2016-12-06 16:15:00

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ናይ ወንጌላውነት ኣርኣያ


ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ ብላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ ኣብ ናይቲ ዕለት ዝበዓል ቅዱስ ሓላዊ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌ ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ምኽንያት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ኣብነት እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣሊጡ።

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ናብቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ከባቢ ዓለም ብምኻድ ወንጌል ዘላለየን ብቓልን ሕይወትን ወንጌል ዘበሰረን ናይ ልኡክነት ሓድሽ ጐድኑ ዘላለየ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ 1506 ዓ.ም.  14 ዓመት ድሕሪ ርኽበት ህላዌ ኣመሪካ ናብ ክፍሊ ዓለም ርሑቕ ምስራቕ ኣቕኒዑ ሓዋርያዊ መንበር ናብ ምዕራብን ምስራቕን ደቡብ ኤውሮጳን ስብከተ ወንጌል ከሳልጥ ኣብ 1599 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ድሕሪ ምውላዱ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካብቲ ብዛዕባ ዘገልገለሉ ከባቢ ዝገልጽ ሓሳብ ዘመሓላፎ ዝነበረ ሓዲግዎ ካብ ዝሓለፈ መልእኽትታቱን ጽሑፋትን ድማ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳትን ልኡካነ ወንጌል ክልእኹን ሓደስቲ ልኡካነ ወንጌል ተበግሶታት ከተባብዑን ከረጋግጹን ከምዝድረኸ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ከም ክርስቶስ ናብ ኣሕዛብን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውና እተብል ክትከውን ብምትሕስሳብ ወንጌላዊ ልኡክነት የተባብዑን ኩሉ ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል እዩ እንክብሉ ልኡክነት የነቓቕሑ።

ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ምዃንና ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ የዘኻኽረና እቲ ዓቢይ ብድሆ ድማ ካብቲ ጥጡሕን ቅሳነትን ምርግጋእን ዝዓሰሎ እትነብሮ ሕይወት ክርስትናን ቁምስናታናን ሰበኻታትናን ተተባቢዕካ ካብ ገዛእ ራእስና ናብ እንወጽእን እንነቅልን ናብ ኣሕዛብ ንበል። ክርስቶስ ከምቲ ካብ እግዚኣብሔርነቱ ወጺኡ ሰብ ኰይኑ ዝመጽ ከምኡ ናብ ክንብል ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ተልእኾ’ዚ ናይ ኵሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅዱሳት ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ፡ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስን ፓውሊና ያሪኮትን ኣብ ወንጌላዊ ልኡክነት ብዘለዎም ፍቕሪ ዝሓበሩ እያቶም። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ዓቢይን ፍሉይን ወንጌላዊ ልኡክን ተጓዓዛይን ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ እታ ዓባይ ብሰቂለ ህሊና መፈሳውነት ኣቢላ ኣብ ብሕትው ናይ መናንያን ዕጹው ገዳም እናነበረት በጸሎታን ኣስተንትኖኣን ተልእኰ ወንጌል ዘሐየለትን ቅድስቲ ፓውሊና ያሪኮት ድማ ናይ ኣስፍሆተ እምነት ተግባር መስራቲት ብጸሎት መቑጸሪያን ኣብቲ እትሰርሓሉ ዝነበረትሉ ፋብሪካ ንኣስፍሆተ እምነት መሳለጢ ምጽዋት እትእክብ ዝነበረት ልእኽቲ ወንጌል እያ። እዞም ሰለስተ ናይ ወንጌልዊ ልኡካን ኣብነታት ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ እያቶም ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ብስራተ ወንጌል ምርኻብ ምስ ክርስቶስ እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ስብከቶም እንከጠቓልሉ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡክነትን ወንጌላዊ ሃሴት ባህርእያ ወንጌል ሓናጺ ሓሳባት ዝጥርንፍ ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ዘይኰነስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት እዩ። እዚ እዩ ሓቀይና ወንጌላዊ ልኡክነት። ስለዚህ ድማ ወንጌላዊ ልኡክነት እቲ ብውልቅን ብማሕበርን ዝተራኸብካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልኦት እውን ንኽራኸብዎ ንኣኡ ናብኦም ምብጻሕ ማለት እዩ። ዝተራኸካዮ ክርስቶስ ምራኻብ ማለት እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.