2016-12-10 12:34:00

ሰንበት ዘመጻጉዕ 2 ታሕሣሥ 2009 ዓ. ም. 12/11/2016) መንፈሳዊ መልመስቲ


ንባባት፡ ኤፈ 5፡8-14፥ 1ዮሓ፡ 5፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 4:14-22፥ ሉቃ. 5፡17-26። ስብከት፡ ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሓሱ ሐሰተ፥ አእምሩ ከመ ተሰብሓ እግዚአብሔር በጽድቁ። አቱም ደቂ ሰብ ንኽብረይ ክሳብ መአስ ኢኹም እተሕስርዎ ክሳብ ምአስ ኢኹም ንኸንቱነት እትፈትዉን ንሓሶት እትስዕቡን መዝ.4፡2።

መዝሙር በዚ ዕለት ዝዝመር ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡እስራኤላውያን ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ዝረአየ ርኢናን ሰሚዕናን አይንፈልጥን። ካብ እግዚአብሔር እንተ ዘይከውን ነዚ አይምገበረን፥ ብዛዕባ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፥ ዘሕወየኒ ካብዚ ዝኸፍእ ከይረኽበካ ንኻልእ ከይትነግር ኢሉኒ ይብል።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘመጻጕዕ ተባሂሉ ይፍለጥ። ሕማም መጻጉዕ አብ ጊዜ ኢየሱስ ሓደ ካብቶም ንደቂ ሰብ ዘሳቕዩ ሕማቕ ሕማም ኮይኑ ዝኸፍአ ኸአ ነዚ ሕማም ዝሓመመ ስቓዩ ከይ አኽሎ ካብ ሰብ ተፈልዩ አብ ሰብ ዘይነብሮ አብ በረኻ አብ ብዓቲ ካብ ሰብ ርሑቑ ከምዝነብር ዝገብር ሕማም እዩ። ሥጋዊ ስቓይ ጥራሕ ዘይኮነ ስነ ኣእምራውን ሞራላውን ስቓይ እውን አለዎ። ነዚ ሕማም ዝሓመመ ሰብ ብማዕዶ ክርኢ እንከሎ ዓው ኢሉ መጻጕዕ እየ እናበለ ክሃድም አለዎ ቆልዑት ኣእማን ይድርብዩሉ ይሃድም፡ ዝኾነ መውስቦ ምስ ከምኦም ዝአመሰለ እንተ ዘይኮነ አይፍቀደሎምን እዩ። ብሓቂ ዘስቅቕ ሕማም እዩ ነሩ። ሎሚ አብ ገለ ሃገራት አፍሪቃ እንተ ዘይኮይኑ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ። መንፈሳዊ መጻጉዕ ግን ገና አሎ እኳድአ ብብዝሒ ንብዙሓት አማሲኑ ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩ ይርከብ።

መጻጉዕ ዝብል ትርጉም ንኻልእ ሕማማት እውን ከስምዕ ይኽእል እዩ ማለት አብ መንፈሳዊ ትርጉም ክንህቦ ከሎና፥ ንአብነት ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ልሙስ ሰብ ይዛረብ እዚ እውን ሓደ ካብቲ ዝፈልየና ወላ እኳ አብ ቤት ምስ ሰባት ንሃሉ ብባዕልና ሓንቲ ክንገብር ዘየኽእለና ተጸበይቲ ካልኦት ይገብረና። ብዘሎና ጸገም ካብ ካልኦት ንፍለ። ሰብ ብዝኾነ ምኽንያት ክፍለ እንከሎ አብ ጸገም እዩ ዝርከብ። አምላኽን ሰበን አብ ሕይወትና የድልዩና እዮም።

