2017-01-06 11:34:00

መልእኽቲ ንበዓለ ልደት ካብ ሊቀ ጳጳሳት ዘበአስመራ (ኤርትራ) ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም


“ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” (ማር 8፡29)

ኣብ ንእስነትና፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክንመሃር ከሎና፡ “ምሥጢረ ሥጋዌ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል መሠረታዊ ሕቶ፣ ብሓጺሩ፡ “ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ ማለት እዩ”፣ ወይ ከኣ ብንውሕ ዝበለ ኣገባብ፣ “ወዲ ኣምላኽ ምእንታና ምእንቲ ድኅነትናን ቢሉ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። እዚ ማለት ድማ ንኣና ንኃጢኣተይናታት ምስ ኣምላኽ ከተዓርቕ፣ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጸልና፣ ናይ ቅድስና ኣርኣያ ኪኾነና፣ ‘ተሳተፍቲ መለኮታዊ ባህርዩ’ ምእንቲ ክንከውን (2ጴጥ 1፡4)) ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ” (ጥርኑፍ መዝገበ ሃይማኖት ቊ 85) ብምባል ኢና እንምልሶ። እዚ መልስ’ዚ ብብዙኅ ዘመናት ቤተክርስትያን ዘማዕበለቶን ዘዕሞቖቶን ናይ እምነት መልሲ እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊሊጶስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? ዝብል ንሓዋርያቱ ዘቕረበሎም ሕቶ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ሃንደበታዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ከቢድ ሕቶውን እዩ ነቢሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ነቲ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16)፡ ማለት፡ ቅቡእ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ብምባል መልሲ ክህብ ዝፈተነ ቅዱስ ጴጥሮስ እኳ፡ “ስምዖን ወዲ ዮና እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ” (ማቴ 16፡17) ቢሉ እዩ ዝመለሰሉ። እምበኣር ብመሠረቱ፡ ንክርስቶስ ምፍላጥ፡ ምሥጢር ትስብእቱን (ሰብ ምዃኑ)፡ ስብከቱን፡ ሕማማቱን፡ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ንምርዳእ እምበኣር ህያብ ኣምላኽ እምበር ፍረ ጻዕሪ ሰብ ኣይኮነን ማለት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ኣብርሂሉኳ ሽዑ ነዚ ዝተጠቕሰ መልሲ እንተሃበ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ ሕማማትን ሞትን ምስ ገለጸሉ ግን ፍልጠቱን ርድኢቱን ኣዝዩ ድሩት ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ እዩ። ፈሊጠ ኢሉ ንኢየሱስ “ ጐይታ የድኅንካ እባ ደኣ፣ እዚ ነገር’ዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ እናበለውን ኪገንሖ ጀመረ። ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ‘ካባይ ረሓቕ ሰይጣን፣ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ’ በሎ” (ማቴ 16 22 23)።

በዓለ ልደት ከነብዕል ከሎና ነዚ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሕቶ መልሲ ክንህብ ይግብኣና። እቲ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፡ ሰብኣ ሰገል ዝሰገዱሉ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ክቐትሎ ምስ ደለየ ማርያም ኣዲኡን ዮሴፍ ጻድቕን ሒዞምዎ ንግብጺ ዝሃደመ ሕጻን መን እዩ ትብልዎ? እንተንበሃልከ ከመይ ዝበለ መልሲ ምሃብና?። ንእትፈልጦን እትጽበዮን ኢኻ እትቕበል እምበር ንዘይትፈልጦ ንዘይተጸባኻዮ ጋሻ ክትቅበል ትሽገር ኢኻ። እግዝእትነ ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከም ትእዛዝ ኣጉስጦስ ቄሳር ክምዝገቡ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተልሔም ምስ ተጓዕዙ፣ ዝፈልጥዎም ኣይረኸቡን። በዚ ምኽንያት ከኣ “ንኣኹም ዝኸውን መኅደሪ ኣጋይሽ የብልናን” ቢሎም መለሱሎም እሞ ካብቲ ከተማ ወጺኦም ኣብ መብልዕ ማል ክጽግዑ ተገደዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝሓድረሉ ቦታ ሰኣነ። ካብ ከተማ ወጻኢ ተወሊዱ ካብ ከተማ ወጻኢ ድማ ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ ሞተ። ወዮ ኢሳይያስ ነቢይ “ሕፃን ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና እዩ። ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ ኣቦ፣ መስፍን ሰላም፣ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ” (ኢሳ 9፡6) እናበለ ዝተነበየሉ ንጉሥ ደኣ ከመይ ኢሉ መኅደሪ ቦታ ይስእን?

