽ አሚንካ አብ ልብኻን ሕይወትካን ክአቱ ባይታ ሕይወት ምቕራብ እዩ ዘስምዕ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ተቕባልና ብመንፈስ ድኻታት ኮና ክንቅበሎ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ይነግረና። ክርስቶስ አብ ትምህርቱ እግዚአብሔር ንመሳኺን ንድኻታት ይሰምዕ እዩ ይብለና፥ አብዚ ድኻታት ዝብል ንቍጠባዊ ድኽነት ዘልኦም ዘይኮነስ ነቶም ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን እምነትን ዝግፍዑ ዝዋረዱ እዩ ዘስምዕ ምስኡ ንድኻታት እውን የስምዕ ቀንዲ ምስጢሩ ግን አብቶም ብእምነቶም ይኹን በቲ ዝብልዎ ሓቂ ዝወርዶም ዝግፍዑ እዩ ዘስምዕ። ብስም ድኻ ኮንካ ጥዑይ ማለት አይ ኮነን ብመንፈስ ድኻታት ብጹዓን እዮም ዝብል አብ ማቴ 5፡3 ሉቃ 6፡20 ዘሎ ብመንጽር እቲ አብ ዘፀ 22፡25-27፥ ሌዋው 19፡9-10፥ ዘዳግም 15፡7-11 ኢሳ 61፡1 ክንርእዮ አሎና እዚ ኸአ ቍጠባዊ ድኽነት ቅጽዓት አምላኽ አይ ኮነን እኳ ድአ አብ አምላኽ አተኩሮን ክንገብር ንሃብትን ንብረትን ከም ካልአዊ ገርና ክንቆጽር ዝሕግዘና እዩ። ቍጠባዊ ድኽነት ዝያደ ነጻነት መንፈስ ዘልኦ እዩ ብዙሕ አብ ናብራ ዘተኩሮ የብሉን በዚ ንአምላኽ ክዝክር አየጸግሞን እዩ። ቍጠባዊ ድኽነት አብ መንፈሳዊ ሃብቲ ብቐሊል የብጽሓና። ቍጠባዊ ድኽነት ክፍአትን ኃጢአትን ክውሰኾ ከሎ ክልተ ሞት እዩ እዚ እውን ክንጥንቀቐሉ ዘሎና እዩ።

ናይ ሎሚ መዝሙር ምስ እዚ አሰማሚዑ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ ይብለና። ቤተ ክርስትያን ሰንበት ሰንበት ብቃል አምላኽን ብመስዋዕቲ ቅዳሴን ገራ ናብኡ ክንቀርብ አፍደገ ድሕነት ትኸፍተልና። አብ አምላኽ ቀሪቡ ዝኽአለ ፍቕርን ጣዕምን አምላኽ ከስተማቕር አይ ክኸብዶን እዩ። አብ አምላኽ ዘቕርብ ግብርን አተሓሳስባን ለቢስና ልብና አንጺሕና አብኡ ንቕረብ ሽዑ ከብርሃልና እዩ። አብ ገለ እዋን ባዕልና ብዝፈጠርናዮ ጸልማት ይጉልብበና እዩ ስለዚ ብርሃን የድልየና ንሱ ኸአ ብኃጢአትና ተነሲሕና አብ አምላኽ ክንምለስ ክንቀርቦ ሽዑ ንሱ ሓቚፉ ክቕበለና እዩ።

አምላኽ ፍጹም ብህላዌኡ እናበለ ካብ አምላኽ ወጺእካ ዝግበር ነገር ከምዘየለ ንሱ ከአል ኩሉ ስለ ዝኾነ ንአና ንደቂ ሰብ ዘድልየና ጸጋታቱ ይህበና ዕለት ዕለት ይጓስየና ዝጎድለና የለን። ካባና ዝድለ ነዚ ከአል ኩሉ አምላኽ አብ ህያባቱ ርኢና ክንክእል እሞ ብድላዩ ሕይወትናን ዓለምናን ክንመርሕ። ሰብ ዝቐስን ብድላይ አምላኽ ክምራሕ እንከሎን ንድላይ አምላኽ ጽን ኢሉ ክሰምዕ እንከሎን ጥራሕ እዩ። ግዝያውን ጋሻ ሓሳባትን ካብ መገዲ አምላኽ ከየውጽአና ልቦና የድልየና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአትን ውድቀት ኢየሩሳሌም ዝብል ዝተተሓሓዘ እዩ። ሉቃስ ነዚ አብ ወንጌሉ ከስፍሮ እንከሎ ብዓይኒ ዝርአዮ ዕንወት ኢየሩሳሌም እዩ ዝነገረና ኢየሱስ እዚ ከምዝከውን አቐዲሙ ነጊሩ ነሩ እዩ። አብ ኢሳ 5፡5-6 ከም እነንብቦ እዚ ዕንወት ዝወረደ ብሰንኪ ኃጢአት ከም ዝኾነ ንርኢ። አብ ኃጢአት ክንወድቕ እንከሎና መጀመርያ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ይቋረጽ፥ ምስ ርእስና ዘሎ ርክብ ሓቀኛ ርክብ አይ ኮነን ሳዕበኑ ነሕዋትናን ንኻልእ ፍጥረትን ንጸሉ። ጥፍአት ኢየሩሳሌም ብሰንኪ ካብ አምላኽ ምርሓቓ ዝወረደ እዩ። እንገብሮ ኃጢአት እዩ ንዓለም ዘይ መገዳ አትሒዝዋ ዘሎ።

