2016-12-06 16:24:00

ናይ ኰንጐ ብፁዓ ጳጳሳት፥ ፖለቲካዊ ማእከላይ ስምምዕ ዝከኣል እዩ


ናይ ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕጂ እውን ፖለቲካዊ ግድድፋን ማእከላዊ ስምምዕ ምትግባር ዝከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ብዙሃን ፖለቲካዊ ውድብን ተቓዋሚ ናይ ውሁዳን ፖለቲካዊ ውድብ ግድድፍ ክግበረን ከሰማምዖም ኣብ ዝኽእል ማእከላይ ሓሳብ ኽሰምሩ ናይ ኪሳንጋኒ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማርሰል ኡተምቢ ታፓን ናይ ምባንዳካ ቢኮሮ ሊቀ ጳጳስን ናይ ቦኩንጉ ኢከላ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብርን ብፁዕ አቡነ ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሰንጉ ክታም ዝተነብሮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ስምምዕን ምርግጋእን ውሑስ ክኸውን ዝዕድም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ዲሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላን ተቓዋሚ ናይ ውሁዳን ፖለቲካዊ ውድብ ስምምዕ ንኽህሉ ክሽምግል ድልው ምዃኑ እውን ከመልኪቱ ሕጂ እውን ኣብ መንጐ ናይ ብዙሓንን ተቓዋሚ ናይ ውሁዳ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ብምጥርናፍ ነቲ ብዛዕባ ኣተገባብራ ቅዋም ሃገርን እዋናዊ ቅልውላዊ’ታ ሃገር ንምፍታሕ ዝቐርቡ ሓሳባትን ሕዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለትን መሳለጢ መደብ ሕዝባዊ ምርጫን ናጻ ዝዀነ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ዝከታተል ድርገትን ናይ ኰንጐ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ውድብ ናጻን ኣብ እዋን ስግግር ናይ መንግስቲ መዋቕራት ዕዮ ቀጻልነቱ ውሕስ ምግባር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እወጊዶም ከሰማምዖም ኣብ ዝኽእል ነጥብ ምልስ ቢሎም ፖለቲካዊ ሕድገታት ገይሮም ኣብ ማእከላዊ ሓሳብ ክሓብሩ ብፁዓን ጳጳሳት’ታ ሃገር ጻውዒት እንከቕርቡ ሕዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር መግስትን ተቓዋሚ ናይ ውሁዳን ፖለቲካዊ ውድብ ስምምዕ ክግብሩ መታን ብፁዓን ጳጳሳት ክሽምግሉ ድልዋት ምዃኖምን እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ክካየድ እዚ ድማ ንካልኣይ ጊዜ ነታ ሃገር ብርእሰ ብሔርነት ዝመርሑ ዘለዎ ጆሴፍ ካቢላ ናይ ስልጣኖም ዘመኖም ኣብ ዝጠናቐቐሉ እዋን ብምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ኣዘኻኺሮም ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕን ብዛዕባ እቲ ዝተጠቅሰ ዘየሰማምዑ ነጥብታት ኣብ ዘሰማምዕ ሓሳብ ክዓልቡን ናብ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሰንይ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝብል ሓሳብ እውን ብፁዓን ጳጳሳት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ከምዘቕረቡ ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.