2016-12-20 16:26:00

ኣልጀሪያ፥ ክርስትያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣብ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ


ኣብ ሂፖን ኣብ ኣናባን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዳግም ክዛረብ ይመጽእ። ኣብ ኣልጀሪያ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብሓባር ኣብ ዛዕባ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ በዓል ሂፖ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት ኣማእኪሉ ዝዝትይ ግንዛቤ ከባባውነትን ኵላውነትን ኣድማስ ኣብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ በዓል ሂፖ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ የካይድ ምህላዊ ክሕበር እንከሎ ሂፖ ዛዕባ እቲ ውሩይን ሊቕን ዓቢይ  ኣብ ኣልጀሪያ ናይ አዳን ጳጳሳስ ዝነበረ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ከተእንግድ እዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉብኤ ፋልማይ ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን ኣብ ኣልጀሪያ ብዛዕባ ጽሑፋትን ምርምራትን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዙሕ ዝይፈለጥ እውን እንተዀነ ሎሚ ግና ኣብ መናብርተ ጥበብ’ታ ሃገር ናይ ብዙሓ ሊቃውንትን ምሁራትን ተመሃሮምን ስነ ምርምር መስሕብ ኰይኑ ከምዘሎ ካምፒዚ ይምስክራ።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘነቓቕሖ ኣብ ኣልጀሪያ ኣብ ኣናባ ዝርከብ እስላማዊ መንበረ ጥበብ ባድጂ ሞክታር ክኸውን እንከሎ ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ትንተናታትን መጽናዕትታትን ስነ ሓሳባትን ብምልውውጥ ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ምርኻብ ዘነቓቕሕ ኰይኑ፡ ኣብ ኣናባ ዝርከብ ባድጂ ሞክታር መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ጽሑፋትን ድርሰታትን ናይ ስነ ሰብኣውያን ስነ ማሕበራውን ምርምራት ዓውደ መጽናዕቲ ምስ ናይ ላዕለዋይ ትምህርትን ስነ ምርምራትን ጉዳይ ዝከታተል ሚንስትር ብምትሕብባር ዘሰናደውዎ ክኸውን እንከሎ ዕላማኡ ድማ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ ሕይወትን ምዃንን ዝምልከቱ ዘቕረቦም ሕቶታትን ዝሃቦ ፍልስፍናውን ቲዮሎግያውን መልስታቱ ብምልላይ ኣብ እዋናዊ ዓለም ናይ ምርምራቱን መልስታቱን ኣብ ባህልን ኣተሓሳስባን ሃማኖትን ዘሕደሮ እወታዊ ጽልዋ ምልላይ ዝብል ምዃኑ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ሕድሽ ኣንፈት ንናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ስነ ታሪኽን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ተመራመርትን ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራንን ተመሃሮም ይሳትፉ ከምዘለዉን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ስኪክዳ ቆሞስ ዝነበሩ ኣባል ማሕበር ኣጐስጢኖስውያን ኣባ በርናርድ ጆበርት እቲ ኣብ ኣናባ ዝርከብ እስላምዊ መንበረ ጥበብ ዘበገሶ ኣብ ቅዱስ ኣጐስጢኖ ዘመእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ መንጐ ክርስትናን ምስልምናን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንቕድሚት ዘሰጉሞ እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ሓቢረን ነዚ ዓቢይ ዝድነቕ ከርስትያን ሊቅ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ስነ ምርምራቱ ነቶም ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ናይ ስነ ምርምር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተመራማርን ሊቅን ተማሃራይን ዘሎ ናይ ምምርማር ዑቑር ሓይሊ ዘተባብዕ ብድሆ እዩ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ብስነ ምርምርን ብናይ ህየሳ መንፈስ ዝተመርሔ ከምዝዀነ ሓቢረን፥

ኣጐስጢኖስ ሎም ኣውን ህያው ምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ታሪኻዊ ቅርስታት ዝምስክሮን ኣብ ናይ ስነ ምርምርን ስነ መንፈዋውነትን ጽሑፋቱ ኣዋናዊ እዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ድማ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኣሌፖ ኣብ ሂፖ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታትን ቅርስታትን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ባሲሊካን ኣብ ኣናባ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ኮረብታን ንበጻሕቲ መስህብ ዝዀነ ናይ ጥንታዊ ባህልታትን ቅርስታትን ናይ ሃይማኖት ስፍራታት ብጠቕላላ ነባሪ ምስክር ናብ ዝኾኑ ቦታታት ናይ ምብጻሕ መደብ እውን ዘጣመረ ክኸውን እንከሎ ተመራማርን ናይ ስነ ኣጐስጢኖስ ምርምር ሊቅ ሪካርዶ ልዊጂ ኣሊቺ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድሕሪ እቲ ኣብ 410 ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዕንወትን ዘመተን ዘረፋን ኣብዚ እዋን እውን ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ብምዝካር እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዝዕባ ሕሰምን እኩይን መንፈስ ክፍኣትን ብዕምቆት ኣብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ስነ ምርምራት ብኸመይ ከምዝግለጽ ብምልላይ ስለ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ግብረ እከይ ትንተናዊ መጽናዕቲ ዘቕርብ ምዃኑን  ገሊጾም ቅዱስ ኣጐስጢንስ ኣብ ቁጽሪ 229 መልእኽቱ፥ እቲ ዓቢይ ክብሪ ብጎራዴ ካብ ምቕታልን ንውግእ ብቓል ምቕታልን ሰላም ካብ ብውግእ ምዕቃብን ምንዳይን ሰላም ብሰላም ምንዳይን ምዕቃብን እዩ እንክብል ብዝገልጾ ሓሳብ ሰፊሕ ትንተና ዝወሃበሉ ነጥቢ እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.