አብ ርእስና ክንምለስ ሳዕቤን ኃጥአት ካብ ፈለጥና ከመይ እንተ ገበርና ኢና ካብኡ እንምለስ ኢልና መገዲ ንስሓን ፍቕርን ክንደሊ የድሊ። ቅድስና ክንለማማዶ አሎና ባህጊ ጥራሕ ቅዱስና አይ ገብረናን እዩ። ክርስቶስ ምልክታት ርኢና ክንክእል ይነግረና። እዋኑ ፍለጥዎ አብ ከባቢኹም ዘሎ ለካሚ ነገራት ፈሊኽሙ ፍለጡ ይብለና። አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ምስ ምዕባሌ ተተሓሒዙ ከም መርዚ ኮይኑ ንብዙሓት ብፍላይ መንእሰያት ካብ አምላኽን ቤተ ክርስትያንን ጸጋ ምስጢራትን ዝበትኮም ዝዓበየ ጸገም እዋና እዩ። ልቢ መንእሰይ ብቐሊል ተሰሓባይ ስለ ዝኾነ ንግዝያዊ ነገራት ዘድህብ ዕድመ እዩ በዚ ኸአ ብቐሊል ንመገዲ ጸጋም ይሕዙ። ብሓቂ ፈታኒ እዋን እዩ ነዚ ኸአ እዩ ርኢና ክንክእል ዘሎና። ተክነሎጂ መጠን አብ ዝተራቐቐ አብ ዝኾነሉ እዋን ዳርጋ ንተግባር አምላኽ ዝተክአ ገርና ስለ እንርእዮ ዘሎና ብቐሊል ካብ አምላክ ከምእንርሕቕ ይገብረና አሎ። ቅዳሴ አብ ተልቪን ሰሚዐ ስብከት አብ ረድዮ አብ ዩቱብ አንቢበ እናበልና ነቲ ቀንዲ አገባብ ንሓድጎ አሎና እዚ ናይ ዘመና ቀታሊ መንፈስ ኮይኑ ዘሎ አገባብራ እዩ። ብርግጽ ኩሉ ተክኖሎጂ ጎዳኢ ማለት አይ ኮአንን እቲ ዝድለ ዘሎ ንቦታ አምላኽ ክወስድ የብሉን እዩ እቲ ነገር።

ራእይ ዮሓንስ ዝተነበ ነቲ አምላኽ ዝዛረበና ክንሰምዕ ይነግረና። ሎሚ ንመን እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ እዋና ዘመን መራኸቢ ብዙኃን ብዝያዳ ዝማዕበለሉ ስለ ዝኾነ አብ ገዛና አብ ጎደናታት አብ መገሻ ሰባት አእዛኖም ብመስምዒ ለኲቶም ካልእ ከይስምዑ ንበይኖም ምስ ተለፎኖም ወይ ካልእ ከምኡ ዝመሰለ ጥራሕ ክሰምዑ ንርኢ። እዚ ብዙሕ ጥቕሚ እኳ እንተ አለዎ ብማዕሪኡ ኸአ ጉድአት አለዎ ካብቲ ብዙሕ ዝርአ ጸገማት፡

