2016-12-15 13:23:00

ናይ ዘመነ ልደት ዝዓበየ ታሕጓስ እግዚኣብሔር ከምዝመሓረና ምእማን እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ክፍኣት ንዘለዓለም ኣይዕወትን እዩ፡ ከመይ እግዚኣብሔር ናይ ሰላም መንግስቲ ከቅውም ክመጽእ እዩ’ እንክብሉ፣ ኣብቲ ከም መባእታ ትምህርቶም ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 52 ዝተወስደ ‘ ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ ኢየሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ።  ኣቲ ኢየሩሳሌም፡ ተጐጓኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ። ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።. . . ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንኢየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ፡ ብሓጐስ እልል በላ፡ ሐቢርክን ኣመስግና።  እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን’ ዝብል ቃል ኣምላኽ መሰረት ብምግባር ንምጽኣት ጐይታ ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ኣቅሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ብዛዕባ ተስፋ ዝጀመርዎ ትምህርቶም ብምቅጻል ‘ዓለምና ክጽበ ስለዘይክእል ነፍስወከፍ ክርስትያን ናይ ተስፋ መልእኽተኛ ብምዃን ልደት ዘወፍየልና ታሕጓስ ናይ ዝተመሓርካ ምዃን ከበስሩ ኣለዎም` እንክብሉ ሓደራ ቢሎም።

‘ተስፋ ክርስትያን ካብ ዓበይቲ ነገራ ዝውለድ ወይ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ በዓቲ ንእሽቶ ሕጻን ኮይኑ ዝተወልደ ክርስቶስ ብምርኣይ እዩ፣ በዚ ከኣ ናይዚ ዓለምና ዝነሓሱ ተስፋ ኣቦታት ከምዝተፈጸመ ክፈልጡ እዮም፣’ ብማለት ከኣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተነበ ትንቢት ኢሳያስ ሎሚውን ንነፍስወከፍና ኣብ ልብና ዝዛረብን ተስፋ ዝህብን ዓወትና ዝገልጽን ምዃኑ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም `እግዚኣብሔር መንግስቲ ሰላም ክተክል ስለዝመጽእ ክፍኣትን ዓመጽን ደጊም ኣይከሸንፍን እዩ’ ቢሎም፣ ምኽንያት ተስፋናኸስ እዚ እዩ፣ ኩሉ ዝተጸንቀቀ እንክመስልን ኩሉ ኣሉታዊ ኣብ ዝኾነሉን ግዜ ምእማን ኣድካሚ ይኸውን ኩሉ ብላሽ እዩ ትርጉም የብሉን ዝብል ፈተናውን ይመጽእ ኮይኑ እነሆ እቲ ሰናይ ዜና ‘እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን’ ዝብል ቃል ኢሳያስ ነቢይ፣ እግዚኣብሔር ኢዱ ዘርጊሑ ሓርነትን ምጽንናዕን ክህበና ይመጽእ፣ ተስፋ ቊርጸት ተሳዒሩ እዩ ከመይ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልና ሓዲሩ እዩ፣ እዚ ከጸግመና ይኽእል ይኸውን! ምርዳኡውን ንስእን ንኸውን ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ንሓጢኣት ከምዘሸንፍ ክንመሃር ኣሎና፣ ድሕሪ ቢሎም ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ምስቶም ኣብቲ ትምህርቶም ዝተሳተፉ ምእመናን ‘ነዚ ክንመሃሮ ኣሎና እንተዘየሎ ሰብ ድኹም ኣእምሮ ኢና ማለት እዩ፣ እስከ ክሓተኩም እግዚኣብሔርዶ ወይስ ሓጢኣት ይዓቢ’ ኢሎም ምስ ሓተቱ ኩሎም ብሓደ ቃል ‘እግዚብሔር’ በሉ! ኣስዒቦም ከኣ ‘ኣብ መወዳእታ መን እዩ ዘሸንፍ! እግዚኣብሔርዶ ወይስ ሓጢኣት! ክብሉ ሓተቱ` እንደገና ኩሎም ብሓባር ‘እግዚኣብሔር’ ክብሉ መለሹ፣ ኣተሓሒዞም ከኣ ‘እግዚኣብሔር ወላ እቲ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ዘጸይፍን ዝዓበየን ዘርዕድን ዘሕፍርን ሓጢኣት ከይተረፈ ከሸንፍ ይኽእል፣’ ክብሉ ምስ ኣተምሃሩ እንደገና ናብቶም ሕዝቢ ቁሊሕ ቢሎም ከኣ ‘በየናይ መጋበሪ እዩ እግዚኣብሔር ንሓጢኣት ዘሸንፎ!’ ቢሎም ሓተቱ። ሕዝቢ ከኣ ብሓባር ‘ብፍቅሪ’ ክብሉ መለሹ።