ቅዱስ ወንጌል፣ ንመድኃኔ ዓለም ብእምነትን ብክፉት ልብን ካብ ዝተቐበልዎ ሰባት፣ ብፍላይ ፣ እኖና እግዝእትነ ማርያም፣ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ዘካርያስ፡ ዮሓንስ መጥምቕ፣ ቅዱስ ዮሴፍ፣ እቶም ጓሶት ቤተልሔም፣ ካብ ርሑቕ ኮኾብ መሪሑዎም ክሰግዱሉ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል፣ ኣብ ቤተ መቕድሰ ዝተቐበልዎ  ስምዖን ነቢይን፡ ሃናን ነቢይትን ይጠቅስ። እዚኣቶም ልቦም ከፊቶም ብተስፋ ንመድኃኔ ዓለም ዝጽበዩ ዝጸንሑ ምዃኖም ብተግባርን ብቃልን መስኪሮም እዮም። ብፍላይ ስምዖን ነቢይ~ “ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን፣ ንሕዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ። ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ” (ሉቃ 2፡29-33)። እቶም ብትሕትናን ብተስፋን ዝጽበዩ፡ ከም ማርያምን ዮሴፍን፡ ከምቶም ኣብ በረኻ ዝሓድሩ ዝነበሩ ጓሶትን ይግረሙ፡ የመስግኑ፡ ይሰግዱ፡ የምልኹ። ንሕናውን ኣብዚ ልደተ ጥምቀት እነብዕለሉ ዘሎና ጊዜ፡ “ብሓቂዶ ንክርስቶስ እፈልጦን እፈትዎን እኽተሎን እየ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንርእስና ክንሓትት፣ ልብና ከፊትና ብምግራምን ብታሕጓስን ክንቅበሎ ድልዋት ምዃናን ዘይምዃናን ክንምርምር ንጽዋዕ ኣሎና። ሎሚውን ‘ንስኻኸ መን እዩ ትብለኒ? ንስኺኸ መን እዩ ትብልኒ?’ ዚብል ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ። ንፈልጦዶ ንኸውን? ነፍቕሮዶ ንኸውን? ፣ በቲ ንሱ ዝደልዮ መንገዲዶ ንጓዓዝ ንኸውን? ኣብ ወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ፣ ቶማስ ሓዋርያ ንኢየሱስ “ጐይታ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ነቲ መንገዲ ደኣ ከመይ ገይርና ኢና እንፈልጦ?” ቢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተትኾኑስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” (ዮሓ 14፡5-7)ዝብል ንጹር መልሲ ሃቦ። ንወዲ ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮ፡ እንተፈሊጥናዮ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦና ንርእዮን ንረኽቦን ማለት እዩ። ኢየሱስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝርአ መልክዑን ዝስማዕ ድምጹን እዩ።  ብሓቂ ከኣ ኢየሱስ ናብ ነፍስወከፍና ክመጽእ ከሎ ድኅነትን ሕውየትን ሒዙልና እዩ ዝመጽእ።

