2017-01-10 16:51:00

ምሕረት ንማሕበረ ክርስቲያን ናይ ጠመተ ሕቶ እዩ


ኢየሱስን እታ ሓጥእ ሰበይትን (ሊቃ. ምዕ. 7) ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ታሪኽ ወንጌል ናይ ምሕረት ኣገባብን ዓይነት ኣነባብራን መርሕ ሕይወትን ብሓፈሻኡ ናይ ምሕረት መድሎ ወይ ከኣ መርኣያ ምዃኑ ብትረት ብምሕባር ኣቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓም. ዝተዛዘመ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት በዚ መሰረት ከምዝኣወጅዎን፡ ኣብቲ ዝተነብረ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ እናተኰሩ ምሕረት ንማሕበረ ክርስቲያን ሕቶ ጠመተ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም እዮም እንክብሉ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ገና ኣብ መበል 43 ዓመት ዕድሜኦም ዕለት 9 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኢጣሊያዊ ክሪስቲያን ኣልቢኒ ኣቦ ስድራ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ክረማ ናይ ስነ መንፈሳዊ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ነታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዛዘሚ ናይ ምሕረት ዓመት ዝለገስዋ Misericordia et Misera - ምሕረትን ሓሳርን ዘርእስታ ሐዋርያዊት መልእኽቲ መሰረት ገይሮም ብዙሕ ቲዮሎጊያዊ ትንታኔታት ከምዘቕረቡ እንክዝከር፡ ኣብ መኽፈቲ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 7 ኣብ መንጐ ኢየሱስን ሓንቲ ሓጥእ ሰበይትን ዝተኻየደ ርክብ ኣማእኪሎም “ናይ ምሕረት ጥበብ” ብዛብል ኣርእስቲ ዘሕተምዋ መጽሓፎም ጽማሬ፥

ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ናይ ምባል ጥበብ

ናይ ምሕረት ጥበብ ቅድም ቀዳድም ውሳጣዊ ተመክሮ ክኸውን እንክሎ ወሲጥካ ዝተመከርካዮ ኣብ ግዳም እተገልጾ እውን ይኸውን። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ጥማቴ ዘማእከለ እንቕበሎ ሕንጸት ምሕረት ዝወልዶ ከይዲ እዩ። ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ.7 እቲ ርክብ ኢየሱስ ምስ ሓጥእ ሰበይቲ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ጠመተ ናብታ ሰበይቲ ካብቲ ናይ ምስሉያን ፈሪሳውያን ፍልይ ዝበለ እዩ። ዘእንግዳ ኣብ ልባ እትነብሮ ዝጥምት ክንየው ሓጢኣታ ዝርእይ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኩባን ከምኡ እውን ኣብ ለስቦ ደሴትን ኣብ ሽወደንን ምስ ሉተራናውያን ዘካየድዎ ርክብ ካብቲ ክንየው ቅድመ ፍርድታትን ካብቲ እቲ ከምዚ እዩ ዝብል ባዕልና እንምህዞ ናይቲ ካባና ዝተፈልየ ካልእ ምዃን ታሪኽ ዝወለዶ ቅድመ ኩነት ክንየው ክንብል ከምዝግብኣና ይምስክሩ። ኣብ ከይዲ ምሕረትን ምምሕሓርን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ናይ ምባል ጥበብ ይምስክሩ።

ዝሓንጽ ጠመተ ምሕረት

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ክርስቲያን ኣልቢኒ ኣብታ ዝደረስዋ መጽሓፎም ናይ ምሕረት ጥማተ። ብምሕረት ኣብ ምጥማት ከይዲ ሕንጸት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ጠመተና ጠመተ ምሕረት ምስ ዝኸውን ኣብ መስተጋብሮና ለውጢ የስዕብ። እዚ ድማ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ወትሩ ዓርቢ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ናይ ምሕረት ዓርቢ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ይሕብሮ። እብ ጥማተ ምሕረት ዝሓንጽ ዓርቢ እዩ ኔሩ። ዘተ ናይ ክርስትና እምነት ውሳጣዊ ባህርይ እዩ። ስለዚህ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ዝዀነ እምነት ክርስትና ከምዘየለ የረጋግጹልና። ምስ ካልእ ምርኻብ።