አብ ታሪኽ ሰባት ብብዙሕ ዓይነት ሕማም ከም ዝሳቐዩን ካብ ሰባት ከም ዝፍለዩን ንርኢ። መልመስቲ ሓደ ካብቲ ንአካላትና ቀቲሉ ከምዘይንቀሳቐስ ዝገብር ከቢድ ሕማም እዩ። እዚ ናይ ሉቃስ ትራኸ ልሙስ አብ (ማቴ 9፡1-8፥ ማር 2፡1-12) ንረኽቦ። ሉቃስካብ ካልኦት ፍልይ ብዝበለ ምስቲ ክብሎ ንዝደለ አሰማሚኡ ከምዚ ይብል፥ ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ አብ ሓደ ቤት ኮይኑ ክምህር እንከሎ ካብ ኩሉ ዝመጽኡ ሕሙማት አብኡ ከም ዘቕረቡሉ እሞ የሕውዮም ከም ዝነበረ ይነግረና። ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተላዕለ አብቲ ዝነበሮ ቤት መእተዊ አይነበረን። እዚ ኢየሱስ ዝነበሮ ቤት ናይ መን ምዃኑ አይነገረናን እዩ ብዙሓት አበው ነዚ ክትርጉሙ ከለዉ እዚ ቤት ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ አብኡ ዝመላለሶ አምሳል ቤተ ክርስትያን እዩ፥ አብኡ አምላኽን ማሕበር ክርስትያንን ይርከቡ። አብኡ ምሕረት ይርከብ። ኢየሱስ ብምስጢራቱ አብኡ ይርከብ፥ ምሕረትን ሕድገት ኃጢአትን አብኡ ይርከብ ስለዚ እዚ ቤት ቤት አምላኽን ሰብን እናበሉ ይነግሩና።

ዝሓመመ ሓኪም ክደሊ ባህርያዊ እዩ፥ ሰባት ኢየሱስ እቲ ዘሕዊ መጺኡ አሎ ምስ በልዎም አብኡ ገጾም ይውሕዙ ከምዝነበሩ ወንጌላውያን ደጋጊሞም ይነግሩና። ሎሚ አብዚ ጊዜ ምጽአት እዚ መንፈስ አባና ተረኺቡ ከካብ ተኸዊልናሉ ዘሎና መሕብኢ ሕማምና ወጺእና አብቲ ፈዋሲ ሕሙማን ዝኾነ ክርስቶስ ገጽና ንምኻድ መገዲ ንስሓ ንተሓሓዞ።

ቅ. ሉቃስ ጥራሕ እዩ እዚ ልሙስ በርባዕተ ሰብ ተጸሩ አብ ናሕሲ ደይቦም ነቲ ጡብ ከፊቶም ከም ዘውረድዎ ዝነግር፥ በዚ ኸአ ናይ እቶም ዝጸርዎ ብርቱዕ እምነት ይገልጽ። አብ ቅዲሚ ኢየሱስ ተጋዲሙ ምሕረት እናተጸበየ ተንሥእ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ እዩ ዝብል ሰሚዑ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንሕና እውን ምሰንበድና እቲ ልሙስ ነዚ ምስ ሰምዐ እንታይኮን ሓሲቡ ይኸውን። ምኽንያቱ ዘምጽኦ ካብ ምልማሱ ክሓዊ እምበር ሕድገት ኃጢአት ደልዩ አይ ኮነን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ቀሪቡ። ከምኡ እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እውን በዚ ዘረባ ብዝያዳ ተገረሙ። እዚ ንእግዚአብሔር ዝጸርፍ ዘሎ መን እዩ ብዘይካ አምላኽ በይኑኸ ኃጢአት ክኃድግ ዚኽእል መን እዩ፥ እናበሉ ከጉረምርሙ ጀሚሮም። ብርግጽ ሓቆም እዮም አምላኽ ጥራሕ እዩ ኃጢአት ዝሓድግ ጸገሞም ናይ አምላኽ ህላዌ አብ ኢየሱስ ከምዘሎ ዘይምእማን እዩ።

ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ ከምዚ እናበለ ሓቲትዎም አየናይ ይቐልል ኃጢአትካ ተሓዲጉልካዶ እዩ ምባልዶ ወይ ተንሥእ እሞ ኺድ ምባል? አብኡ እንከሎ ክንርእዮ ከሎና እቲ ቀዳማይ ይቐልል፥ እንተ ኾነ ኢየሱስ ነቲ ልሙስ ስልጣን ናይ ኃጢአት ምሕዳግ ከምዘለዎ ከረድእ ኢሉ ንአኻ ግን እብለካ አሎኹ ተንሥእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ በሎ። ንሱ ድማ ብኡብኡ አብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት አልዒሉ ንአምላኽ እናአመስገነ ናብ ቤቱ ኸደ።

