2016-12-13 19:05:00

ብዘይጐነጻዊ ምንቅስቃስ ኣብ ዓለምና ሰላም ንሕነጽ! ር.ሊ.ጳ


 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዓመት ዓመት ዝዝከር ዓለምለኻዊ ዕለተ ሰላም፡ በኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይ ዓመት ማለት ባሕቲ ጥሪ ዝዝከር ዓለምለኻዊ ዕለተ ሰላም ዝምልከት  ‘ሳልሳይ ውግእ ዓለም በብጭራም ዝካየደሉ ዘሎን ብዝተፈላለየ ነገራት ተመቃቂሉ ዘሎን ዘመንና ካብ ዓመጽ ነጻ ዝኾነ ዓለም ንምህናጽ ኩልና ንጽዋዕ ኣሎና’ ብዝብል ሓሳብ ‘ዘይጐነጻዊ ሰላማዊ ቃልሲ ኣብ ዓለም ሰላም ንምንጋስ ፖሎቲካዊ ቅዲ ክኸውን ይኽእል እዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣብሪሁ፣

ነዚ መበል ሓምሳ ዓመቱ ሎምዘመን ዝዝክር ዘሎ ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብኣርእስተ ር.ሊ. ጳጳሳታ ገቢራ ዓመት ዓመት ፍሉይ ኣርእስቲ ዝሓዘ መልእኽቲ ንምእመናን ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ትሰድድ፣

ንዓመተ 2017 ዓምፈ ዝተመርጸ ኣርእስቲ ‘ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሰላም፡ ስልቲ ፖሎቲካ ንሰላም’ ዝብል ኮይኑ ቅዱስነቶም መራሕቲ ዓለምና ኣጽዋር ኣብ ምውራድ ምናዳ ኸኣ ነቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ፈጺሞም ከወግድዎም ቤተክርስትያን ከኣ ብወገና ብዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ዝተኻእላ ክተበርክት ምዃና የረጋግጹ፣

‘ኣብ እንገብሮም ዕለታዊ ግላዊ ርክባትና ፍቅርን ዘይጐነጸን እንተመሪሖምና ኣብ ማሕበረሰባውን ዓለምለኻውን ርክባት እውን ክመርሑ ይኽእሉ’፣ እንክብሉ ከኣ ነፍስወከፍና ነዘን ክልተ ሓይላት እዚኤን ‘ናይ እንገብሮ ኩሉ ውሳኔታትን ርክባትን መምዘኒ ገርና ካብ ስድራቤት ክሳብ መንግስታት’ ክንጥቀመለን ሓደራ ይብሉ፣

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንድሕሪት ምልስ ይብሉ እሞ እተን ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ንዘመደ ኣዳም ዘስካሕክሑ ‘ክልተ ውግኣት ዓለም - ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም’ ዘኸትልዎ ዕንወትን ጥፍኣትን ድሕሪ ምዝካር፡ ሎሚውን እንተኾነ ይብሉ ‘ሎሚውን እንተኾነ ኣዳዕዲዖም ደኣ ኣይኣውጅዎን እምበር ዳርግ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክትብሎ ዘድፍር ኣብ ኩሉ ኲርነዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ቈጺርካ ዘይውዳእ ስቃይ ዘኸትሉ ካብ ብስም ራዕዲ ዝግበሩ መጥቃዕትታት ክሳብ ክተከላኸሎም ዘይከኣል ኣጥፊእካ ጥፋእ ዝዕላማኦም ተፈንጀርቲ ተዓጢቆም ኣብ መንጎ ሰላማዊ ሕዝብን ቆልዓን ሽማግለን እናፈንጀሩን እናተፈንጀሩን ደም ንጹሓት ብስም ኣውሓዙ ክብሪ ንኣምላኽ ዝሃቡ ዝመስሎም ናይ ጥሩኑፋት ሃማኖታት ተኸተልቲ ክትቀጻጸሮ ዘይከኣል ዕለት ዕለት እናበዝሑ ዝመጹ ዘለው ተርእዮታት፣ ቊሩባት ጐይቶት ውግእ ዝኸስቡሎም ናይ ግዜና ዕንወት እዮም’ እንክብሉ ዘሎናዮ ሓደጋ ይገልጹ። እሞኸ ደኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ ምስ ሞት ተፋጢጥካ እንታይ እዩ ዝግበር ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ከኣ ‘ነዚ ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ዓለምና ፈውሱ ዓመጽ ኣይኮነን’ ድሕሪ ምባል ‘እቲ ንወተሃደራዊ መዓላ ዝኽፈል መጠን ኣልቦ ሃብቲ ናብቲ ገና መልስን መዓልቦን ዘይተረኽበሎም ሽግራት ነበርቲ ዓለምና ጠቅሚ እንተዝውዕል ድርብ መኽሰብ ምኾነ’ እንክብሉ ኣብ ናይ ጥፍኣት መጋበሪ ዝኾኑ መሳርሒ ውግእ ንምሽማት ዝሕለብ ሃብቲ ዓለምና ኣተናኡ ክቅይር ይጽውዑ።

