2016-12-24 11:43:00

ሰንበት ዘብርሃን ታሕሣሥ 16 2009 ዓ.ም. (12/25/2016)


ንባባት፡ ሮሜ 15፡4-9፥ 1ዮሓ 2፡1-15፥ ግ.ሓ.7፡23-35፥ ማቴ 3፡1-12።  ምስባክ፡ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፥ ወውስተ አብያቲኪ እግዚኦ። “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስት እምባኻን ናብታ ማኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ” መዝ. 43፡3-4

አብዚ ሰንበት አብ እነዕርጎ ጸሎት ብርሃን አምላኽ አብ መገዱ አብ ቤተ መቕደሱ ከብጽሓና ንልምን። አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ከሎና አብ መገድና ብርሃን አሎ ከይንዕንቀፍን ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና ንሱ ብጸጋኡን ብርሃኑን ምሳና አሎ። ብርሃና አብሪህና አብ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ጸሎት ኢና እነዕርግ ዘሎና።

ክርስቶስ ብምዓልቲ ብርሃን ክንመላለስ ደጋጊሙ ምሂሩና። አነ ብርሃን ዓለም እየ (ዮሓ 9፡5) እናበለ ሰባት ክርእዩ ክፈልጡ ከምዝደሊ ነጊሩ። ቅ. ዮሓንስ መስካሪ ብርሃን ምዃኑ (ዮሓ 1፡7) ይነግር እዚ ንነፍሲወከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ዝምልከት እዩ። ሰባት ነቲ ካብ አምላኽን ፍቕሩን ቆሪኑ ዓጊትዎም ዘሎ ወጺኦም ብርሃኑ ክርእዩ እንሕግዝ ንሕና ኢና። ብርሃን ዝሰፈኖ ሕልና መገዲ ሓቅን ቅንዕናን ሒዙ ነቲ አምላኽ ዘብርሃሉ ጸጋ እዩ ዝምስክር።

ክርስቶስ ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም . . . . . ነቲ ጽቡቕ ግብርኹ ርእዮም አብ ሰማይ ንዘሎ አቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ (ማቴ 5፡1416) እናበለ ምስጢርን ድሕነት አምላኽን ብአና ብአመንቱ ንዓለም ከምዝሓልፍ አስተምሂሩና። አምላኽ ንአና ንአመንቱ መሳርሕቱ ክንከውን ብፍሉይ ይሓርየና ምስ ድላይ ክንሰምር ከይንሰምር ግን አብ ውሳኔና ሓዲግዎ አይ ግድደናን እይ፥ ግን ተለመነኒ ውሉደይ እናበለ አፍደገ ምሕረቱ ኩሉ ጊዜ ምስ ከፈተልና እዩ። በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ብርሃን ተቐቢልና ብርሃን ክንከውን ሎሚ እውን ንጽዋዕ አሎና።

ብርሃን ዝጎደሎ መዓልትን ሕይወትን ከቢድ እዩ፥ ምኽንያቱ ብርሃን ንኹሉ ክንርኢ ይሕግዘና ጽቡቕን ክፉእን ክንርኢ እንከሎና እንገብሮ ክንመርጽ ንኽእል። አብ ጸልማት ምርጫ የለን ምትእምማን የለን ከምኡ ጸልማት እትገብሮ አይትፈልጥ ዝመጽአካ አይትፈልጥ ስቓይ እዩ በዚ እዩ ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ዝብለና፥ አብኡ ክንቀርብ ከሎና አብ ሕልናና አብ ልብና ብርሃን አሎ ሽዑ ንሓቂ ንሰላም ክንፈልጥ ንኽእል። ብርሃን ዓለም ንዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል ኢና እንሰናዶ ዘሎና እሞ ምሉእ ምቅርራብ ክንገብር ስንድዋት ንኹን።

መዝሙር፡ “ወልድ ንጽዮን ቃል ተሓጓስ ኬስምዕ ከም ዝመጽእ ቀደም ብኦሪት ተናገረ፥ እንደገና ከአ ብአፍ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ተባህለ፥ ንሱ ንጻድቃን ዘብርህ ናብ ዓለም ዝመጽእ ብርሃን እዩ፥ ንዝጠፍኤ ኪረድእ ንዝተበትኑ ኪእክብ ንቤተ ክርስትያን መርዓዊአ ኰይኑ ናብአ መጸ” ይብል።