ነዚ ክንርዳእ በቲ እዋን ዝነበር ርድኢት ርክብ አብ መንጎ ኃጢአትን ሕማማን ክንርኢ ይግባእ። ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ምልማስ፥ ዑረት ዓይኒ፥ መጻጕዕ ዝአመሰሉ ብሰንኪ ዝገበርካዮ ኃጢአት ከም ዝወርዱ እዩ ዝእመን ነሩ። ስለዚ ኢየሱስ ካብቲ ሕማም ጨሪሱ አሕውይዎ እንተኾይኑ ነቲ አብኡ ዘብጽዖ ሳዕበን ኃጢአት እውን አሕውይዎ ማለት እዩ ስለዚ ኢየሱስ ኃጢአት ክሓድግ ስልጣን ዘልኦ ካብ ካልኦት ፍሉይ አብኡ አምላኽ ዘሎ እዩ።

አብዚ እዋን ከምቲ አብ እዋን ኢየሱስ ብዝነበረ ርድኢት አይንርእዮን ንኸውን እንተ ኾነ አብ መንጎ ሕማምን አደብ ወይ ጠባይ ወይ ባህሪ ሰብ ዘራኽብ ነገር ብርግጽ አሎ። ነዚ አብ ብዙሓት ዝሓመሙ ወላ እውን አብ ሆስፒታላት ዝአትዉ ክንርእዮ ንኽእል፥ ምኽንያቱ ሰውነት ናይ እዞም ሰባት ከም ዝሓመሙ ምልክት የርኢ መሰረት ናይ እዚ ኸአ አብ ልቦም፥ አእምርኦምን ስምዖቶምን ዝፍጠር እዩ አብ ሰውነቶም ዝርአ። አካላዊ ሕማም ካብቲ ውሽጣዊ ጸገማትና ክምንጩ ይክአል እዩ። ንአብነት ሕልንኡ ዕሩብ ሰብ ክፍአተ ግብሪ ክገብር አየጽግሞን እዩ። ንግዳማውን ውሽጣውን ሕማማና ክንፍወስ እምብአር አብቲ ዘሕዊ ስልጣን ዘልኦ ኢየሱስ ቀሪብና ንኹሉ  ዘድልየና ሕውየት አብ ምሉእ አካልትናን ሰውነትና አእምሮናን ልብናን ምስ ካልኦት አብ ዘሎና ርክብ ክበጽሕ አብ ቅድሚኡ ንቕረብ።

አብዚ ታሪኽ ልሙስ ዝነበረ ሰብአይ ምስ ናይ ትንሣኤ ነገራት ዘራኽብ ነገራት ንርእየሉ። እዚ ሰብአይ ደው ምስ በለ ቀደም ዘይገብሮ ዝነበረ ሓዲስ ሕይወት አርእዩ፥ ክኸይድ ክኢሉ፥ ገዝኡ አብቶም ናቱ ዝኾኑ ስድራ ቤቱ ከይዱ ምስኦም ተሓዊሱ። አብዚ እንርእዮ ክርስቶስ ዘምጽአልና ምሕረትን ሕድገትን ምስ ቤተ ክርስትያን ምስ ርእስናን ሓዲስ ርክብ ከምእንፈጥር ይገብረና። እዚ ልሙስ ከም ሰቡ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ክከይድ ክኢሉ ጸጋ አምላኽ ካብቲ ለሚስናሉ ዘሎና ኃጢአት አተንሢኡ አብ ሓዲስ ሕይወት የእትወና። ብክርስቶስ ዝግበር ምሕዋይ ካብቲ ንእኡ ካብ ምኽታል ወይ ምስማዕ አልሚሱ ሒዙና ዘሎ አተንሢኡ አብ ሓዲስ ሕይወት ስለ ዘእትወና ሎሚ ክንቅበሎ አሎና። ከምብሓዲስ ተንሢእና አብቲ ንሱ ዝህበና ሓዲስ ሕይወት ደው ኢልና አብቲ ሓቀኛ ቤትና ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ኢና እዚ ኸአ ምስኡ ምዃን እዩ።

