2017-01-12 16:52:00

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት መቀራረቢ ናብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ሲኖዶስ


ነቲ ቅድም ክብል ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ መሰረት ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየደን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስነቶም ንኽልግሱ ዘብቅዖም ብዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘገንዘበን ኣብ መንእሰይን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእቲ ተማእኪሉ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝጠለብዎ ሲኖዶስ ዘሕድኦ ፍሉይ ባህርይ ከምዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ጸሐፌ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተጸውዔ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ኣብ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ሕንጻ ተረኺቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ቅድሚ ምሃቦም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኒኮላ ጎሪ ሓቢሮም።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ትግባሬ ተመስሎኡን ከይድታቱን እንክሕብሩ ትግባሬኡ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተወሰነ ሲኖዶስ መቐጸልታን እዩ ስለዚህ እቲ ናይ ሓባር ቀጻሊ ሓሳብ ድማ ሓሴት ልልያን ስንዮታን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዕለት 12 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናብ መላእ ዓለም ናብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዝተውሃቦ ርድኢትን ኣቃልቦን ከምኡ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ዝተካየዱ ናይ ትንተናን ዓውደ መጽናዕትታትን ጉባኤታትን መብርሂ ንኽትህበሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈን ካብ ዝተፈላለዩ ሰበኻታት ድማ ድሮ ብዙሕ መልስታት ከምእተቐብለን ገና ይጽበ እውን ምህላዉ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም ይብሉ ካብቶም ዝተቐበልዎም መልስታት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ማሕብረሰብ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ዓለምን ብዙሕ ተገዳስነትን ኣቃልቦን ኣወታዊ እንገዳን ሰፊሕ ተቐባልነት ከምዝረኸበን እዚ ድማ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውን ዓቢይ ህያብ ምዃኑ እዩ ዘመልክት ኢሎም።

ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘተኰሩ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታትን ናይ ዕዮ ኣኼባታትን ከምእተኻየደን ኣብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ እውን ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘማእከለ ሕንጻጸ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለልዩ መጽናዕታት እውን ከምእተኻየዱን ንሶም እውን ዝተሳተፉሎምን ዝመርሕዎን ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጽማሬ ሓሳብን ትንተናኡን ኣማእኪሎም ብዙሕ መግለጽታትን ስነ ትንተናኡን መዝቕረቡ ጠቒሶም ስለዚህ እቲ ሓዋርያው ምዕዳን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝተውሃቦ ኣቃልቦ ብኣካል ምስክር ምዃኖም ሓቢሮም።

ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ሰበኻታትን ነፍሲ ወከፍ ብፁዕ ኣቡን ነቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምዕሟቕን ንምትንታንን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ምስ ካህናቶም ኣብ ስባኻታቶም ምስ ዝርከቡ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕብራትን ልኡካነ ወንጌልን ርክብ ኣካይዶምሉን ዘትዮምሉን ይዝትዩልን እውን ምህላዎም ከምእተሓበሮም ገሊጾም ስለዚህ ትግባሬኡ ምስ ናይ ከባቢ ክውንነት ዝተዛምደ እዩ። እቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ኰይኑ ንትግባሬኡ እትኽተሎ መገዲ ምስታ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ክውንነት ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምዕራፍ ሸሞንተ ንዝቖሰለት ስድራ ዝወሃቦ ስንዮታን እንገዳን ልልያን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ምሉእነት ሕንጸት ተተንቲኑ ኣሎ ስለዚህ ኣብ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፍነት ዘለዎም ኣብዚ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ልዑሉ ተመክሮን ከምኡ እውን ሊቕነት ዘለዎም ብዓቢይ ሓላፍነት ምስ ኣቡናቶም እናተሓባበሩ ዓውደ መጽናትታትን ጉባኤታትን የሰናድዉ እዮም። ስለዚህ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ህያው እዩ ኢሎም።

ራብዓይን ሓምሻይን ምዕራፍ ኣብ መርዓ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ይግለጽ ከምኡ እውን ኣብ ምዕራፍ ሽውዓተ ዛዕባ ሕንጸት ናይ ውላድ ዝምልከት እዩ።  ስለዚህ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ድማ ሰብ ቃል ኪዳን ዘሳትፉ ዓውደ መጽናዕታትን መንፍሳዊ መደባትን ይካየዱ እዮም። ኣብ ብዙሓት ቍምስናታት ናይ ኣባይቲ ስድራ ማሕበር ጸላያንን ተመክሮ ናይ ሓዳር ሕይወቶም ዝካፈሉሉን ሕድ ሕድ ምድግጋፍ ዝነብሩሉን ሕንጸት ውላድን ይዝትዩን ይመኻኸሩን እዮም፡ እዚ ኹሉ ድማ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘድምዕ እዩ ኢሎም።