አብ ጊዜ ኦሪት እቲ ዝመጽእ ቃል ተሓጓስ ከስምዕ ከም ዝመጽእ ብምድግጋም ተነጊሩ፥ ዳዊት ንጉሥ እቲ መስሕ ዘምጽኦ ለውጢ ክነግር እንከሎ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ይብለና። ንአምላኽ ወኪሉ ዝመጽእ መልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ሒዙ ስለ ዝመጽእ ብሩኽ እዩ። ሎሚ ብዳግም አብ ልባትና ክመጽእ ክንሰናዶ እንከሎና ፍሉይ መልእክቱ አብቲ ዓድል ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ገጽና ክንጉዓዝ እቲ ምንታይ መጀመርያ ሕይወትና ጉዕዞና ርኢና ክንክእል ካልአይ ንሓውናን ሓፍትናን ብርሃን ክርስቶስ ክበርሆም እሞ ብሓባር ፍቕሪ አምላኽ ርኢና ክንክእል።

ቅ. ዮሓንስ አብዚ ሰንበት ብዝያዳ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንሕወስ ኢሉ ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዲ አቕንዑ ይብለና። እዚ ንብዙሓት ክትንክፈና አለዎ። አብ ሕይወትና ክቐንዕ፥ ክሕደስ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብን ከምኡ ምስ ርእስናን ሓቀኛ መልክዑ ክሕዝ ዝግብኦ ብዙሕ ነገራት አሎና። ክንስሓሉ ዝግብአኒ ኃጢአት፥ ምስ ሰባት ክዕረቕ እቕረታ ክሓትትን ክህብን፥ ዝኾነ ካብ መገዲ አምላኽ ብሰንኪ ትዕቢተይ ወይ ክፍአተይ አርሒቑኒ ዘሎ አለልየ ምሕረት ክሓተሉ ብዝያዳ ዝትንስአሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ክበራበር እሞ አብ ብርሃን ክመላለስ ይድለ አሎ።

አምላኽ ምሳና ክሓድር ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ፥ ወደይ/ጓለይ ካብቲ ጎልቢቡ ሒዝዎም ዘሎ ብርሃን ይምለሱኒዶ ይኾኑ እናበለ ይጽበየና አሎ። ከምቲ በታኒ ውሉድ አብ ወንጌል ሉቃስ 15 ዘሎ ንጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ክንትልሞ እዋኑ እዩ። ክትንሳሕ እቕረታ ክትሓትት ጸጋ አምላኽ የድሊ ካባና ዝድለ ናይ ምብጋስ መንፈስ እዩ ዘድሊ ዝተረፈ አምላኽ ንተበግሶና ዕርቡን ድሕነትና ቆጺሩ ክመልአልና እዩ።

ንሕልናና ርኢና ክንክእል መጀመርያ ቅንዕና ምስ ርእስና የድልየና ወላ እኳ ንኽፍአትና ክንእመን ዝኸብደና እንተ ኾነ። ሎሚ ደፊርና ተጋግየ አቢሰ በዲለ እናበልና ንርእስና ንስምዒታትና ንኹሉ ንኽፍአትና ካብ ምእማን ዝዓገተና አላሽ አቢልና አብ ትሕትናን ተአምኖ ኃጥአትና እናተጎዓዝና ነታ አብ ጥምቀትና ዘብራህናያ ብርሃን ሎሚ ብዳግም ክነብርህ አፍደገ ተኸፊቱልና አሎ። ነዚ ክንገብር ጸሎት ክንገብር ክንልምን አሎና ባህጊ ንበይኑ ሓንቲ ለውጢ አየምጽእን እዩ።

ኢሳያስ ነቢይ ደቂ ብርሃን ዘግብረና ነገራት እናገለጸ እቲ ዝመጽእ ንጉሥ ዘምጽኦ ለውጢ ደጋጊሙ ይነግረና። አብ ኢሳ 11፡1-10 ዘሎ እንተ ረአና ብፍሉይ ክነስተንትን ክንቅረብን  ይሕግዘና። ኢሳያስ ናይ እቲ ዝመጽእ ንጉሥ ኩነታት ክገልጽ እንከሎ፥ መጀመርያ አብ ልዕሊኡ መንፈስ እግዚአብሔር ክወርድ እዩ፥ መንፈስ ጥበብን አእምሮን መንፈስ ምኽርን ኃይልን ኪህልዎ እዩ፥ ንእግዚአብሔር ከአ ክፈልጦን ኬኽብሮን እዩ፥ ንግዳማዊ መልክዕ ብምርአይን ኪብሉ ሰሚዐ ብምባልን አይፈርድን እዩ፥ ብማዕረን ብሓቅን ክፈርድ እዩ፥ ንሕዝቡ ብፍትሕን ሓቅን ኪገዝእ እዩ እናበለ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዘምጽኦ ይነግረና።

