2016-12-29 16:56:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሔራዊ ናይ ፍልሰት ሰሙን


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 8 ጥሪ ክሳብ ዕለት 14 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ዝካየድ ብሔራዊ ናይ ፍልሰት ሰሙን ናይ ምርኻብን ናይ ሓባር ዘተን ባህሊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ከምዝኸውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝሃብዊ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሪ ኣፍሊጠን ናይ ምርኻብ ባህሊ ምፍጣር ዘለዎ ኣገዳስንት እዚ ብሔራዊ ሰሙን ፍልሰት ንቤተ ክርስቲያንን ዓቢይ ዕድል ከምዝዀነን ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ሕጻናትን ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቐሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ዝዋስእሉን ምስክርነት ዝህቡሉ መደብ ከምዝዀነ ፒሮ ገሊጸን።

ክንየው ውልቃዊ ድላይን ኣገዳሲ መሰረተ ነገራትን ምምዕዳው

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ናይ ፍልሰት ሰሙን እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተራኽቦ ባህሊ፡ ናይ ዘተ ባህሊ ምፍታጣር ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እንገዳን ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ዘስመርሉ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ክንየው ውልቃዊ ድላይን ረብሓን ኣገዳሲ ነገራትን ምምዕዳው ዝብል ትርጉም ከምዝሃቡሉን እቲ ርክብን ዘተን ዝብል ቃል ብክርስትና እምነት መስረት ብምምልካት እምነት ክበሃል እንከሎ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ ስለዚህ እቲ ናይ ርክብ ባህሊ እውን ነዚ ስግው ርክብ’ዚ ዘድምዕ ምዃኑ ፒሮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ዜና ጠቒሰን ብምምልካት ኣስዒበን፥

ስደተይናታት ወልደ እግዚኣብሔር እያቶም ድጋፍን ኣቃልቦን ይግብኦም

ስለዚህ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዙሕ እዋን ይብሉ ኣብዚ ኣዋናዊ ባህሊ ምስ ስደተይናታት ከም ሰብ ንምርኻቦምን ምሳኦን ንምዝታይ ዘየተባብዕን ስሌኦም ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ምሕሳብን ኣብ ደገፎምን ክንክኖምን ካብ ምቛም ከም ተጠርጠርትን ጸገም ፈጠርትን ከይኖም ክረአዩ ዝድርኽ እዩ። ስለዚህ ነዚ ኣንነት ንኣይነትን ዝብል ዘይተገዳስንትን ዘስፍሕ ንድኻን ካባኻ ንዝተፈልየ ከም ወዳቕ ዝሓስብ ባህሊ ብናይ ምርኻብን ብትሕልላይን ባህሊ ክውገድ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርተ ጠመቕ ተወኪሱ ዝካየድ ናይ ፍልሰት ሰሙን ከምዝዀነ ሓቢረን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.