2016-12-29 16:48:00

ሲመት ሓድሽ ሊቀ ካህናት ንጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ


ኣብ ሮማ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ (Santa Maria Maggiore) ሊቀ ካህናት ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሳንቶስ አብሪል ይ ካስተዮ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ንዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም ብምጽዳቕ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመና ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒሳው ርይልኰ ሊቀ ካህናት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ቢሎም ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘተኣታተውዎ ሕዳሴ መዋቕራት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት እውን እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ስድራን ሕይወትን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክጠቓለል ከዝገበሩን እዚ ሓድሽ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ህየንተ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሾሙ ብፁዕ ካዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘኻኺሩን ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ 71 ዓመት ዝዕድመኦም ትውልደ ፖላንድን ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ናይቲ ነበር ናይ ዓለማውያን ምእመና ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ከዘገልገሉ ጠቒሱ ብፁዕ ካርዲናል ሳንቶስ ኣብሪል ይ ካስተዮ ድማ 81 ዓመት ዘለዎም ትውልደ ስፐን ካብ ዕለት 21 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ሊቀ ካህናት ኰይኖም ዝተሰምዩ ከዝነበሩ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.