አብዚ ጊዜ ምጽአት ዓቢ ተስፋ እናሃበ መጻኢና ብክርስቶስ እቲ መሲሕና ብሩህ ከም ዝኸውን  ክነግር እንከሎ ኸአ። ንሱ ካብ ካልኦት ነጋውሥ ፍሉይ እዩ፥ ንግስነቱ ካብ ግፍዕን ጸቕጥን ነጻ ከውጽአና እዩ። እዚ ማለት ኸአ ብልብና እንተ ተነሳሕና ካብቲ ብሰንኪ ኃጢአትና አብ ጸልማትን ባርነትን እንነብሮ ሓራ ከም ዘውጽአና ክንፈልጥ ንማለት እዩ። አብ ጭቆናን ባርነትን ግፍዕን ክነብር ዝደሊ የለን ስለዚ እዋኑ ነጻነት እንእውጀሉ ደቂ ብርሃን ኮና ብርሃን ክርስቶስ አብ ኩሉ ከም ዝበርህ እንገብረሉ ፍሉይ እዋን እዩ። እዚ ክርስቶስ ንጉሥና ዘምጽአልና ሰላም ምስ አምላኽን ሰብን አብ ምሉእ ዕርቂ ከምእንርከብ ይገብረና በዚ ኸአ አብ መንጎና ሓድነትን ሰላምን ፍቕርን ከም ዝነግሥ ይገብረልና።

ኢሳያስ ነቲ መስሕና ዘምጽኦ ፍጽም ለውጢ ክገልጽ እንከሎ ተኹላ ምስ ዕየት ክሰፍር ነብሪ ኸአ ምስ ማሕስእ ክድቅስ እዩ፥ ምራኽን ኵርኩር አንበሳን ብሓንሳእ ኪበልዑ እዮም ንእሽቶይ ወዲ እውን ክጓስዮም እዩ፥ ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፥ ወለልደን ከአ ብሓደ በጥ ክብሉ እዮም፥ አንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ፥ ዚጠቡ ሕፃን አብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት ኅዳግ ጡብ ድማ ኢዱ አብ ጕድጓድ ከይሲ እናእተወ ኺጻወት እዩ. . .አብቲ ቅዱስ እምባ እግዚአብሔር ከአ እከይን ጕድጓአትን ዚገብር ሓደ እኳ አይክህሉን እዩ ይብል።

ብርግጽ ንክርስቶስ ብሓቂ ከምዚ ገርና ክንቅበሎ እንተ ኸአልና እዚ ዝብሃል ምንዮት ጥራሕ አይከውንን እዩ። ዓለም አብ ነነድሕድና እናፈራሕና እንነብረላ ኮይና አይምተረኽበትን፥ እቲ ብርቱዕ ነቲ ድኹም እናዓመጸ አይምነበረን።

ዘሎናዮ እዋን ሰባት ብዝያዳ አብ ጸልማት ዝነብሩሉ ኮይኑ ይርአየካ፥ መብዝሕትኡ ዓለምና ውግእ፥ ስደት፥ ክፍአተ ግብሪ፥ ግብረ ሰዶምን ገሞራን፥ ዝርጋን ብልሽውናን፥ ምጭኽኻን ናይ ሰብ ስቓይን ሞትን ቕጭጭ ዘይብሎም ዝመልኦ ዓልም ኢናን እንነብር ዘሎና። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ሎሚ ብዝያዳ ብርሃን ክርስቶስ ክበርሃና እሞ አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ዝግድድ እዋን ኢና ዘሎና። አብ ልብና ክንምለስ አሎና ምኽንያቱ ንጠፍእ አሎና። አብ ጎይታና ተመሊስና አድሕነና ንጠፍእ አሎና ንበሎ። ቤተ ክርስትያን ወግሐ ጸብሐ ተነስሑ ትብለና፥ ፀሓይና ክበርቕ ሕይወትና ንሓድስ።

መልእክቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ዝተጻሕፈት ዝተነበትና ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ነገስታት ዓለም ተገልጽ። ጳውሎስ ከዘኻክረና ከሎ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚርከብ ትዕግስትን ምጽንናዕን ተስፋ ምእንቲ ክንረክብ እቲ ቕድም ዝተጻሕፈ ኩሉ ንትምህርትና እዩ ይብል። እዚ ተስፋ እዚ እዩ አብዚ እዋን ሒዙና ዘሎ። አብ መወዳእታ ናይ እዚ ዘመነ ምጽኣት ክሳብ እንበጽሕ ከምቲ አብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ዝፍጸም ብእምነትን ብጸሎትን ብፍቕርን ሓቢርና ከም እንነብር ይገብረና። በቲ አብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዘሎ አምላኽ ክገብሮ ዘለዎ ክንሕጎስን ክነመስግንን ከም ዘሎና ጳውሎስ ደጋጊሙ ይነግረና። ከምቲ አብ ኢሳያስ ዘሎ ብሓደ ዓይነቲ ተመሳሳላይ መልእኽቲ የመሓላልፍ ካብ ዘርኢ እሴይ ዚውለድ ኪመጽእ እዩ፥ ንሱ አብ አሕዛብ ኪገዝእ ኪትንሥእ እዩ። ብእኡ ኸአ አሕዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም (ሮሜ 15፡12) ይብል።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ናይ ዮሓንስ ምጥምቕ ምምጻእ ናይ እቲ ዝመጽእ መስሕ ጊዜ ከም ዝቐረበ ዝሕብር ከም ዝኾነ ይነግረና። ሓደ አድላዪ ዝኾነ መልእኽቲ የዘኻኽረና መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ይብለና። ትንቢት ኢሳያስ ከለዓዕለና ኢሉ ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱውን አቕንዑ ይብለና።

መልእኽቲ ዮሓንስ መጥምቕ ናይ እዚ ዘመነ ምጽአት ጥቕሚ አትሪሩ ይገልጽ። ንጉዙፍ ነገር ወይ እውን ንናይ እዚ ዓለም ነገራት ኢልና እንቀራረቦ ጊዜ አይ ኮነን። ጊዜ ሱባኤ፥ ነቲ እግዚአብሔር ነዚ ዓለም ዝገልጾ ብዕምቆት እናአስተንተንካ እተሕልፎ ጊዜ እዩ። ንርእስኻ እተንጽሓሉ አብ ሕወትካ ዘሎ ከርፋሕ ነገራት ማዕረ ገርካ ንጎይታ ብተስፋ ክትቅበል ኢልካ ብምሉእ ሕልናኽን ሰውነትካን እተቀራረቦ ጊዜ እዩ። ብኻልእ አገላልጻ ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚአብሔር ዚርእዮ የልቦን እሞ ቅዱሳን ክትኮኑ ጽዓሩ (ዕብ 12፡14) ዝብል የስምዕ። ንአምላኽ ዝበቅዕ ልቢ ክነሰናዱ ክንበራበር አሎና ተደፊእና ሕልናና መርሚርና ብክፍአትና ተአሚና ብምሉእ ንስሓ ርእስና አጽሪና አምላኸይ አብ ልበይ ተወለድ እናበልና ብተስፋ ክንጽበዮ አሎና።

ቅድሚ አብ ተስፋ ምጽአት ምእታውና እምብአር ንስሓ፥ ዕርቅን፥ ቅድስና ልብን፥ አቐዲሞም አብ ሕይወትና ባይታ ረኺቦም ክመርሑና ክነፍቅድ አሎና። ስለዚ አቐዲምና ነቶም ንአምላኽ ከይንቕበል ዝዓግቱና ዘለዉ ከም ጻህያይ መንቁስና ካባና ንእለዮም። እዚ እዋን ጻህያይ ኃጢአትና እንወፍረሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ አብ መንበረ ኑዛዜ ተደፊእና ኦ አቦይ አብ ቅድሚ ሰማይን አብ ቅድመኻን ኃጢአት ገበርኩ ደጊም ወድኻ/ጓልካ ኽብሃል አይበቅዕን እየ (ሉቃ 15፡18) ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደለይ አይ ትኺደኒ እናበልና ናይ ተነሳሕ መንፈስ ሒዝና ክንቅረብ አሎና። ቤተ ክርስትያን ነዚ አብ ግምት አእትያ ንመድሕናን ንጉሥናን ዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል ኢላ ምስጢረ ንስሓ ሰሪዓትልና አላ።

ብርሃና ክበርህ ንምንጪ ሕይወትና ዝኾነ ክርስቶስ ብዝያዳ ጣዕሚ ምጽአቱ ክነስተማቕር እምብአር ብምሉእ ልብና አብ አምላኽ ንመለስ ነዚ ኸአ ይብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.