2016-12-29 16:53:00

በዓለ ልደት ኣብ ኣፍሪቃ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ሰላምን ኣብ ምክብባር ዝቖመ ምጽውዋርን ይምሕጸኑ


ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብፍላይ ኣብተን ውግእን ምስሕሓብን ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ዝርከቡ ብላቲን ስርዓት በዓለ ልደት ናይ ዘኽበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ዕርቅን ኣብ ምክብባር ዝጸንዔ ምጽውዋር ክህሉ ብዝብል ሓሳብ ክጽመር ዝክእል ሰልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ አይቮሪይኮስት ናይ ከተማ ኣቢጃን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዣን ፒየር ኪትዋ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ብዘይ ፍልልያትን ተነጽሎታትን ንኹሉ ዘፍቕርን ናይ ምትሕልላይን ሰላምን ምሕረትን ፍጹም ኣብነት ዝዀነ ሕጻን ኢየሱስ ዘቕረበልና ክቡር ዋጋ ኩሎ ምእመናንን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ክስዕብዎን ፈላላይነትን ቀቢጸ ተስፋን ጽልእን እምቢ ክብሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥

ኣብ  ማውሪሸስ ናይ ፖርት ልዊስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማውሪሰ ፒያት ምስ ናይታ ከተማ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ያን ኤነስት ብሓባር ብምኽንያት በዓለ ልደተ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ እቲ ዓቢይ ህያብ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምሃብ ዝምንጭው ገዛእ ርእስካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም እሲ ድማ እቲ ሰብ ኰይኑን ስጋና ለቢሱ ዝመጸ ወልደ እግዚኣብሔር ብቓልን ብግብን ብዝሃቦ ፍሉዩን ልዑልን ኣብነት ፍቕሪ ብጻይናን ከም ገዛእ ርእስና ከነፍቕር ዝተባብዓናን ዝመረሓናን እዩ እሞ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ንንበር ከምዝበሉ ጠቒሰን፥

ኣብ ቶጐ ናይ ሎሜ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ደኒስ አሙዙ ድዛክፓህ ኣብ ዓሚዩቕ ሰላምን ዓቢይ ምትሕብባርን መንፈስ ዘተኮረ መልእኽቲ እንከመሓላልፉ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓዚኒያ ብወገኖም ናይታ ሃገር ማሕበረ ክርስቲያን ንኹሉ ዓመጽ ብምኽሓድ ናይ ሰላም መጋበሪይ ኰይኖም ክርከቡ ብምትሕስሳብ እቲ ካብ 2001 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላ መንግስቲ ንራብዓይ ጊዜ ንምርጫ ክቐርብ ብዘለዎ ድላይ መሰረት ነቲ ክሳብ ሰለስተ ጊዜ ጥራሕ ዝብል ናይ ቅዋም ሃገር ዓንቀጽ ንምቕያር ሓድሽ ናይ ሕጊ ንድፊ ከምዘቕረቡን ነዚ ሕጊ’ዚ ኣጽዲቖም ኣብ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ሕጹይ ኰይኖም ክቐርቡ ምዃኖም ዝብል ዘቕረብዎ ሓሳብ ዝፈጠሮ ሁከት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ሃገራውን ሕዝባውን ጥቕሚ ዘቐድም መልሲ ክረክብ ብፁዕ ካርዲናል ፓዚንያ ሓደራ ቢሎም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክህለው በዓለ ልደት ሕድ ሕዳዳዊ ምቕትታልን ዓመጽን ኣወጊዱ ፍትሕን ፍቕርን ሓቅን ይጸግው ምስ በሉ ዕለት 21 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኩሉ ዜጋ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስንኩፍ ኩነት ዘሎ ታሪኽ’ታ ሃገር ናይ ሰላምን ዕርቅን መጋበሪያ ኰይኑ ክርከብን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሕልናኦም ጽን ክብሉን ናይ ህዝቦም ከቢድ ስቓይ ንምክልኻልን ንምውጋድን ብቕዓት ዘለዎም ክዀኑን ናይ ሓባር ጥቕሚ ከቐድሙን ነዚ ዓላማ’ዚ ክጽመዱን ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ቃል ጠቒሶም ብፁዕነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ ሰነጋል ናይ ዳካር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በንጃሚን ንዲያየ ካብ 2004 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝተሓከ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቕድ ሕጊ በቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ሕጊ ዘይምኽባርን ናይ ገበን ጁለታት ዝፍጽምዎ ሕጊ ጥሕሰትን ግምት ዝሃበ መንግስቲ’ታ ሃገር መሊሱ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቕድ ሕጊ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ከሳኹዖ ከምዝደልይ ዘቕረቦ ሓሳብ ጸረ ናይ ሕይወት ባህል እዩ። ናይ ሞት ፍርዲ ገበን ክጎድልን ጠሪሹ ክጠእ እውን ገይሩ ኣይፈልጥን ስለዚህ ገበን ዘይኰነ ገበነይና ክእረም ዘኽእል ናይ ሕግን ፍትሕን ኣካይዳ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ደቂንስትዮን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብታ ሃገር ከም ቅቡል እናዀነ ዝረአይ ዘሎ ጎዳእን ጸረ ሰብኣውን ባህሊ ክውገድ መንግስቲ ኣብዚ መዳይ ጸኒዑ ክዓይን እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣህላኽን ቁሳውን ባህሊ ክውገድ ኩሉ ብሓባር ከዓይን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ክስዕብ በዓለ ልደት የነቓቕሕ፡ እግዚኣብሔር ሰላሙ ኣብ ልባታ የስርጽ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ መልእክቲ ከምዘመሓላለፉ ፒሮ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.