ምስ ሰባት ዝህልወና ርክብ ብኻልእ ተተኪኡ። ቆልዑት ምስ ወለዶም ዝዛረቡሉ ጊዜ ውሑድ እዩ። ሰባት አብ ነነድሕዶም ርክብ ምሕዝነት ተሪፉ፥ ርክብና ምስ ተለፎን አይፎን ወይ ከምኡ ዝአመሰለ ጥራሕ ኮይኑ። ሰብ ብባህሪኡ ማሕበራዊ እዩ ከምኡ ሰባት የድልይዎ ምስ ሰባት ርክብ ክነቋርጽ ከሎና ዝዓበየ ነግር ክፍሊ ሕይወትና ኢና እነቋርጽ ዘሎና ስለዚ ምጥንቃቕ የድልየና። ወልፊ እንተርነትን ተለፎንን ሒዙና ከይተረድአና ባሮት ዝመሃዝናዮ ኮና አሎና። ብኻልእ አዘራርባ ግዙአት ናይ ዘመና ተክኖሎጂ ኮና ብዘይ ዕረፍቲ ንነብር አሎና። አብ ገዛ ተለቪዥን አብ መገዲ ተለፎን አብ ስርሕን ካልእን ኮምፑተር ተቖጻጽሮምና ዳርጋ ከይተረደአና ተገዚእና አብ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ብዝድውል ድምጺ ተለፎን ንርበሽ ከምዘሎና ናይ እዋና ጸገም እዩ።  
እንሰምዖን እነንብቦን ወሳኒ እዩ። እንታይ ኢና እንሰምዕ ወይ እንርኢ ዘሎና እዚ አብ ሕይወትናን ርክባትናን አገዳሲ ተራ አለዎ ብፍላይ መንእሰያትና እንታይ እዮም ዝሰምዑ ብርግጽ መብዝሕትኡ መዘናግዒ ሙዚቃ ወይ ንእኡ ዝመሳሰል እዩ፥ ግን ካልእ እውን አሎ ናይ በይንና ዓለም ፈጢርና ካልእ አብዘየድልየና ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ስለዚ አብ አእምሮናን ስምዒትናን ዝህነጽ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ ስለዚ ንመን ወይ እንታይ እሰምዕ ክምምዮ አሎኒ። አብ ገለ እዋን ጥቅሚ ዘለዎ እውን ንሰምዕ ኢና እዚ እውን ካብ ሰብ ክፈልየና የብሉን።
መራኸቢ ብዙኃን ግጉይ መገዲ ከትሕዘና ይኽእል እዩ። እትሰምዖ እተንብቦ እትርእዮ አብ ጉዕዞ ሕይወትካ ዓቢ ጽልዋ አለዎ። ዓለም ሎሚ ብፍላይ መንእሰያት በቲ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ልቦም ተሰሊቡ አብ ዘይተደለ አኽራርነትን ጭካኔን ምእዙዝነትን  ክበጽሑ መገዲ ኸፊቱ ክትሓስቦ አብዘይትኽእል ውሳኔ በጺሖም ንሰቦምን ወገኖም የጉህዩን የሳቕዩን አለዉ፥ ስለዚ እዚ እውን ብፍላይ ወለድን ብሓላፍነት ዝሕተቱ ከስተውዕሉሉ ይግባእ።

ሰንበትና እምብአር ዓይኒ ሕልናና ከፊትና ጉዕዞ ሕይወትና ከመይ አበይን ገጹ ይጉዓዝ ከምዘሎ ርኢና ክንክእል እሞ ንሓቂኛ መገዲ ክንሕዝ ዘበራብረና እዩ። ክርስቶስ አብ መንጎ ጸበባን ዝተፈላለየ ሰብን ባህርን ዝፈጠሮ ጸገማት ንአኡ ርኢና ክንክእል ይላበወና። ወዲ/ጓል ክርስቶስ ተስፋ ዘቝርጽ የብሉን ከመይ ንሱ አብ ጸልማት ብርሃን አብ ውግእ ሰላም ርእዩ ዝኽእል ጸጋ ዝተዓደለ እዩ። እዛ እንነብራ ዓለም ክትሓልፍ እያ ሰልዚ ንዘይሓልፍ ሕይወት ዘለዓለም ክንሓስብ ይግብአና። አብ መንጎ ዘንጊዕና ከሎና ሞት ከይትመጽአና ሎሚ ክንሰናዶ ክንጥንቀቕ ንሕተት አሎና።

ከመሎኹ ኢልና ንርእስና እና ሓተትን አብ መገዲ ንስሓን ቅድስና ክንምለስ ሎሚ ንወስን። ነቲ ከም ካትራመ አብ ልብና ለጊቡ ንሓቅን ጽድቅን ከይንገብር ወይ ከይንመርጽ ገሩና ዘሎ ስዒርና አብ ቅድስናን ፍቕሪ አድሕድን ንጉዓዝ ሽኡ ዝመጸ እንተ መጸ አይክንስንብድን ኢና።

አብ ፈቃር አቦና ንቕረብ ከብርሃና ክአ እዩ። ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.