2016-12-13 16:17:00

ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ክፍለ ዓለም ኣመሪካን ሃገረ ፊሊፒንስን ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ላቲን ባሕረ ሓሳብ ስርዓት ቅዳሴ መሰረት ለምዘበን ንሳልሳይ ጊዜ ዕለት 12 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ መላእ ኣመሪካን ሃገረ ፊሊፒንስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢጣሊያ ዝርከቡ ዜጋታት ላቲን ኣምሪካን ኣብ ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ልኡካነ መንግስታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ልኡኽ ጋዜጠይና ርዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

እታ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ኮረብታ ተፐያክ ዕለት 9 ታሕሳስ 1531 ዓ.ም. ናይ ላቲን ኣመሪካ ኣባል ደቀባት ወይ ከኣ ቀዳሞት ተወለድቲ ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ ዓሌት ዝዀነ ኢንዲዮስ ድኻን ፊደል ዘይቆጸረን ንዅዋን ዲየጐ ትግለጽ እሞ ንሱ ሰንቢዱ ናብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ኣቡን ዝረአዮ ግልጸተ እንተሓበረ ከይተኣመነ ይተርፍ እሞ ቅድስቲ ድንግል ምርያም መሊሳ ዕለት 12 ታሕሳስ 1531 ዓ.ም. ትግለጽ እዋኑ ድማ ክረምቲ እውን እንተነብረ ማርያም ኣብቲ ዝተገልጸትሉ ስፍራ ብምዕዝው ጽጌረዳ ነቲ ኰረብታ ክምላእ ተግበር ዲየጐ ድማ ብቲ ለቢስዎ ዝነበረ መንጠሊና ነቲ ፍዮሪ ኣኪቡ ናብ ኣቡኑ የብጽሕን ነቲ ጽገሬዳ ዝኣከበሉ መንጠሊናኡ ኣብ ባይታ የቐምጥ ኣብቲ መንጠሊና ድማ ማርያም ትግለጽ  ነዚ ዝረአዩ ኣቡን ድማ ኣብ እዋን ከቢድ ክረምቲ ጽጌረዳ ክዕንብብ እዚስ ተኣምር ብዓብዩ ድማ እነሆ ተገልጸት እንክብሉ ይኣምኑ ኣብቲ ኰረብታ ድማ ከምቲ ማርያም ዝሓተተቶ ብስማ ቤተ መቕደስ የቑሙ።

መልእኽቲ ግልጸት ማርያም ዘጓዳሉፐ እንታይ እዩ? ነቢያዊ መልእኽቲ፡ ንሱ ድማ ቀዳሞት ተወለድትን ካልኦት ናብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝኣተዉ ዜጋታት ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ማርያም ብሓደ ንኽነብሩ ዘብቅዕ ጸጋ ትዕድሎት እዮ እንክብሉ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይገልጽዎ። ብፍቅርን ሓልዮትን ንመላእ ደቂ’ታ መሬት ትሓቁፍ ናይ ፍቅርን ናይ ምትሕስሳብን ናይ ምትሕልላይን መልእኽቲ እዩ። እብቲ እንነብረሉ ዘበለ ስፍራ ኵሉ ፍቅርን ምትሕስሳብ ምትሕልላይን ምንባር ዝብል መልእኽቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን እውን እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ይገልጽዎ።

ቅዱስ ኣቦና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

“… ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኽ” (ሉቃ. 1,45) በዚ ዓቢይ ቃል ኣቢላ ቅድስቲ ኤልዛቤጥ ንማርያም ናብ ቤታ ንበሪ ትብላ ኣብ ህላዌ ማርያም ትሓብር። በቲ ካብ ማሕጸና ብዝፈልቁ ቃላት ኣቢላ ነቲ ምብጻሕ ዘመዳ ማርያም እንክትገልጾ፥ “እነሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰምዕኩ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሰይ ብሓጐስ ተሰራሰረ፡ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነገረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ’ በለታ” (ሉቃ. 1, 44-45)።

ጐይታ ብማሕጸን ሓንቲ ሰበይቲ ኣቢሉ ይበጽሓና። በዚ ምብጻሕ እዚ ናይታ ካልአይቲ ሰበይቲ ማሕጸን ብታሕጓስን ውዳሴን ይምላእ። ምብጻሕ ማርያም ኣብ ኢልዛቤጥ ዝኸወኖ ኩነት እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ክበጽሓና እንክሎ እንበሮን ኵነት እታይን ከመይን ከምዝዀነ የነጽረልና። መላእ ሕይወትና ውዳሴን ቡራኬን ይኸውን። እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትካ ክበጽሓካ ምስ ዝመጽእ ሰናይን ቅዱስ ጭንቀት የሕድረልካ። ቃል ኣምላኽ ንኸተበስር ምስ እትጽእ ዝስምዓካ ስምዒትን እትነብሮ ኩነት ቅዳመይቲ ልእኽቲ ወንጌል ማርያም እትገልጾ እዩ። እታ ሓዳሽ መርከብ ኖህ ሎሚ እውን ኣብ ኣዋንና ኣብ ዕቁባት ቦታታት ኣልሂቓ ልክዕ ከምቲ ኣብ ተፐያክ ዝተገልጸቶ ንሕዝቢ ኣብ ስቓዩን ኩሉ ከምእተሰንዮ ተረጋግጸልና።