አብ ኢሳያስ 35፡1-10 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ አብኡ ክንምለስ እንተ ኸአልና እንውሃቦ ጸጋን በረኸትን ይገልጽ። ኢሳያስ ነቶም ካብ ባርነት ባቢሎን ክምለሱ እዋኑ ዝቐረበ ክነግሮም እንከሎ ነገራት ጨሪሶም ከም ዝቕየሩ ይገልጸሎም። እቲ በረኻን ምድሪ አጻምእን ዝነበረ ኪሕጎስ እልል ክብል ከም ጽገረዳ ድማ ኺዕምብብ እዩ እናበለ አምላኽ አብ ምምላሶም ዝገብረሎም ይነግሮም።

ጉዕዞ ንስሓን ድሕነት ቀሊል አይ ኮነን ኢሳያስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ነተን ዝሰነፋ አእዳውኩም አበርትዕወን ነተን ወለል ዝበላ አብራኽኩም ድማ አደልድልወን. . . አጆኹም አይትፍርሁ ይብሎም።  እቲ ለውጢ አብ ባህሪ ጥራሕ አይ ኮነን ዝመጽእ ኩሉ ጉድለታት ካብ ሕይወት ደቂ ሰብ ክእለ እዩ፥ ዕዉራት ክርእዩ፥ ጸማማት ክሰምዑ፥ ሓንካሳት ከም ኢራብ ክሰራሰሩ ዓባስ ከአ እልል ክብል እዩ፥ ማያት አብ በረኻ ወሓይዝ ድማ አብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ። እዚ ትንቢት ኢሳያስ በቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ከም እተረጋገጸ ንርኢ እዚ ኸአ አብ ምጅማር ስብከቱ አብ ሉቃስ 4፡18 ልክዕ ነቲ አብ ኢሳያስ 61፡1 ዘሎ ክደግሞ ንርኢ። ስለዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ንጹር አብነት ናይ ሓደ ብምሉእ ክሓዊ ብነፍስን ብሥጋን ዝደሊ ልሙስ ሰብ ክገልጽ እንከሎ ነቲ ኢየሱስ ዘምጽአልና ምሕረትን ሓዲስ ሕይወትን ርኢና ክንክእል ልብና ክንከፍት ይነግረና።

አብዚ ዘመነ ምጽአት ኢየሱስ ዝተፈላለየ ጸጋታቱ ከምጽአልን ክንሰናዶ ክንሓዊ እሞ አብ ቤት አቦና ዝኾነት ማሕበር ክርስቶስ ብምልአት ክንሳተፍ አብኡ ዘቕርበና ጉዕዞ ክንጅምር የዘኻኽረና። ኢሳያስ ነብዪ አብአ ዓቢ ጽርግያ ኽህሉ እዩ ቅዱስ ጽርግያ ተባሂሉ ኸአ ኺስመ እዩ ርኹስ ዘበለ ብእኡ አይክኃልፍን እዩ፥ ንሱ መገዲ ቕኑዓት ጥራይ እዩ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ አይክጋገን እዩ. • . . . . ብአኡ ዝኃልፉ ድኁናት ጥራይ እዮም ይብለና። ዘይንጹሓት በቲ ጽርግያ አይክሓልፉን እዮም፥ ብኻልእ መገዲ አብ ጥፍአቶምን ዕንወቶም ዝወስድ ብእኡ እዮም ዝጉዓዙ። አብዚ ቅዱስ ጉዕዞ ምጽአት ክንሕዞ ዝግብአና መገድን ሕይወትን ንጹር እዩ። ነታ ቅንዕቲ ሕይወትን መገድን መጠን ዝሓዝናሉ ዘፍርሕ የብልናን።

