2017-01-03 16:43:00

ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ፥ ናይ ዓመጽ ጸላም ኣብ ዘለሉ ቦታ ደቂ ብርሃን ኰይንና ንረኸብ


“እምነት ህሞታዊ ወይ ከኣ ናይ ጅግንነት ግብሪ ዘይኰነስ ዕለት ብዕለት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብቐጻልነት እኣምን እናበልካ ብቓልን ተግባርን ኣብቲ ተራ ሕይወት እትብሎን ኣብ ርክባትካን መነባብሮኻም ብቐጻልነት እትነብሮ እማኔ እዩ። ስለዚህ ሕይወትና ብእንርእዮን እንድህስሶን እናተመርሔ ዝንበርን ኣብ ምርኣይን ድህሰሳን ዝተሓጽረ ዘይኰነስ ደረት ሰገር ስጋዊ ምርኣይን ድህሰሳን እውን እዩ” ዝበሉ ኣብ ኢየሩሳስሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዕለት 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ርእሰ ዓመት ብላቲን ስርዓት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል እመ ኣምላክ ዝበዓለሉ ዕለት ምኽንያት ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘስመሩሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ምእመን ወዲ ብርሃን ምዃኑ ንኽምስክር ዝተጸውዐ እዩ

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ዝተበዓለ በዓለ ልደቱ ዘእግዚእነ ንግስና ክርስቶስ ኣብ ዓለም ፍሉዩን ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሰብኣዊ ልዕልናን ስልጣንን ዝተፈልየን እዩ። ክርስቲያን ድማ ነዚ ክርስቶሳዊ ክዋኔ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ወዲ ብርሃን ምዃኑ ብምንባር ኣብዚ ዓመጽ ዝተመልኤ ዓለም ንኽምስክሮ ዝተጸውዔ እዩ።

ዓመጽን ግብረ ዓመጽን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣዚዩ ዝተራእየሉን ዓመት ከምዘሕለፍና ናይ ኵላትና ተመክሮ እዩ። እቲ ዝረአይን ዝወርድን ዓመጽ ብዘየገድስ ብዙሓት ክርስቲያን በቲ ናይ ዓመጽ ጸላም ከይተሰነፉ ደቂ ብርሃን ምዃኖም ኣናመስከሩ ኣደብን ጠባይን ደቂ ብርሃን ኣናርአዩ ዕለታዊ ሕይወቶም ከምዝነብሩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ካልኦት ዓመጽን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ዝሃብዎ ምስክርነት ዝገልጽ ህያው ክርስትያናዊ ምስክርነት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ተግባርና ምግባርና ደቂ መን ምዃንና ዝነግር ክኸውን ይግብኦ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዓመጽ ዝወልዶ ጸላም ዕለታዊ መነባብሮና ዘሰንይ እውን እንተዀነ ከም ደቂ ብርሃን ንኽንነብርን ከም እተጸዋዕና ብምስትውዓል ኣደብ ደቂ ብርሃን ዘለዎም ኰይንና ንኽንበርን ጽዉዓት ኢና። ስለዚህ ኣደብ ደቂ ብርሃን እንነብር ምዃንና ብዘይ ምቁራጽን ብዘይ ተዀላልፎ እናመስከርና ንኽንጓዓዝ ክርስትያን ምዃንና የተሓሳስበና። ኣብዚ ኣመጽን ዓመጽ ዝወልዶ ጸላም ኣብ ዝዓበልሎ ዓለም ደቂ ብርሃን ኰይንና ምንባር እንታይ ማለት እዩ? ሰዓቢብቲ ክርስቶስ ምዃንና ብቓልን ተግባርን ምምስካር ማለት እዩ ከምዝዝበሉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.