ብሓቂ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክርስቲያናዊ መርዓ ዘለዎ ጽባቔ ዘጉልሕ እዩ። ቅዱስ ምስጢራዊ ኣሃድነት ዝንበሮ ክኸውን እንከሎ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ውህበትን ጽባቔን ምዃኑ ኣብ ሓዳር ከጋጥም ዝኽል መሰናኽላትን ዘይምርዳእን ብዘየገድስ ይስትውዓል። ቅዱሳት ምስጢራት መለኵታዊ ምሕረት እያቶም። ዝተፋትሑ ክህልዉ ዝከኣል እዩ። ምስጢረ ተክሊል ቅዱሳዊ ምስጢርነቱ ከይዘንጋዕካ ብሓላፍነት ናይቶም ዝተፋትሑ ሰብ ሓዳር ኩነትን ናይ መን ተሓታትነትን ሓላፍነትን ኩሉ መሚኻ እቶም ዝተፋትሑ ደረጃ ብደረጃ ንምሉእ ውህደት ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ተሰናድዎም። ስለዚህ ኣብዚ መዳይ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ፍትሓ ብሔር መሰረት ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ብሓፈሻኡ ዘይኰነስ እቲ ጉዳይ ፍትሕ ናይ ሕጊ ጉዳይ ብምዃኑ ድማ ኣብ መንጐ ሕግን ሕልናን ዘሎ ርክብ ምሉእ ግንዛቤ ዝገበረ ነፍሰ ወከፋዊ ስንዮታ ክግበረሎም ይሕብር።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ስድራ ቤት ውህበትን ውበትን ሓይልን ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ እሞ ሓደ ንኽዀኑ ኣሚቶም ንኽህብዎ ሃረር ዝብልዎ ምስጢረ ተክሊል ዘእስሮም እወ ዝብል መልስን ስድራ ቤት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ግደ ተነጽር ምስ በሉ ምስ እዚ እተሓሒዞም እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ሲኖዶስ መንእሰያት ኣብ ሕይወቶም ግቡእን ቅኑዕን ልልያ ክገብሩን በቲ ምሉእ ልልያ ኣቢሎም ናይ ሕይወቶም ክዋኔ ከረጋግጹን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ከስተማቕሩን ዝድግፍ እዩ። ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብቲ ንኽትነብሮ እተጸዋዕካሉ ጸዋዕታ ዝንበር እዩ። ስለዚህ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ጸዋዕታ ምዃኑ ዘነጽር እዩ። መንእሰይ ብሓፈሻኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ስድራ ቤት ከቕውም ኣብ ዝብል ምርጫ እዩ ዘድህብ ስለዚህ እዚ ምርጫ ብይግበርን ዝጸንሔን ዘይኰነስ ናይ ጸዋዕታ ልልያ ድርዀትን ውጽኢትን ክኸውን ስለ ዘለዎ ገዛእ ርእሶም ንኽፈልጡን ንኸለልዩን ገዛእ ርእሶም ንኽምስርቑን (ዝኽተልዎ መገዲ ከለልዩን ክስዕቡን) ንምድጋፍ እዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅጻለ እዩ ይብሉ።

ኣብ መንጐ መንእሰይን ምርጫ ጸዋዕታን ስድራን ባህርያዊ ተዛምዶ ኣሎ። ስለዚህ ድማ ብዛዕባ ስድራ ቤት ክትዛረብ እንከለኻ ህሞት ቅዋሜኡ ግምት ዘይምሃቡ ዘይከኣል እዩ። ብምዃኑ ድማ መንእሰይ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ሕይወቱ ክምስርቕን ዕላማውኡን ክበጽሖ ዝደሊ ሸቶ ከለልይ ኣገዳሲ ይኸውን። ናይቲ ቀዳማይ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ “ስድራ ቤት ምቛም ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዘሎ ህልው ምንዮት እዩ” ይብል ብርግጽ ሕጉስን እውነተይናን ሕይወት ኣብ መርዓ እዩ ማለት ኣይኰነን መርዓ ካብ ጸዋዕታ ሓደ እዩ። ስለዚህ ድማ ሃንቀውታኦምን ሃረርታኦምን ከለልዩ ምድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዘነጽር።

ስለዚህ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍልይ ዘብሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ዘፍልቕ እውን እንተዀነ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን መቐጸልታ እውን እዩ። ናይዚ መረጋገጺ ድማ ነቲ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘረጋግጾ እዩ ከምዝበሉ ጎሪ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.