አብዚ ታሪኽ ልሙስ ዝነበረ እሞ ብተአምራት ዝሓወየ ብዙሕ ጽቡቅ ነገር አሎ ክንምሃሮ ዘሎና። እዚ ልሙስ በዕርኽቱ ተጸሩ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ። ንሶም እንተ ዘየቕርብዎ ምናልባት አይ ምሓወየን ሳላ እዞም እሙናት አዕርክቱ ግን አብ ምሉእ ምሕዋይ በጺሑ። እዚ ንኹልና አብነት እዩ። መጀመርያ ንርእስናን ንሰባትን አብ ኢየሱስ ክነብጽሕ እንተ ኸአልና አብ ሕይወቶም ዓቢ ለውጥን ምሕዳስን ነምጽአሎም። ሎሚ ብሰንኪ ጽልኢ ወይ ብኽፉእ ጠባይ ብመንፈሳዊ መልመስቲ ንዝማስኑ አብ ኢየሱስ ክነቕርብ እዋን እዩ። እዚ ክንገብር ንሕና መጀመርያ ካብ ዝኾነ ንመንፈስና አልሚሱ ዘይ ናይ ክርስቶስ ዝገብረና ነገራት ወጺእና አብ ክርስቶስ ክንቀርብ ይግባእ። አሕዋትና ስአን አብ ክርስቶስ ዘቕርቦም ከይሓወዩ ልሙሳት ኮይኖም ከይተርፉ ናታትና ሓገዝን ምውፋርን የድሊ አሎ።

ካብ መንፈሳዊ መልመስትና እንሓዊ ንኻልኦቶ አብ ኢየሱስ ክነቕርብ እዩ። እንቋዕ ንአይ ጥዓመኒ ዝብል መንፈስ አማናይ ክርስቶስ ዝብሎ አይኮነን። ባህሪ ክርስትና ነቲ ንርእስኻ ዝረኸብካዮ ምስ ካልኦት ምክፋል እዩ። ኩልና ሓደ ሰብ ናይ ብሓቂ ምሕረት አምላኽ ዘድልዮ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ከምዚ ናይ ወንጌል ሰብአይ አምላኽ አዕሩኽ እቶም ዝለመሱ ክንከውን እሞ ነቶም ካብ አምላኽን ቤተ ክርስትያን ወጺኦም አብ መልመስቲ ዝነብሩ ክነምጽኦም ምስ ቤተ ክርስትያኖም ምስ ሰቦም ክንሕውሶም ተልእኮና እዩ።

ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ክንሓዊ ደቂ አምላኽ ኮና ጸጋ ክንዕደል ዝተሰርዑ እዮም ብፍላይ ምስጢረ ንስሓ። ኢየሱስ ነቲ ልሙስ ኪድ ኃጢአትካ ተሕዲጉልካ ኢልዎ ሽዑ ተንሢኡ ከይዱ። ካህን አብ መንበረ ኑዛዜ ብስም ክርስቶስ ንተነሳሒ አብ መወዳእታ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብአፈይን እፈትሓካ አሎኹ እናበለ ስሬተ ኃጢአት ይህቦ። አብዚ እቲ ብግቡእ ዝተነስሐ ከምቲ ልሙስ ሰብአይ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ ነቲ ምስ አምላኽን ሰብን ፈልይዎ ዝነበረ ሰጊሩ ወዲ/ጓል አምላኽን ኮይኑ/ና አብ ሓዲስ ሕይወት ይአቱ። አብዚ ቅዱስ እዋን እምብአር ንሰንሰልት ኃጢአትና በቲኽና ሓዲስ ሕይወት ክንለብስ እሞ ንልደት መድኃኒ ዝኸውን ሕይወት ሒዝና ክንርከብ ናይ ኩልና ምብርባር የድሊ አሎ።

ዘመነ ምጽአት አብ ሓዲስ ሕይወት አቲና ንመድኅና ዝኸውን ልቢ እነሰናደወሉ ጸጋን በረኸትን የውርደልና።

 

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.