እዚ ጸገምዚ ሎሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ከምዝነበረ ንምግላጽ ከኣ ነዊሕ ከይከዱ ኣብ ዘመነ ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ኣብ ኣእምሮ ኣርድእቱን ሓዋርያቱን ዝነበረ ንመላእ ሕዝበ እስራኤል ጸሊው ዝነበረ ኣተሓሳስባ ነጻነትን ራእይ መስሕን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ‘ኢየሱስ እውን ኣብ ዘመን ዓመጽን ጐነጽን እዩ ዝነበረ ኮይኑ ግን ደጋጊሙ ጐነጽ ኣልቦ ቃልሲ ሰላም እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ብቃሉ ካብ ምምሃር ሓሊፉ ነቶም ንክሕዝዎ ዘለዎም ኣጽዋር ኣዋዲዶም ጸልማት ተጐልቢቦም ንምጥቃዑን ንምሓዙን ዝመጹ ሰራዊት ከይረተረፈ ዝገለጾን ብግብሪ ዝተቀበሎን ዝተሰዋኣሉን ምዃኑን በዚ ከኣ ንጽልኢ ኣሸኒፉ ሰላም ከምዘንገሰ ብግብሪ መስኪሩ፣ ነቲ ክከላኸል ፈንጠርጠር ዝበል ቅዱስ ጴጥሮስውን ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ዝጠፍእ እንክብል ሓቀኛ ተኸታሊ ምዃን ማለት ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ምኽታል ምዃኑ ብምርግጋጽ ንጸላኢኻ ኣፍቅር ዝብል ሕጊ ክርስቶስ ናይ ሰውራ ክርስትያን ሕመረት ምዃኑ የመልክት’ እንክብሉ ዓመጽ ዝገደደ ዓመጽ ከምዝወልድ እምበር ሰላም ከምዘየምጽእን ከምዘየውሕስን ገሊጾም።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናይ ክርስቶስ ኣብነት ብምኽታል ብቀረባ ብግብሪ ዝመስከሩ ሓደ ክልተ ሰባት ንምጥቃስ ዚኣክል ካብ ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ጀሚሮም ብማርቲን ሉተር ኪንግ ኣቢሎም ክሳብ ጋንዲ ብምምልካት ‘ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሰላም ብቈራጽነትን ብጥርኑፍነትን እንተተፈጺሙ ክንገሩ ዘይከኣሉ ዓወታት ከምዘጐናጽፍ ንርዳእ’ ኢሎም። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ልዕሊ ኩሉ ግደ ዘበርክታ ደቂኣንስትዮ ምዃነን ንምግላጽ ከኣ ‘ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ዝመርሓ ወትሩ ደቂኣንስትዮ እየን’ ምስ በሉ ከም ኣብነት ከኣ ኣብ ላይበርያ ‘ናይ ጸሎት ጉባኤታት ካብ ምክያድ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዳ’ ለይማ ግብወን ኣሽሓት ደቂኣንስትዮ ላይበርያ ድምጸን ንኩሉ ከጋውሓ ብምኻለን ክሳብ እቲ ዝለዓለ ናይ ዓለምና ሰበስልጣን ኣብ ዘተ ብምዕዳም ንዓለታውን ሲቭላውን ውግእ ላይበርያ ኣብ መዕለቢ ዘብጻሓ ሕያው መሰኻኽር ምዃነን ኣዘኻኺሮም። ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ቢልና ከይንድረት ከምኡውን ኣብ ዓለማውያን ጥራይ ከይንሕጸር ከኣ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ናብቶም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምልስ ይብሉ እሞ ምብራቃዊ ክፋል ኤውሮጳ ኮሙኒስትን ተኸተልቶምን ብዘኸትልዎ ምክፍፋልን ጸገማትን ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ደኺመ ከይበሉ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣኸቲሎም ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ብምጉህሃር ናይ ኮሙኒስት ግዝኣታት ከመይ ኢሎም ዓነውነው ከምዝበሉውን ይጠቅሱ።

