2016-12-03 16:44:00

ቀዳማይ ስብከት ዘምጽኣት: ኣባ ካንታላመሳ፥ መንፈስ ቅዱስ ክርስቶ የንብረና (ክርስቶስ ንኽንነብር የብቅዓና)


ጽማሬ ስብከቶም፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን መላእ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዘሳትፈ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዝገብርዎ ናይ ምጽኣት ሱባኤ እነሆ ለምብዘበን 2016 ዓ.ም. ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ብኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላመሳ ብስለገስዎ ስብከት ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ገሊጸን።

ኣባ ካንታላመሳ ነዚ ኣብ ባህርይ መንፈስ ቅዱስ ዘማእከለ ስብከቶም እቲ ምስ ኣብን ወልድን ዘሕብሮን ፍልይ ዘብሎን ተክለ መንነቱ ኣብቲ ኣብ ተኣምኖተ እምነት (ጸሎተ - ሃይማኖት) ዝግለጽን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝሳዃዕ ተግባሩ ድህረ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 50 ዓመቱ ዝተብዓለ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምሕሳብ ጠቒሶም ብዕምቆት ንምስትንታንን ንምስትውዓልን ካብ ተማላእነት ናብ ምሉእነት ዘብል ውጽኢት ዝዓደለ ኰይኑ ግና ብዙሕ ጊዜ ማእከል ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንፈስ ቅዱስ ምንባሩን ሕጂ እውን ኣብ ፍጻሜ ውሳኔ’ቲ ጉባኤ ዝመርሕ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘለዎ ማእከልነት ኣየብርሆን።

ጴንጠቆጣዊ ሕዳሴ ንቤተ ክርስቲያን ገምሪ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝረአይ ዘሎ ሕዳሴ እዩ። ምንቅስቓስ ተሓድሶ ጥራሕ ዘይኰነ ደሓር ብዝወጹ ሰነዳትን ዓዋዲ መልእኽትታን ውዕልታትን ነቲ ቲዮሎጊያ ሳልሳይ ዓንቀጽ ብዝብል ዝልለይ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ዝስነን ሕይወት ዝህብ ዝቐርቡ ቲዮሎጊያውያን አስተንትኖታ ይግለጽ።

ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባኡ ንዝግበር መጽናዕትን ውዕልታትን መጋበርያ ጥራሕ ዘኰነስ ኣብቲ መላእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ክዋኤኡን ነፍሲ ወከፍ ቲዮሎጊያዊ ድልያ “ናይ ሃምነናዊ ትምህርቲ ብርሃን” ስነ መንፈስ ቅዱሳዊ ሃዋህውን ቅብኣትን ኩሉ ቅብኣት መፈስ ቅዱስ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ስብከት ዘምጽኣት ኣብቲ ሳልሳይ ቲዮሎጊያዊ ዓንቀጽ ተባሂሉ ዝግለጽ ማለት እቲ ኣብ ተኣምኖተ እምነት (ጸሎተ ሃይማኖት) ዘሎ ንመንፈስ ቅዱስ ዝውከፍ ሓሳብ ዘማእክል እዩ፥ “በቲ ጐይታን ሕይወት ዝህብን መንፈስ ቅዱስ እኣምን” ተኣምኖተ እምነት ነዚ የጸልይና ስለዚህ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ? ምስ ኣብን ወልድን ዘዋህዶ (ሓደ ዝገብሮ) እንታይ እዩ? ‘ጐይታ እዩ’ ክበሃል እንከሎ ማለት ግደ ወይ ድማ ክፍሊ መለኰታዊ ባህርይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ባህርይ እዋጀ እዩ።

ስለዚህ ድማ መንፈስ ቅዱስ መለኰታዊ ባህርይ እዩ። መለኰታዊ ሕይወት ድማ ይጽግው። ማለት ክርስቶስ ንኽንነብር የብቅዓና ይድርኸና ነዚ ዝኽውኖ ድማ ብምስጢረ ጥምቀትን ቅዱሳ ምስጢራን ብቓል ኣምላኽን ምስ ኣብ ክርስቶስ ሓቢርና ብእንቅበሎ ስቓይ እዩ። እቲ ናይ ናይ ቁስጥንጥንያዊ ንቂያ ትእምርቲ ዝናዘዞ “ካብ ኣብ ሰረጸ” ዘይተፈጥረ እንታይ ደኣ ካብ ኣፍ ዝወጽእ እስትንፋስ ኣስተንፍሶ እዩ። ስለዚህ ህልው፡ ከምቲ ካብ ኣብን ወልድን ዝሰርጽ ዝብል መግለጺኡ መንፈስ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ተራ ተግባር ዘይኰነስ ተራኽቦ (ርክብ) እዩ። ስለዚህ ኣካል እዩ “ሓደ ንሱ(በዓል ቤት እዩ)" ቅዱስ ቶማስ ዘአኵይኖን ቅዱስ ኣጐስጢኖን “ምትእስሳር ዘለዎ (ዝራኸብ) ህላዌ” እንክብሉ ከም ዝገልጽዎ እዩ። ስለዚህ ተራኻብነትን ንሱነትን ኣካልን እዩ። ቀዳማይ ብዙሕ (ድሩብ) ኣካል፡ ስለዚህ ድማ ኣብን ወልድን ናይ ኣብን ወልድን ንሕናውነት እዩ። ኣብ መንጐ ኣቦን ወልድን ዘሎ ናይ ውህደት ምትእስሳር እዩ።

ከምቲ ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዝግለጽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምውዕዋዕ (ኣስተንፍሶ ዘሕድር) ተግባሩ “ብኣፍ ነቢያት ተናግረ እንክብል እዩ ዝገልጾ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ብምልኣት ዘይተገልጸ እዩ ዝመስል ስለምንታይ ደሓር ብኸመይን መዓስን ብቐጻልነት ብኢየሱስን ኣብ ሎምን ቤተ ክርስቲያንን ዝዛረብ ምዃኑ ስለ ዘይሕብር። ንሱ ግና ኣብ ላቲናዊትን ምስራቓዊትን ቤተ ክርስቲያን ህያው ህላወን እዩ። ኣብ መዓልቲ ጰንጠቆስጠን ኣብቲ ናብ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ጸሎት መንፈስ ቅዱስ ምስ ናይ ነፍሲ ወከፍና መንፈስ ዘለዎ ግላዊ ርክብ ነስተውዕል።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ትእምርታዊ ግልጸቱ ምድላይ ዘርውይ ዘይመስል ይኸውን እዚ ድማ ውሱንነት መንፈስ ቅዱስ ማለት ዘይኰነስ ኣገላልጻናን ሃምነናዊ ትርጉም ዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ክንደይ ውሱን ምዃኑ እዩ ዘመልክት እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.