ኣብዚ፡ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ክውለድ ከሎ ዘይተቐበልዎን ማዕጾ ልቦም ዘይከፈቱሉንከ እንመን እዮም ዝብል ሕቶውን ከይተላዕለ ኣይተርፍን እዩ። ብመጀመርታ እቶም ዋናታት መዕረፍ ኣጋይሽ ኮነ ዝበዝሕ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ክቕበሎ ፍቓደይና ኣይነበረን። ንጉሥ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ናብኡ መጺኦም “ኮኾብ መሪሑና ኢና መጺእና ነቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣርእየና” ምስ በልዎ ኣይተሓጐሰን። በንጻሩ ፈሪሁን ሰንቢዱን። ከምኡውን እቶም ትንቢት ነቢያት ዝፈልጡ ዝነበሩ ካህናትን መማህራን ሕግን ንኢየሱስ ክቕበልዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ሎሚውን ዝጐድለና ከምዘይብልና ብትዕቢትን ብኣነነትን ተመሊእና ምቕባል እንተኣቢናዮ ነዚ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ዝህበና ተሪር ማዕዳ ንስማዕ፣ “ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ኳ ዝጐድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ (ራእ 3፡17)። ድኻታት ክንስና ሃብታማት ኢና እንተበልና ንርእስና ኢና ነታልል። ዕውራት ክንስና ንርኢ እንተበልና ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር። ዕሩቓት ክንስና ክዳን ኣሎና እንተበልና ንርእስና ኢና ነተዓሻሹ። በዚ ምኽንያት እዩ መድኃኔ ዓለም ባዕሉ ካብ ዕሽነትና ክንወጽእ ካብ ዑረትና ክንሓዊ ዝመኽረናን መዋጽኦ ዘርእየናን ዘሎ። ከመይ፡ ሓቀይና ሃብቲ፣ ሓቀይና ክዳን፣ ሓቀይና ጽርየትን ንጽሕናን፣ ኣብ ኢየሱስ ካብ ዝርከብ ጸጋታትን ረድኤትን እዩ ዝርከብ። “ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ ፣ ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንቲኻ ክትኰሓለሉውን ኲሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ” (ራእ 3፡18)። ነዚ ንምግባር ግን ኣዕሚቑና ንኢየሱስ መድኃኒና ክንፈልጦን ክንቅበሎን ክንክተሎን ኣድላዪ እዩ። ኢየሱስ ነቶም ድኽነትናን ዕራቖትናን ዑረትናን ተኣሚንና ናብኡ ዝቐረብና፡“እንታይ ክገብረልካ ተደሊ” (ማር 10፡51) ቢሉ ይሓተና እሞ ከም ባርጢመዎስ “መምህር ክርኢ” (ማር 10፡51) እናበልና ብእምነት ክንምልስ ኢና። ኢየሱስ ከኣ ንነፍስ ወከፍና “ኪድ እምነትካ ኣሕወየትካ” (ማር 10፡52) ዝብል ዘተባብዕ መልሲ ክህበና ኣዩ። እውነተይና ጸጸትን ንስሓን ንዓይኒ ኅሊናና ይኸፍተልና። በቶም ሾብዓተ ኣርእስቲ ኃጢኣት፣ ማለት ትዕቢት ንፍገት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ቊጥዓ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡ ትህኪት፣ ልብና ዓዊሩን ደንዚዙን እንተ ተረኽበውን፣ ኢየሱስ ባዕሉ፣ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ።  እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ። ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ፣ ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡19-20) እናበለ ዓብይ ተስፋ ክህበና ይርከብ። እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ ገኒሑና እንተኾነውን ስለዘፍቅረና እምበር ስለዝጸልኣና ከምዘይኮነ፡ ከሕውየናን ከበርትዓናን እምበር ክፈርደናን ከዳኽመናን ከምዘይኮነ ብቓሉ የረጋግጸልና ኣሎ።

እምበኣር ሎሚውን፣ ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ኢየሱስ፣ ንነፍስወከፍና፣ “ንስኻ፡መን እዩ ትብለኒ ? ንስኺ መን እዩ ትብልኒ?” እናበለ ይሓተና ኣሎ። ከመይ ዝበለ መልሲ ንህቦ ንኸውን?። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16) ክንብል እንተተረኺብና፣ ነቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒና ብኽፉት ልቢ ተቐቢልናዮ ማለት ስለዝኾነ “ብፁዓን፡ ዕውታት ኢና”። በዓለ ልደተ ጥምቀት ድማ ብሓቂ በዓላት ኣስተርእዮ ወይ መለኮታዊ ግልጸት ይኾነልና። እቶም ኣብ በረኻታት ቤተልሔም ማሎም ዝጓስዩ ዝነበሩ ገረሀይናታት ጓሶት “ ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ንቤተልሔም ንኺድ” (ሉቃ 2፡15) እናተበሃሃሉ ብምኻድ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን” (ሉቃ 2፡16) ከምዝረኸብዎም፣ ንሕናውን ብትሕትናን ብቅንዕናን ብእምነትን እንተ ተሰናዲውና ንመድኃኔ ዓለም ክንረኽቦን ክንቅበሎን ኢና። ንሱ ከኣ ኣብ ልብና ኣቲዉ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ክመልኣናን ክባርኸናን እዩ። ልብና እንተኸፊትናሉ ኢየሱስ ሕጻን ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ልግስነት፡ ሕያውነት፡ ርኅራኄ፡ ተኣማንነት፡ ለወሃት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ተዓቅቦ ፡ንጽሕና (ገላ 5፡22-23 ረአ)፣ ክልግሰልና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብሓቂ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምሳና ነበረ፣ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ ክብሪ፣ ዝኣክል ክብሩ ረኣና” (ዮሓ 1፡14)። “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰባት” (ሉቃ 2፡14) እናበልና ብሓጐስን ብምግራምን ምስቶም መላእኽቲ ክንዝምር ኢና።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓላት ልደተ ጥምቀት ይግበረልና።

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን፣

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.