ንብጻይካ ቃል ኣምላኽ ምብሳር (ዝልውጥ ሓዋርያዊ ተልእዀ)

ቅዱስ ኣቦና በቲ ኣብ ምሕረት ዘለዎም ቲዮሎጊያዊ ኣመለኻኽታን ተግባርን ስልጣናዊ ትምህርትን ምኽንያት ሕሉፍ ወይ ከኣ ቀጥዒ ዓልቦ ተጻዋርነት ደሓን በሃላይነት ቢሎም ገለ ገለ ሰባት ይገልጽዎም። ናይቶም ዝፈርዱ ሰባት ፍርዲ ድማ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ጥራሕ ገይርካ ካብ ምጥማን ናይ ሕግን ስርዓትን ማሕበር ገይሮም ካብ ምምልካ ዝነቅል እዩ። ቅዱስ ኣቦና ብዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣቢሎም ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ብድሆ ይዀኑ። ዕንቅፋት እውን ይዀኑ። ዝሓንጽ ዕንቅፋት እዩ። ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ነቶም ናይ ሕጊ ሊቃውንትን መምሃራንን ዕንቅፋት እዩ ኔሩ። ስለዚህ እዚ ብድሆን ዕንቅፋን ቅዱስ ኣቦና ብወንጌል መሰረታዊ ለውጢ ንክንጽገው ገዛእ ርእስና ንሕደግ ንፍቀድ ዝብል እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓደ ክርስቲያን ምልዋጥ ይብሉ ኣልቢኒ ብዙሕ ጊዜ ዝተለምደ ተግባር ኣይኰነን ክርስቲያን ስለ ዝዀንና ጥራሕ ገዛእ ርእስና ከይተለወጥና ንኻልኦት ንኽንልውጥ ሸበድበድ ንብል። ንኻልኦት ንምልዋጥ ጥራህ ንሓስብ። ኰይኑ ገና እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ምሕረት ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስና ወንጌል ጽን ክንብልን ክንልወጥን ዝብል ናይ ትእዛዝ ጻውዒት እዩ ዘቕርብ። ኣብ ወንጌል እመንን ተለወጥን ዝብል እዩ።

ኣብ ልልያን ኣስተዕሎን ሕንጸት

ቅዱስ ኣቦና ብዙሓት ክርስቲያን ዝጋገይዎ ነገር እንተሎ ኣክንዲ ኣብ ሕንጸት ሕልና ገዛእ ርእሶም ምዕባይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ትእዛዝን ሕግን ክቐርበሎም ምጽባይ እዩ። ከምቲ እብቲ Amoris laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣብ ናይ ሕልና ሕንጸት እምበር ሕልና ንምቁጽጻር ዝህቅን ሕንጸት ከምዘየድሊ ይሕብሩ፡ ስለዚህ ጠመቕ ትምህርቲ መጻወዲያን ወይ ከኣ መዳጐኒ ኣይኰነን። በንጻሩ ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ሰባት ሕይወትን ዘወዓውዕን ዘነቓቕሕን እዩ። ሰለዚህ እዚ ድማ ሕንጸት ኣብ ልልያን ኣስተውዕሎን እዩ። ብዙሓት ክውንታን ጭቡጥ ነገራት ብዓይኒ ወንጌልን ብግብረ ልልያን ከጽንዑን ክዕሞቑን ክንብቡን ከምዘለዎን ዘተሓሳስብ ጥበብ እዩ። ስለዚህ እዚ ሓላፍነት’ዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ምእመንን ማሕበረ ክርስቲያንን ዝምልከት እዩ። ናይታ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣልቢኒ ዝተደርሰት መጽሃፍ ጽማሬ ነዚ ይመስል።








All the contents on this site are copyrighted ©.