ከም ቤተ ክርስትያን እንታይ ክንገብር ንኽእል ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ከማኡ እውን ኣብዚ ብዙሓት ብስም ሃይማኖትን ብስም ኣምላኽን ክግለጽ ዘይከኣል ዓመጽ ኣብ ዝፍጽሙሉ ዘለው ግዜ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ክምልሹ ከኣ ‘ብስም እግዚኣብሔር ዓምጽ ዝፍጽም ንስም እግዚኣብሔር የዋርድ፣ ማንም እምነት ፈጣር ራዕዲ ክኸውን የብሉን፣ ብስም ሰላም ጐነጽን ዓመጽን ብምጥቃም ስም እግዚኣብሔር ኣይነራኽስ’ እንክብሉ ዘየዳግም መትከሎም ይገልጹ።

ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስትያን ብዝምልከት ‘ቤተ ክርስትያን ዕላማታት ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሰላም ንክድንፍዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዓጢቃ ከምዘላ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምውሓስ ክትቃለስ ሓደራ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ተልእኾዚ ግን ንታ ናይ ብሕታ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኩሎም ሃይማኖታትን ነዚ ዕላማ እዚ ዝድግፉ ሰባትን ክትተሓባበርን ክትተሓጋገዝን ይምሕጸኑ እሞ ‘ስም እግዚኣብሔ ንዓመጽ ከይትጥቀሙ ሓደራ፣ ሰላም ጥራሕ እያ ቅድስቲ ውግእ ቅዱስ ኣይኮነን ስለዚ ነቲ ቅዱስ ስም እግዚኣብሔር ነታ ቅድስቲ ዝኾነት ሰላም ጥራይ ንጠቀመሉ` ቢሎም።

ከም መደምደምታ መልእኽቶም እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ክውን ንክኸውን ነታ መሰረትን ምንጭን ናይ ኩሉ ዝኾነት ስድራቤት ስለዝምልከት ኣብ ቤተሰብ ዓምጽ ዝበሃል ቦታ ክህልዎ ከምዘይብሉ እኳ ደኣ ኣብ ቤተሰብ ፍቅሪ እንተደኣ ድንፊዑ ኣብ ማሕበረሰብን መንግስታትን ሰላም ክነግስ ቀሊል ምዃኑ ብምግላጽ ‘ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ስድራቤት ናይ ፍቅሪ ታሕጓስ ይንገስ’ ድሕሪ ቢሎም `ናይ ቤትሰብን ደቂኣንስትዮን ሕጻናትን ዓመጽ ይቁም ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣጽዋር ዘበለ ኩሉ ይውረድ ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ከኣ ብሱሩ ካብ ገጽ ዓለም ይጥፋእ` ብማለት መልእኽቶም ይዛዝሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.