ሊሚ እውን ምስ ኢልዛቤጥ ሓቢርና “እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ንበላ። ማርያም ቅድስቲ ምስሊ ደቀ መዝሙርን ናይ ምእማንን ጸላይነትን ቅድስቲ ምስሊ እያ፡ … ኣብ ማርያም ብቓላ ዝተመቓቐረ ግጥማዊ ዝዀነ እምነት ዘይኰነስ ናይ ጽኑዕ እምነት ጭቡጥ ተምሳል ንረክብ። ተምሳል ጽኑዕ እምነት። ካብ ማርያም እቲ ናብ ምግልጋል ዝድርኽ እምነት ንመሃር። ኣብ ታራኽ ጨውን መብራህትን ኰይኑ ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ሕብረተሰብ ዝእተው እምነት ካብኣ ንመሃር።

እታ ንደቃትናን ንመጻኢ ወለዶ ከነረክባ እንደልይ ዘሎና ዓለም ስምብራት ምግምማዕን ምፍንጫልን ዝተመልኤት ንብዙሓት ዘግልል ብፍላይ ነቶም ሕይወቶም ብኽብርን እቲ ንወዲ ሰብ መሰረታዊ ዝዀነ ነገር ንኸናድዩ ብዙሕ ጸገማት ዘጓንፎም ንድሕሪት ዝሓድጉን ዝኣልዩን እዩ ዝመስል። እዚ ዓይነት ማሕበርሰብ’ዚ ድማ ብዝበጽሖ ዕደ ጥበባውያን ስነ ምርምራውያን ምዕባሌታት ዝሕበንን ክነሱ ኣብ ቅድሚ እቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ጉዕዞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ድሕሪት ዝተርፉ ዝተነጸሉን ዝግፍዑን ዕውርን ዕውልን ይኸውን። … እዚ ሕብረተሰብ’ዚ ናይ ሓርነትን ናይ ምድናቕን ባህሊ ዝፈጥር ኰይኑ ክርአይ ንብዙሓት ኣሕዋት ግና ናብ ቀቢጸ ተስፋነት ይንውንውን ብዙሓት ድሒርት ከይተፉ ቢሎም ርቡጽን ጭኑቝን ሕይወት ክነብሩ ይገድድ፡ … ምዕባለ።

እቲ ዘሕዝን እዚ ዓይነት ባህሊ ማለት ዘይምትእምማን ምድንጋራትን እናተረጋገጸ ሰለይ እናበለ ናብ ዕንዛዘን ትህኪትን ምብትታንን ዝንብራ ሃገራት ይፈጥር። እቲ ዓለምና ክፍለ ዓለማትና በጺሕዎ ዘሎ ናይ ሕይወት ደረጃን ደረጃ ሃብትን ክንምክሓሉ ዘየኽእሉ ኩነታት ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ከተማታትና ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእስያትን ግዳም ሓደር ክዀኑን እንጀራ ዕለት ተሓሪምዎም ፈቐዶኡ ክልምኑ ዝውዕሉን ርእሶም ዘዕርፉላ ስፍራ ዘናድዩን ዝተመልኤ እዩ። ዝምዝመዙ ሕጻናት ብዘይ መሰልን ክብርን ብቕዓቶም ሓይሎምን ዝምዝመዙ መንእሰያትን ኣብ ፍቐዶ መገዲ ናይ ተራፊክ መብራህቲ ኰይኖም ብዝልምኑ ኣብ ናይ ሕይወት ባቡር ንኸይሳፈሩ ወይ ድማ ቦታ የብልኩምን ዝበሃሉ … ናይ ሞት ባህሊ ብዘስፍሑ ጉጅለታት ደቃቶም ወለዳቶም ዝስእኑ ዜጋታት ዝተመልኤ ዓለም። ምግፋዕን ብድኽነት ምንባርን ተነጺልካ ምንባር ከም እወታዊ ንኽንቅበሎ ዝድርኽ ዓለም። ከምቲ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ኣብ ብራዚል ኣብ ከተማ ኣፓረሲዳ ኣብ ዘካየድዎ ሓምሻይ ምሉእ ጉባኤ፥ “ዘይተረጋገጸን ዘይርግጸይናነትን ኵነት ብዙሓት ደቂንስትዮ ክብሪ ንሓደጋ ኣቃሊዑን ብዙሓት ገሊኣተን እውን ትሕቲ ዕድመ ዝዀና ኣሕዋትና ኣብ ውሽጢ ኣባይተንን ኣብ ግዳምን ንዝተፈላለየ ዓመጽ ተዳሪገን ኣለዋ” ብሓቂ  እዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ኩነት ሕይወት ድማ እምነትና ከልምስን ኣብ ጥርጥር እውን ከእትው ዝኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ መጻኢ እንርኤሉን እነማዕድወሉን ተስፋና ዘቕህም እዩ። ንእምነትና ኣብ ዓቢይ ሕቶ ዘእትዉ ኩነታት ኣሕዋትን ኣሓትን … ።

ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ዓይነት ጸገም ሕይወት፡ ምስ ኤልሳቤጥ ሓቢርና፥ “ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ንበል እቲ ንምግልጋልን ምብጻሕን ዝብል ኣገልግሎት መለለይኡ ካብ ዝዀነ ናይ ኣዴና ማርያም እምነት ሓቀይና እምነት ንመሃር። እምነትን ኣገልግሎትን ኣይፈላለዩን እያቶም።

ማርያም ምኽባር ብቐዳምነት ኣደነታን ኣንሕና እውን ኣደ ከምዘላትና ንበይንና ከምዘይኰንና ተዘክሮ ምግባር ማለት እዩ። ኣደ ኣላትና። ኣደ ኣብ ዘላትሉ ቦታ ኹሉ ጨናን መኣዛን ቤት ኣሎ፡ ከም ኣሕዋት ሽሕ ንጻላእ ንበኣስ ኣብ መወዳእታ ግና ኣሃድነት ተዓዋቲ እዩ። ኣደ ኣብ ዘላትሉ ስፍራ ሕውነት ተዓዋቲ ናይ ምግባር ቃልሲ ህልው እዩ። … እታ ተቓላሲት ኣደ … ብዙሕ ጊዜ ብዘይ ሓደ ሓገዝን ረዳእን ናይ ቤተሰበንን ደቃተንን ሕይወት ዕውት ንኽገብራ ዝቃለሳ ኣዴታት ከተማታናን ክፍለ ዓለማናን ዝተመልኤ እዩ። ማርያም ምሳና እውን ከምኡ። ደቃ ኢና። እብቲ ምጥርጣርን ዑረትን ዝተመልኤ ዓለም ደቂ ተቓላሲት ማርያም ኢና። ኣብ ቅድሚ ምዕልቕላቓትን ፋሕ ጭንግራሕን ኩነት መነባብሮ ኣብ ሕይወትና እቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ክሰራሰርን ቃል ወንጌል ኣብ  ሕይወትና ስጋ ክለብስ ስሌና ትቃለስ ኣደ እያ። ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ክንጥምት ጐይታ ንምብጻሕና በቶም ነቲ ቃል ስጋኦም ገይሮም ብዝነብሩ ናይ ምሕረቱ ሕያዋን ምልክታ ዝኾኑ ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ ከርሶም ዝስግዉ ተዘኻኽረና።

ምብዓል ናይ ማርያም ተዘክሮ እቲ ኣብ ልቡ ሽሕ’ኳ ናይ ሕይወት ኵነት ነቲ ተስፋ ዝዓብጥ እውን እንተመሰለ ዓቢይን ብርቱዕን ትርጉም ተስፋ ትርግታ ምርግጋጽ ማለት እዩ”

ማርያም ዝኣመነትን ዘፍቀረትን ናይ ጐይታን ኣሕዋትን ኣገልጋሊት ስለ ዝዀነት እዩ። ተዘክሮ ማርያም ኣብ ምብዓል ኣንሕና ከምኣ ናብ ኣሕዋት ነቲ ናይ ምሕረት ከርሳ ሒዝና ንምኻድና ነብዕል። ማርያም እንከነስተንትን እቲ ናታ እምነት ንምድናቕን ህላዌኣ ንሕይወት ሕራይ እናበልና እቲ ናይ ተዋለድ ሓይሊ ዝህብ ኣብ መሬት ላቲን ኣመሪካ ክህሉ ነቲ ዝዀነ ይዅን ነጻልን ኣላይን ተግባር እምቢ ንምባል ኢና እነስተውዕል።

ንኻልኦት በዕይንቲ ማርያም ንኽንጥምት ካብ ገዛእ ርእስና ንምውጻእ ኣይንፍራሕ። በዕይንት ማርያም ምጥማት ኣሕዋት ዝገብር እዩ። እቲ ናታ ምጥማት ልክዕ ከም ዅዋን ዲየጐ ናትና እንገብሮ ኣደ ከምዘላትን ኣብ ሕቕፎኣ ምህላውና ንምስትውዓልን ጽላላን ሐለዋኣን ናይ ሓጐስና ምንጪ ምዃኑ የረጋግጸልና።

ሰላምክን ዕለታዊ መግብና ንስኺ እመቤትና ኣውህብና

ቤትን ቤተ ክርስቲያንን ቤት ትምህርትን እትጥርንፍ ሃገር ትሃልወና

ዅሉ መግቢ ዕለት ክረክብ ሓግዝና ብምልክት ጸሎት ዝተጣምራ ኣእዳውክ ስሌናን ከም ወርሒ ዝኾና የዕይንትኺ ናባና

ኣሜን

ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.