እንደገና ናብ ሓጐስ ልደት ምልስ ቢሎም ከኣ ‘ነቲ ብመልክዑን ኣርኣያኡን ንዝፈጠሮ ናይ ሰብ መልክዕ ደዊኑ ካብ ዘሎ ሓጢኣት እግዚኣብሔር  ሓራ የውጸኦ! እዚ ከኣ ታሕጓስ ናይ ልደት፣ ጐይታ ምሒሩኒ እዩ ቢልካ ሓርነትካ ምልባስ፣ ናይዚ ፍቅሪ እዚ መፈጸምታኸስ በዚ ኣብ ልደት ንዝክሮ መንግስቲ ምሕረትን ሰላምን እዩ። እዚ ታሕጓስ እዚ ውሽጣዊ እዩ፣ ጐይታ ሓጢኣተይ ደምሲስዎ! ጐይታ ምሒሩኒ! ጐይታ ደንጊጹለይ ከድሕነኒ ከኣ መጺኡ! ካብ ዝብል ርድኢት እዩ ዝምንጩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ብጽምኢ ሰላም ደሪቁን ተሃዊጹን ዘሎ ዘመደ ኣዳም ክርስትያን ዘቦኑ ናይዚ ተስፋዚ መልእኽተኛ ኮይኑ ክጐዓዝ ኣለዎ፣ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ተስፋ ዝቆረጸ ክርስትያን ክትረክብ ክንደይ ሕማቅ እዩ፣ እግዚኣብሔር ንመናድቅ ብምሕረት ክድምስስ እንከሎ ንሕና ከኣ ነቲ ዝተዋህበና ሕጹጽ ሰናይ ዜና ክነባጽሕ ኣሎና፣ ዓለምና ክጽበ ይኽእል የለን ከመይ ፍትሕን ሓቅን ሰላምን ጽምእን ጥሜትን ይለልዎ ኣሎ። ዕለተ ልደት ንእግዚኣብሔር ልብና ክንከፍት ዕድል ዝህበና እዩ እሞ ሃየ ክርስትያን ዘበልካ ነዚ ሓጐስ እዚ ተቀቢልካ ንሰባት ኣበስር’ ክብሉ ሓደራ ምስ በሉ ንዝመጽእ ቀዳም ዝዝክርዎ መበል 80 ዓመት ዕለት ልደቶም ኣመልኪቶም ከኣ ከምዚ ኢሎም።

‘ኣብ ዝመጽእ ዕለታት ንዝዝክሮ ዕለት ልደተይ ብጸገለጽኩምለይ ሰናይ ምንዮት ብልቢ ኣመስግነኩም! ክብረት ይሃበለይ` ምስ በሉ ኣብ ሃገሮምን ባህሎምን ዕለቱ ከይበጽሐ ሰናይ ምንዮት ምግላጽ ካልእ ትርጉም ከምዝውሃቦ ከይሓብኡ ‘ኣብ መበቆል መሬተይ ኣቀዲምካ ሰናይ ምንዮት ምግላጽ ከም ሕማቅ ፋል ይረኤ’ ክብሉ ሓንሳእ ምስ ኣስሓቁ ኩሎም ክጽልዩሎም ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.